እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደሃይ ኤርትራውያን ተፃወትቲ ኩዕሶ እግሪ ካብ ኦክስፎርድ ዓዲ ኢንግሊዝ
ንስደት፡ "ስደት ከቢድ እዩ!" ዝብል ሓረግ ጥራሕ'ዶ ይገልጾ ይኸውን? ዓቐን ክብደቱ፡ ምረቱ፡ ጽሮቱ፡ ዝፈተኖን ዝበጽሖን ጥራይ እዩ ዝፈልጦ።
ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥም ህይወት ዝፈታትን ላዕልን ታሕትን፡ ገልታዕታዕ፡ ስቓይን መከራን ተሰጊሩ፡ እፎይ ኣብ እትብለላ ሃገር ምስ በጻሕካ፡ ኩሉ ዝተወድአ ይመስል ይኸውን ግን ብድሕሪኡ እውን ካልእ መፈጠርካ ዘጽልእ ብደሆታት ኣሎ - ገሊኡ ብፍላይ ንጉዕዞ ሞት ስደት ኣረሲዑ ምፍጣርካ ዘጽልእ እዩ።
ሰባት ብጅምላ ብደሆታት ምሰተወጠሩ እዛ ዓለም ከመይ ድያ ኢሎም ዝጨናነቑሎም እዋናት ብዙሓት'ዮም - ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝተፈተነን ንኽንደኦም ኣሻሓት ዝፈተነን ጉዳይ ስለዝኾነ እሙን ተመኩሮ እዩ።
ገንዘብ፣ መግቢ፣ ክዳን፣ መጽለልን መንበሪ ፍቓድ እውን እንተተረኽበ፡ ኣብ ዘይትፈልጦ ምድረ ጓና፡ ዘይትፈልጦ ቋንቋ፡ ብቐሊሉ ዘይልመድ ኩነታት ኣየር፡ መቕርብ፡ ዘመድ፡ ዓርከ መሓዛ ኣብ ዘይብሉ ሃገር ምእታው ማለት ብፍላይ ንገሊኡ ኣብ ዘይትፈልጦ ቀላይ ኣቲኻ ከም ምሕንባስ ዓቕልኻ'ዩ ዘጽብበልካ።
ኣብዚ እዋን'ዚ መብዛሕትኦም ንውልቆም ዝስደዱ ዘለው ትሕትን ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ መንእሰያትን: ዝተጸበይዎን ዘጋጥሞምን ዘሎ ክውንነትን ሰማይን ምድርን ምስ ኮኖም፡ ግዳይ ጭንቀትን ጓህን ኮይኖም ኣብ ዘይድለ ወልፍን ልምድን ዝወድቁ ብዙሓት እዮም።
እቶም መንእሰያት እንታይ እዮም ዝብሉ?
"ኣብ መጀመርታ ኩሉ ጋን'ዩ ኮይኑኒ፡ እቲ ባህሊ፡ እቲ ክላይመት፡ እቲ ጽምዋ፡ እቲ ቋንቋ ኩሉ እዩ ዝሕርብተካ። ድሓን ክለምዶ እየ እኳ እንተበልኩ ግን ብምንታይ ቋንቋ፡ ዓባስ ኮይነስ ጠጠው። ድልየተይ ይኹን ሓሳባይ ክገልጽ እናደለኹ ተዓቢሰ ኣይከኣልኩን" ይብል ወዲ 20 ዓመት ዳንኤል ምሑር።
ዳንኤል፡ ከም ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ፡ ንውልቁ፡ ንኣስታት 6 ኣዋርሕ ምድረበዳ ሰሃራን ባሕሪ ሜዲተራንያንን ኮለል ኢሉ እዩ ንኦክስፎርድ ረጊጽዋ።
ብፍላይ ኣብቲ ፈለማ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን እዩ ኣጋጢምዎ። " ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ተርጓማይ ይግበረልካ እዩ፡ ግን ምስ ሰብ ክትላለን ክትሕወስን ግን በየናይ ቋንቋ? ስለዚ፡ ጽምዋ የጥቅዓኒ እሞ ኣብ መንገዲ ኮለል ብምባል እዘናጋዕ ብናፍቖት እቑዝምን ነይረ" ብምባል እቲ ጽምው ህይወቱ ይዝክር።
ዳሕራይ ግን፡ ረፊዩጂ ሪሶርስን ኣሳይለም ዌልካምን ዝበሃላ ንስደተኛታት እግሪ ዘትክላ ኣብ ከተማ ኦክስፎርድ ዝርከባ ትካላተ፡ ቋንቋ እንግሊዝ ብምሃብን ጉጅለታት ስነጥበብ ብምጥያሽን ብምስልጣንን ምስ መዛኖኦም ስለዘራኸቡዎ ህይወቱ ተመሓይሹ።
መንእሰይ ዑስማን ሲራጅ መሓመድ'ከ እንታይ ይብል?
