ኣዝማ ዘለዎም ሰባት፡ ብኣዝማ ከይጥቅዑ ሻርባ ክኽደኑ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Asthma uk
ብኣዝማ ