ኣብ ግዜ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝተሰወረት መርከብ ኣሜሪካ ድሕሪ 76 ዓመታት ተረኺባ

ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ተሰካሚት ነፈርቲ ውግእ ኮይና እተገልግል ዝነበረት መርከብ ኣሜሪካ ድሕሪ 76 ዓመታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራልያ ተረኺባ።

እታ 'ዩ ኤስ ኤስ ሌክሲንግቶን' ዝብል ስያመ ዝተወሃባ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝዓነወት መርከብ ኣሜሪካ ካብ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራልያ ኣስታት 800 ኪሎ ሜትሮ ሪሒቓን፣ 3 ኪሎ ሜትሮ ንውሽጢ ተወሒጣን ከምዝተረኸበት ተፈሊጡ።

መርከብ ሌክሲንግቶን ኣብ 1942 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ካብ 4 ክሳብ 8 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ጽዕጹዕ ኵናት ምስተወቕዐት ልዕሊ 2 ሚኢቲ ሰባት ምሟቶም እታ ዛንታ የረድእ።

እታ መርከብ ብሓገዝ መስራቲ ኩባንያ ማይክሮሶፍት ፖል ኣለን ዝተመርሐት ጉጅለ ከምዝተረኸበት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ካብ ስእልታት እታ ዝተረኸበት መርከብ ምርኣይ ከምዝከኣል ዝዓነወ ኣካላታ ብዝግባእ ምዕቃብ ከምዘድሊ'ዩ።

ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ምድብ ፓስፊክ፡ ኣዳም ሃሪ ንኣለሻ መርከብ ዩ ኤስ ኤስ ሌክሲንግቶን ዝተገበረ ጻዕሪ ንኢዱ።

" ካብቶም ካብቲ ኲናት ካብ ሞት ዝተረፉ ወለዲ ውላድ ከም ምዃነይ መጠን ኣብቲ ኣለሻ ልዑል እጃም ንዘበርከተ ፖል ኣለን እንኳዕ ሓጎሰካ ክብል ይፈቱ" ክብል ወሰን ኣልቦ ታሕጓሱ ገሊጹ።

ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዓውደ ውግእ ባሕሪ ኮራል ዝተኻየደ ኵናት ሰራዊት ጃፓን ናብ ሸነኽ ፓስፊክ ከይግስግስ ዓጊቱ ዝሓዘ ምንባሩ መዛግብቲ ታሪኽ የረድኡ።

እምበኣር መርከብ 'ዩ ኤስ ኤስ ሌክሲንግቶን' ብወተሃደራት ጃፓን እያ ተወቒዓ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይና ድሕሪ ምጽናሕ ተረኺባ ዘላ።

እታ መርከብ ምስተወቕዐት 216 ሰባት ሽዑ ንሽዑ እንትሞቱ ኣስታት 2 ሽሕ ሰባት ድማ ካብ ሞት ዲሒኖም።

" ሌክሲንግቶን ካብተን ኣቐዲምና ክንረኽበን ኣለና ኢልና ዘቐመጥናየን ዝጠፍኣ መራኽብና ሓንቲ እያ ነይራ። ምኽንያቱስ ንሳ ካብተን ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝጠፍኣ ዓበይቲ መራኽብ ሓንቲ እያ" ኢሎም ወሃቢ ቃል ኩባንያ ቩልካን ሮበርት ክራፍት።

መርከብ ሌክሲንግቶን መዘከርታ እቲ ዅናት ኮይና ከምእተገልግል ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ'ሎ።