ትራምፕ ዘመናዊ ጠበናጁ ንምኽልካል ይሰርሕ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ህይወት ብዙሓት ሰባት ብሓንሳብ
ክቐትል ኣብ ልዕሊ ዝኽእል ጠመንጃ እገዳ ንምንባር ፈሪሙ።
እቲ መንግስቲ ኣመሪካ ዝኽልከል ዘሎ ዓይነት ጠመንጃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ኣሜሪካዊ ኣብ ላስቬጋስ ን58 ሰባት ከምዝቐተለሉ ዝፍለጥ'ዩ።
እዚ ዓይነት ጠመንጃ ኣብ ደቒቓ ኣማኢት ሰባት ንምቕታል ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊጹ ኣሎ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ትማሊ ካብ 'ዋይት ሃውስ' ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣፅዋራት ዝእግድ ሕጊ ብክፍሊ ፍትሒ ቢሮ እታ ሃገር ንኽረቅቕ ትእዛዝ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብ ኣሜሪካ ዛዕባ እገዳ ዘበናዊ ጠመንጃ ውዕይ ክኸውን ዝኸኣለ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ 17 ሰባት ካብ ዝቕተሉ ንደሓር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግዳያት እቲ ናይ ፍሎሪዳ ጨፍጫፍ ዝኾኑ ተመሃሮን ወለድን ላዕለዋይ ብርኪ እቲ ቤት ትምህርቲ ፡ ነቲ ኣብቲ ዝሓለፈ ቅነ ዝተፈጸመ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ጭፍጨፋ ንምኹናን ኣብ ርእሰ ከተማ ታላሃስ ሰላመዊ ሰልፊ ንኸካይዱ ሃቂኖም ኣለዉ።
ትራምፕ እንታይ'ዩ ኢሉ?
ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሰሉስ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺኡ ንሓላፊ ጥብቅና ጀፍ ሰሽንስ፡ ኣብ ደቓይቕ ህይወት ኣብ ልዕሊ ክቕጥፉ ዝኽእሉ ጠመናጁ እገዳ ንምንባር ዘኽእል ረቂቕ ሕጊ ብቕልጡፍ ንኸዳሉ ትእዛዝ ከምዝሃበ ሓቢሩ።
" ካብ ኣድከምቲ ክትዓትን ፍረ ኣልቦ ጭቕጭቓትን ወጺኢና ኣብ መረዳእታ ዝተመስረተ ፍታሕ ብምንዳይ ድሕነት ደቂ ኣነስትዮን ደቅናን ክንሕሉ ይግባእ"።
እቲ ብኣሜሪካ እገዳ ንኽግበረሉ ተሓሲቡ ዘሎ 'ቡምፕ ስቶክስ' ዝተብሃለ ዓይነት ጠመንጃ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዕዳጋ ብቐሊሉ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ብ ሓደ ሚኢቲ ዶላር ኣሜሪካ ክዕድጎ ዝኽእል'ዩ።
እዚ ዓይነት ጠመንጃ ብወዲ 64 ዓመት ኣሜሪካዊ ስቴፌን ፓዶክ ኣብ ላስቬጋስ ምርኢት ሙዚቃ ይከታተሉ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ተግባር ዊዒሉ: ልዕሊ 50 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 5 ሚኢቲ ሰባት ድማ ሓደጋ መቑሰልቲ ኣጋጢምዎም'ዩ።
በዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብሓደ ሰብ ዝተፈጸመ መሰቀቒ ጭፍጨፋ ተባሂሉ ተመዝጊቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈጻሚ እዚ ጅምላዊ ቕትለት ኣብቲ ሽዑ እዋን 'ቡምፕ ስቶክስ' ጠመንጅኡ ተጠቒሙ ኣብ ውሽጢ 10 ሰከንድታት ጥራይ 90 ጠያይቲ ክትኩስ ከምዝኸኣለ ጸብጻባት የረድኡ።
ኣብ ኣሜሪካ AR-15 ዝተባህለ ጠመጃ ንኽትዕድግ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይን ልዕሊኡን ምዃን ኣለካ። ትማሊ ካብ ዋይት ሃውስ ዝተረኸበ ሓበሬታ ግን መንግስቲ ኣሜሪካ ጠብመጃ ንምዕዳግ ዘኽእል ክሊ ዕድመ ዳግም ንምኽላስን ድሕረ ባይታ ዓዳጋይ ከም ቅድመ ኩነት ምቕማጥ ዘኽእል ሕጊ ንምርቃቕ ድሌታት ከምዘለዎ ይግለጽ ኣሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



