እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማሕበራዊ መራኸብታትን ሞባይላትን ዝህልዎ ሳዕቤናት ከመይ ትግምትዎ?
ኣጠቃቅማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም'ዉን ሞባይል ስልኪታት ብቐሊሉ እንታይ ጽልዋ ከምጽእሉና ይኽእሉ? ነዚ ሕቶ ምላሽ ንምርካብ ኣባላት ፓርላማ ኢንግሊዝ ርእይቶ ከተኣኻኽቡ ምዃኖም ተገሊፁ።
ኮሚቴ ኮመንስ ሳይንስን ቴክኖሎጀን ኣጠቃቕማ ማሕበራዊ መራኸብታትን ሞባይላትን ዘስዕብዎ ጽልዋታት ንምምርማር መንእሰያት፤ መምሃራንን ሰራሕትኛትን ርእይቶታት ክህቡ ፀዊዑ።
ኣቦ ወምበር እቲ ኮሚቴ ኖርማን ላምብ "ማሕበራዊ መራኸብታትን ሞባይል ስልክታትን ብብዝሒ ብኣናኣሽቱ ቆልዑን መንእሰያትን ይዝወተሩ" ኢሉ።
ተምሃሮ፣ መንእሰያት፣ ኢንዳስትሪታትን መንግስትን ሓሳባቶም ክህቡ ትፅቢት ከምዝግበር'ውን ሓቢሮም።
ኣቶ ላምብ ከም እቲ ኮሚቴ፡ መንእሰያት ምስ ጠለባት 'ዲጂታላዊ' ዓለም ተሳንዮም ንክኸዱ ብቖልዑት፣ ኣብያተ ትምህርትን ውዳበታት መናእሰይን ዝተወስዱ ስጉምትታት እንተነይሮም ክቐርቡሉ ይደልይ።
እቲ ፓርላማ ክቕበሎም ዝደልዮም ተወሰኽቲ ሓሳባት ድማ፡
- ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጥቃም ዝኽሰቡ ረብሓታት (ንተጠቀምቲ ኣብ ኣእምሮኣዊ-ጥዕንኦም ረብሓ ከምፅኡ ንዝኽእሉ 'ኣፕሊኬሽናት' ሓዊሱ)
- ማሕበራዊ መራኸብታትን ሞባይል 'ስክሪናትን' ብምጥቃም ዝመፁ ኣካላውን ኣእሙራዊ ጉድኣት (ንስግኣታት ሓደጋን ዉሉፍ ባህርያትን ሓዊሱ)
- ንምክልኻል ሳዕቤናት ሞባይል ስክሪናት እንጥቐመሎም ስጉምትታት ክኾኑ ይኽእሉ።
- እንታይ ዓይነት መከታተሊ፣ መቆፃፀርን መመርመርን መገዲታት የድልዩ? ከምኡ'ውን ነዞም ስጉምትታት ንምውሳድ ዝሕግዙ ስምዒት ሓላፍነትን ተሓታትነትን
ነዚ ዝምልከት ርእይቶታት ብፅሑፍ ከቕርቡ ዝደልዩ ካብ 3000 ፊደላት ዘይዛይድ ሰነድ ክሳብ 6 ሚያዚያ ከረክቡ ከምዘለዎም ተገሊፁ'ሎ።
ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ትምህርቲ ኣብ 2017 ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ካብቶም 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ተምሃሮ ዓዲ እንግሊዝ እቶም 95 ሚኢታዊት ካብ ትምህርቲ ይፈደሱ ኣይፈደሱ ተጠቐምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ክኾኑ ከለዉ፤ 9-16 ዕድመ ድማ ፍርቆም መዓልታዊ ተጠቀምቲ ዘመናዊ ተሌፎናት ከምዝኾኑ የመልክት።