ኣብ ልዕሊ ዚምባብዌ ዝተወሰነ ማዕቀብ ክልዓል ፕሬዚደንት ምናንጋግዋ ሓቲቱ

እቲ ንዓመታ ሓምለ ክካየድ ዝተመደበ መረፃ ድማ ቅድሚኡ ክካየድ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣፍኢሙ።

እቲ ንዓመታ ዝካየድ መረፃ ተኣማኒ፥ ነጻን ፍትሓውን ምእንታን ክኸውን መንግስቲ ኩሉ ዝክኣሎ ክገብር ምኻኑ ምናንጋግዋ ንመራሕቲ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ገሊጽሎም።

ምናንጋግዋ ድሕሪ ፕሬዚደንት-ነበር ሮበርት ሙጋበ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ኢዩ ፕሬዚደንት ኾይኑ ተሸይሙ።

ምናንጋግዋ ዝመጽእ ዓርቢ ናይ ሰልፊ መራሕን ፕሬዚደንታዊ ሕጹይ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ናብቲ ንዓመታ ዝካየድ መረፃ ክኸውን ትጽቢት ኣሎ።

እቲ ወዲ 93 ዓመት ሙጋበ፡ ድሕሪ 37 ዓመት ብወተሃደራት ብሓይሊ ካብ ስልጣን ምእላዩ ኣብ ህዝባዊ መጋብእያታት ኣይተራእየን። እንተኾነ፡ ሙጋበ ናብ ሲንጋፖር ንሕክምና ከምዝኸደ ኣፈኛ-ነበር ጆርጅ ቻራምባ ሓቢሩ።

እቲ ብኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ገለ ኣባላት ዛኒ-ፒኤፍን መራሕቲ ሰራዊትን መንግስታውያን ኩባንያታትን ዝተወሰነ ናይ ጉዕዞን ቁጠባውን ማዕቀብ ከምዘለዎ ክጸንሕ ኢዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ከምዝበሎ ኣብቲ ሃገር ፖለቲካዊ ጽገናታት እንተዘይገይሩ እቲ ማዕቀብ ኣይክልዓልን ኢዩ።

እቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተወሰን ናይ ኣጽዋር እገዳን ኣብ ልዕሊ ሙጋበን ብዓልቲ ቤቱ ግሬስን ኢንዳስትሪ ምክልኻል ዚምባብዌን ዝተወሰን ማዕቀብ ክቕጽል ኢዩ።

"እቲ ሃገራዊ ምዕባለ ሃገርና ኣልሚሱ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማዕቀብ ብዘይዝኾነ ኩነት ክልዓል ንጠልብ" ኢሉ ምናንጋግዋ ንኣባላት ሰልፊ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃራረ ኣብዝገበሮ መደረ።

"ተነፅሎ ጽቡቕ ከምዘይኮነን ከምዘየዋጽእን፡ በንጻሩ ካብ ምሕዝነታዊ ምትሕግጋዝን ሓድሕዳዊ ሽርክነትን ብዙሕ ክንረብሕ ከምንኽእል ተረዲእና ኢና" ኢሉ ምናንጋግዋ።

ዕለት ምርጫ ፥"ካብቲ ትጽበይዎ መዓልቲ ንላዕሊ ቀረባ ኢዩ" ኢሉ ፕሬዚደንት ምናንጋግዋ።