እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ፡ ባርዕ ሓዊ ብውሑድ 64 ሰባት ቀቲሉ
ኣብ ሓደ ማእከል ዕዳጋ ዝኾነ ህንጻ (ሾፒን ሰንተር) ኣብ ዞባ ሳይበሪያ ናይ ሩስያ እትርከብ መዐደኒ ፋሓም ዝኾነት ከተማ ኬመሮቮብ ዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ብውሑዱ 64 ሰባት ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ።
ኣርባዓን ሓደን ቆልዑ ዝርከብዎም ካልኦት ሰባት ድማ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን ዘሎ። ክፋል ናይ'ቲ ህንጻ ድማ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ይርከብ።
እቲ ባርዕ ኣብ'ቲ ላዕለዋይ ደርቢ ናይቲ ዊንተር ቸሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ክፋል ናይ'ቲ ህንጻ ዝጀመረ ክኸውን እንከሎ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ግዳይት ግን ኣብ ውሽጢ ሲነማ እዮም ነይሮም። ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተዘርግሐ ምስልታት ቪድዮ፡ ካብቲ ሃልሃልታ ንምምላጥ ሰባት ብመሳኹቲ ዘሊሎም ክሃድሙ እንከለዉ ኣርእዮም።
ኣስታት 660 ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን (ኢመርጀንሲ ፐርሰነል) ኣብቲ ህይወት ናይ ምድሓን ጻዕርታት ተዋፊሮም ኣለዉ።
መንቀሊ ናይቲ ባርዕ ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ፡ ሰበ-ስልጣን ግን መርመራ ጀሚሮም ኣለዉ።
እዛ ኣብቲ ቀንዲ ፋሓም ዝፋሓመሉ ቦታ እትርከብ ከተማ ኬመሮቭ ካብ ከተማ ሞስኮ 3,600 ኪሎሜተር ንሸነኽ ምብራቕ ርሒቓ ትርከብ።
እቲ ባርዕ ኣበይ'ዩ ጀሚሩ?
ብዘይካ ሲነማ፡ እቲ ኣብ 2013 ስርሑ ዝጀመረ ማእከል ዕዳጋ ዝኾነ ህንጻ፡ ሬስቶራንትታት፣ ናይ ሃፋ መሕጸቢ ነብሲ (ሳውና)፣ መጻወቲ ቦውሊንን መዘናግዒ ናይ ፍቱዋት እንስሳታትን (ፐቲንግ ዙ) የጠቓልል። ብመሰረት ጸባባት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር፡ እቲ ባርዕ ኣብ ከባቢ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ (ብናይ ኤርትራ/ኢትዮጵያ ኣቆጻጽራ) ኣብ ሓደ ናይ መዘናግዒ ክፍሊ'ዩ ጀሚሩ።
"ብመሰረት ኣፈናዊ ጸብጻብ፡ ናሕስታት ናይ ክልተ ሲነማታት ተሮኽሚሾም" ኢሉ ናኡ ሩስያ መርማሪ ኮሚቴ።
ተጠባብቒ ሓላፊ ክፍሊ እዋን ሓደጋ ናይ ጅኬመሮቭ የቭገኒ ደድዩኺን ድማ እቲ ብባሮ ዝተለብለበ ቦታ ኣስታት 1,500 ትርቢዒት ሜትሮ እዩ ኢሉ።
"እቲ ማእከል ዕዳጋ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ህንጻ'ዩ" ድሕሪ ምባል "ብዙሓት ተባራዕቲ ነገራት ድማ ኣለዉ" ኢሉ ንሱ።
ብዛዕባ'ቶም ግዳየት'ከ እንታይ ንፈልጥ?
ዛጊት ተረኺቦም ካብ ዘለዎ ሬሳታት፣ እቶም ዝበዝሑ ንምልላዮም ኣሸገርቲ'ዮ ኢሉ ደድዩኺን። እቶም ትሽዓተ ቆልዑት ምዃኖም ግን ተፈሉጡ'ሎ ድማ ኢሉ።
ተጠባባቒ ሓላፊ ናይ ሩስያ ሃገራዊ ማእከል ምምሕዳር እዋን ሓደጋ ኣንድረይ ማምቸንኮቭ ድማ ምድላይ 41 ቆልዑ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።
ብሰንኪ ትክን ተኽእሎ ምፍራስ ናይ'ቲ ህንጻን፡ ኣባልት ህይወት ኣድሕን ኣብቲ ሳልሳይ ደርቢ ኣብ ዝርከብ ሲነማ ክኣትዉ ኣይከኣሉን ኢሉ ሓደ ስሙ ዘይተረቑሐ ምንጪ ሓበሬታ ንማዕከን ዜና ሩስያ ኢተርፋክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ። ሓደ ካልእ ምንጪ ሓበሬታ ድማ ብህይወቶም ዘለዉ ሰባት ናይ ምድሓን ተኽእሎ ዳርጋ የለን ኢሉ።