መራሒ ኡጋንዳ ሙሰቨኒ፡ ትራምፕ ንኣፍሪካውያን ዘለዎም ግልፅነት ከምዝፈትውዎ ገሊፆም

ትራምፕ፥ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቶም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፥ ንሃገራት ኣፍሪካ 'ጓሓፋት' ኢሎም ምዝላፎም ይዝከር።

ትራምፕ ወላ እኳ 'ኣይወፀንን' እንተበሉ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ግና 'ኢልኩም ኢኹም' ኢሎምዎም።

ሕብረት ኣፍሪካ፥ ትራምፕ ነቲ 'ቅሉዕ ዘርኣዊ' እዩ ዝበሎ ዘረባ፥ ትራምፕ ይቕሬታ ይሕተቱ ኢሉ'ሎ።

ኣብ ካምፓላ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተዛረቡ ሙሰቨኒ "ኣመሪካ ኣብ ዕድመኣ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ፕረዚዳንት ረኺባ'ላ" ብምባል መስሐቒ ፅዋ ኣስሚዖም።

"ንትራምፕ ፈትየዮ ኣለኹ፤ እቲ ምንታይ? ንኣፍሪካውያን ብግልዩ እዩ ነጊሩና። ኣፍሪካውያን ፀገሞም ክፈትሑ ይግባእ። ድኹማት ኢና" ኢሎም።

ዘረባ ሙሰቨኒ ነቲ ንዘረባ ትራምፕ ዝኾነነ ርኢይቶ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝቃወም እዩ።

ፕረዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ድማ፥ ንቑጠዐ ኣፍሪካውያን ከምዝድግፉ ብሰንበት ተዛሪቦም እዮም።