እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወርቂ ከስግር ዝፈተነ ውልቀ-ሰብ ኣብ ኬንያ ተታሒዙ
ሓደ ታንዛንያዊ መንገደኛ ሓደ ሚልዮን ዝግመት ወርቂ ሒዙ ኣብ መዕርፎ ነፍርቲ ኬንያ፡ ጆሞ ኬንያታ ተታሒዙ።
እቲ ውልቀ-ሰብ ነቲ ወርቂ ሒዙ ናብ ዱባይ ክጓዓዝ እንትፍትን'ዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ።
ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ፖሊስ ጠጠው ኣቢሉ እንትፍትሾ 32 ኪሎ ግራም ወርቂ ሒዙ ተረኺቡ።
ፓሊስ ኬንያ ብዛዕባ'ቲ ተጓዓዛይ ኣቐዲሞም ሓበሬታ ብምርካቦም ነቲ ሰብ ክሕዝዎ ኪኢሎም።
እቲ ወዲ 46 ተጠርጣሪ ካብ ምዋንዛ-ታንዛኒያ ተበጊሱ ብኪሊማንጃሮ ኣቢሉ'ዩ ናብ ኬንያ ኣትዩ።
ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ምፃራይ ጀሚሩ'ሎ።