እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚዳንት ላይቤርያ ጆርጅ ዊሃ፥ ቃለ ማሕላ ፈፂሙ
ዊሃ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ሞንሮቪያ ቃለ ማሕላ እንትፍፅም እንተሎ ንዝተኣከበ ህዝቢ እንትዛረብ "እምበኣርከስ ንብጣዕሚ ነዊሕ ግዜ ኣብ ስታድዮም ተረኺበ እየ፤እቲ ናይ ሎምዓልቲ ግና ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ" በለ።
ኣብ ላይቤርያ ድሕሪ 1994 ዓ.ም ኣውሮጳ፥ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ንፈለማ እዋን ስግግር ስልጣን ብሰላም ተኻይዱ'ሎ።
ፕረዚዳንት ዊሃ ነተን ስልጣን ዘረከበኦ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ፥ ኣብታ ድሕሪ እቲ ንዓመታት ዝተኻየደ ኲናትን ምትህንዃትን ኣብታ ሃገር ሰላም ክሰፍን ንዘካየደኦ ቃልሲ ኣመስጊኑወን።
ንቐፃሊ'ውን ነዛ ዓዲ መሰረት ሰላም ኣንፂፍክን ትኸዳ ኣለኽን ክብል ንኢዱወን።
ኣብቲ እዋን ምፍፃም ቃለ መሓላ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ፀገማት "ቅልጡፍ ፍታሕ" ከምፅእ እየ ብምባል ክመፃባዕ ከምዘይኽእል ተዛሪቡ።
ኰይኑ ግና ህዝቢ ላይቤርያ ናብቲ ዝሓልሞ ዘሎ ዓወት ንኽበፅሕ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ እየ ኢሉ'ሎ።ካሜሮናዊ ኮኾብ ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሳሙኤል ኢቶ ሓዊሱ ፕረዚደንታት ጋና፥ ጋቦንን ሴራልዮንን ኣብቲ በዓለ ሽመት ፕረዚደንት ጆርጅ ዊሃ ተረኺቦም።
ብመሰረት እዚ፥ ብቐዳምነት ክስርሑ ዝግበኦም ገዘፍቲ ዕማማት ኣነፂሩ ኣሎ። ኣንፃር ግዕዝይና (ብልሽውና) ቃልሲ ምክያድ፤ሰራሕተኛታት መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ግቡእ መሃያ ክረኽቡ ክፍቀድ እዩ።
ላይቤርያ ካብ መንግስታዊ ወፃኢ ንዘለዉ ውልቀ ትካላት እውን ኣፍ ደገኣ ክፉት ክኸውን ብተግባር ክነርኢ ኢና ኢሉ ፕሬዚዳንት ጆርጅ ዊሃ።
ነበርቲ ርእሰ ከተማ ላይበርያ ሞንሮቭያ ናብ ጎደናታት እታ ከተማ ወፂኦም ታሓጓሶም ገሊፆም።