ንሱ እውን ከም ዳንኤል ተመሳሳሊ ተመኩሮ እዩ ኣሕሊፉ ። በጻምእ ሰሃራን ባሕርን ተጓዒዙ ቀዝሕ ኤውሮጳ ተጻዊሩ ንዓዲ ኢንግሊዝ ኣትዩ።
" ጉዕዞ ሰሃራን ባሕርን ስቓይ እዩ። እናኽትዝክሮን እናኽትዛረበሉን እዩ ዘቖንዙ፡ ግን ኩሉ ሰጊርና ኣብዚ ምስ ኣተኹ እውን ከምዚ ሕጂ መሓዙት ኣጥርየ ከይተረጋጋእኩ፡ ኣብ መጀመርታስ ኩሉ እዩ ዝጽልምተካ፡ ሕጂ ግን ምስጋና ንኹሎም ዝደገፉኒ ጽቡቕ ኣለኹ" ይብል።
እዚ ስደተኛታት መንእሰያት ንምድጋፍ ኣብ ከተማ ኦክስፎርድ ብወለኝተኛታት ዝግበር ሓገዛት እምበኣር ኣብ ህይወት እቶም ሓደሽቲ ምጻእ ርኡይ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ልዕሊ ኩሉ ግን ተገዳስነቶምን ነቲ ኣገልግሎት ንኽጥቀምሉ ዘርኣዩዎ ቀሩብነትን እዩ ዝዓበየ።
እዚ ሕጂ ነታ ኣብ ኦክሰፎርድ ዝቖመት ጋንታ ኩዕሶ ዝመርሕ ዘሎ ዳንኤል፡ ክሳብ ምስተን ህይወቱ ዝቐየራን ብሩህ መጻኢ ዝኸፈታሉን ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝላለ፡ ብሰንኪ ጽምዋ ኣብ ጭንቅን ሰንፈላልን ከምዝነበረ ይሕብር።
ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ሂወት እምበኣር ሓንቲ ካብተን ብረፊዩጂ ሪሶርስ ዝተባህለት ገባሪት ሰናይ ትካል ዝተመስረተት ናይ መንሰያት መተኣኻከቢት ኮይና፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዓለም ንዝመጹኡ ልዕሊ ሓምሳ ስደተኛታት መንሰያት ጠርኒፋ ተሰልጥን።
"ሂወት ኢልና ዝሰመናያ ድማ ባና ብርሃን ከፊታ ተስፋ ስለዝሃበትና ብምዃና እያ" ይብል ዳንኤል።
እቶም ደቂ ጋንታ ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ እናተራኸቡ ኩዑሶ ይጻወቱ፡ ብዕለታዊ ህይወቶም ይዘራረቡ፡ ሓድሕድ ተሞክሮኦም ይለዋወጡ። ኣብ ዝተፈላለየ ግጥማት ብምስታፍ ከኣ ምስ ካልኦት ዜጋታት ይላለዩን ቋንቋኦም የማዕብሉን ።
ኣብዚ እዋን እዚ ዳንኤል ጎኒ ጎኒ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ትምህርቲ ንግዲ እናተማህረ ናብ ዩኒቨርስቲ ክኣቱ ይመጣጠር ኣሎ። ንመጻኢ ከኣ ኣብ ንግዲ ዓለም ክሳተፍ ይሕልን ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ትርፊ ግዚኡ ምስ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብወለንትኝነት ይሰርሕ፡ ኣብ ስነጥበብ እውን ግጥምን ሓጸርቲ ድራማታትን የበርክት።
መንእሰይ ዑስማን ሲራጅ መሓመድ እውን ሓደ ካብቶም ብጋንታ ኦክስፎርድ ኣብ ዝምራሕ ናይ ማህደረ-ትምህርቲ ዕድል ተዋሂቡዎ፣ ንላዕለዋይ ደረጃ ዘምርሖ ትምህርቲ ዝከታተል ዘሎ መንእሰይ እዩ።
ልዑል ፍቕሪ ኩዕሶ ስለዘለዎ ከኣ ምስ ካልኦት ዜግታት ተወሃሂዱ ስልጠና ኩዑሶ እግሪ ኣብ ምውሳድ ይርከብ። ንመጻኢ ኣብተን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ ጋንታታት ኩዑሶ እግሪ ተሰሊፉ ክጻወት ልዑል ትጽቢት ኣለዎ።
እቶም መንእሰያት፡ ንሕና ሰላምን ቅሳነትን እምበር እንጀራ ስለዝሰኣንና ኣይኮንናን ተሰዲድና" ስለዚ ነዚ ኣብዚ ዝረኸብናዮ ነጻነትን ዕድልን ብግቡእ ተጠቒምና፡ ብሩህ መጻኢ ክንጭብጥን ንኻልኦት ኣብነት ክንከውንን ይግብኣና እዮም ዝበሉ - ሓሳብ ልቦም የስምረሎም!