እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኪም ጆ-ዪንግ፡ ደቡብ ኮርያ ኣብ እተተኣናግዶ ክረምታዊ ኦሎምፒክ ከምዝርከባ ተገሊፁ
ሓፍቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኣን ዓርቢ ኣብ ዝጅመር ክረምታዊ ኦሎምፒክ ከምዝርከባ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኣባልነት ፖሊት ቢሮ ዝተፀምበራ ኪም ዮ-ጆንግ፡ ካብ ኣባላት ስድራ ኪም ዶብ ሰጊረን ሰሜን ኮርያ ዝኣተዋ ቀዳመይቲ ሰብ ክኾና እየን።
ኣብ መኽፈቲ ኦሎምፒክ፡ ክልትኤን ሃገራት ብሓንቲ ዓይነት ባንዴራ'የን ክውከላ።
ተሳትፎ ሰሜን ኮርያ ድማ ክልተኣዊ ርክባተን ንኽጥጥዕ መሰረት ዘንፅፍ ከምዝኸውን ይግለፅ።
ኮይኑ ግን ኣሜሪካ፣ ጃፓንን ካልኦት ሃገራትን፡ ሰሜን ኮርያ ነቲ ውድድር ንፕሮፓጋንዳ ተውዕሎ'ላ ብዝብል ይኸሳ።
ኪም ዮ-ጆንግ መን'የን?
ኣብ 1987 ከምዝተወለዳ መረዳእታታት ይሕብሩ። ካብ ሞንጎ ደቂ መራሒ ሰሜን ኮርያ ነበር ኪም ጆንግ-ኢል ብዕድመ ዝነኣሳ እየን።
ካብ ኪም ጆንግ-ኡን ብኣርባዕተ ዓመታት ይንእሳ። ምስ ሓወን ድማ ጥቡቕ ዝኾነ ርክብ ከምዘለወን ይዝረብ።
ኪም ዮ-ጆንግ ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ተፈላጥነተን እናወሰኸ መፂኡ'ሎ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ወሳኒ ዝበሃል ክፍሊ ፕሮፓጋንዳ ስለዝሰርሓ ምስሊ ሓወን ብፅቡቕ ንምህናፅ ብዝገብርኦ ፃዕሪ እዩ።
ኣብ ሰሜን ኮርያ ብዝፍፀም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ድማ ኣሜሪካ ኣብ ፀሊም መዝገብ መዝጊባተን ኣላ።