ተሬዛ መይ 23 ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ኣዚዛ

ምንጪ ስእሊ, EPA/YULIA SKRIPAL/FACEBOOK
ዓባይ ብሪጣንያ ን23 ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ካብ ሃገራ ክትሰጉግ ምዃና፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተሬዛ መይ ኣፍሊጣ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ዝወሰነ፡ ምምሕዳር ሞስኮ ነቲ ኣብ ሶልስብሪ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሩስያዊ ኣባል ስለያ ዝነበረ፡ መርዛም ቀመም ብምጥቃም ፈተነ ቅትለት ኣካዪዳ ተባሂላ ንዝተኸሰሰትሉ መልሲ ክትህበሉ ተሓቲታ ድሕሪ ምንጻጋ'ዩ።
እቶም ንኽወጽኡ ሓደ ሰሙን ተዋሂቡዎም ዘለዉ ሩስያውያን "ዘይወግዓውያን ኣባላት ስለያ" ተባሂሎም ዝተለለዩ እዮም ድሕሪ ምባላ፡ ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽበጽሕ ተጌሩሉ ዝነበረ ዕድመ ከምዝተሳሕበን፡ ንጉሳዊ ቤተሰብ ብሪጣንያ ኣብቲ ዝመጽእ ሰነ ኣብ ሩስያ ዝካየድ መኽፈቲ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ከምዘይሳተፉን፡ ተሬዛ መይ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።
ሩስያ ኣብ ፈተነ ቅትለት ሰርገይ ስክሪፓል ኢድ ከምዘይብላ'ያ ትገልጽ። ኤምባሴ ሩስያ፡ ምስጓግ ናይቶም 23 ዲፕሎማሰኛታት "ዘይቅቡልን ዘይፍትሓዊን'ዩ" ክብል ገሊጹዎ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, PA
ድሕሪ'ቲ ብዕለት 4 መጋቢት ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኩነታት ጥዕና'ቲ ወዲ 66 ዓመት ዝኾነ ሰርገይ ስክሪፓልን ጓሉ ዩልያን ስለዘይተማሓየሸ፡ ኣብ ሆስፒታል ጌና ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክንክን ይርከቡ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተገብረሉ ቦታ ቀዲሙ ዝተረኽበ ኣባል ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ዲተክቲቭ ሳርጀንት ኒክ ቤይሊ'ውን ግዳይ ናይቲ መጥቃዕቲ'ቲ መርዛም ቀመም ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን እንተሃለወ'ኳ፡ ኩነታት ጥዕንኡ ይመሓየሽ ከምዘሎ ይንገር።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







