እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ዘጋጠመ ምምራዝ መግብታት ምኽንያቱ ተረኺቡ
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ዓይነት ሓደጋ ዘብፀሐላ ' መራዚ መግብታት' ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ።
እቲ ባክተርያ ካብ ዝተኸሰተሉ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ህይወት 180 ሰባት ከምዝቐዘፈ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ቀንዲ ፍልፍል እቲ መራዚ ባክተርያ ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ቦታ ሊምፖፖ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝተደኮነ ሓደ ናይ መግቢ ፍርያት ኣቕራቢ ፋብሪካ ከምዝኾነ ተገሊጹ ኣሎ።
ንሕልፈት ህይወት 180 ሰባት ኢሉ'ውን ጠንቂ ብከላ ሓደ ሽሕ ሰባት ዝኾነ እዚ ባክተርያ 'እማን ካብዚ ፋብሪካ ድዩ ዝምንጩ?' ንዝብል ሕቶ ንምጥላል ዝተፈላለዩ ፈተነታት ከምዝተወሰዱ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ ባክተርያ ምስ ካልኦት ኣብ ዝተፈላለዩ ሸቐጣ መቐጥ ናይ ዝርከቡ ውጽኢት ዝተዓሸጉ መግብታት ተተነኻኺፉ ክኸውን ከምዝኽእል ድማ እቲ ሚኒስትሪ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ኣሮን ሞትሶዋለዲ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ዜጋታት ካብ እንዳ ሸቐጣ መቐጥ ዝዓደግዎ ዕሹግ ስጋ ንኸይበልዑ ኣተሓሳሶቦም።
እቲ ባክተርያ ኣብ ገለ ግድያት እቲ ሕማም ዝኾኑ ሰባት፡ ልዑል መጠን ዋዒ፣ ተምላስን ውጽኣትን ዘስዕብ ኮይኑ ብፍላይ ንኣረጋውያንን ዕሸላትን ድማ ዝያዳ ዘጥቅዕ'ዩ።
ጠንቂ እቲ ሕማም ንምፍላጥ፡ ኪኢላታት ካብቲ ፋብሪካ ኣስታት 16 ዝኸውን ፈተነታት ወሲዶም ዘካየድዎ ምርምር ጭቡጥ ውጽኢት ከምዝኾነ ከረጋግጹ ኪኢሎም'ዮም።
ብፋብሪካ ስራሕቲ ዕሹጋት መግቢ 'ኣርሲኤል' ተዳልዮም ንብልዒ ዝተቐረቡ መግብታት ብምልኦም ካብ መኻዚኖታት ክጓሓፉ ከምዘለዎም ሚኒስትር ሞትሷለዲ ኣተሓሳሲቦም።
ቀንዲ ፍልፍል እቲ ባክተርያ ኮይኑ ዝተረኸበ ፋብሪካ ክዕጾ ከምዝኽእል ይግለጽ'ሎ።
እቲ ባክተርያ ካብ መግብታት ወጻኢ ኣብ ነዃላት መንደቕ እቲ ፋብሪካ ተሓቢኡ ናይ ምጽናሕ ተኽእሎ ስለዝለዎ ብቐሊሉ እተለልዮ ኣይኮነን።
እቲ ሕማም ብሰንኪ ብባክተርያ 'ሊስተርያ'ን ምስ ናይ ሕርሻ እንስሳት ብምንኽኻእን ክፍጠር ከምዝኽእል ይግለጽ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ባክተርያ ኣብ ዘይወዓየ ጸባን ኢሉ'ውን ዘይተዓሸጉ መግብታት ከም እኒ ሳንድውች ክርከብ ከምዝኽእል ኪኢላታት ይገልጹ።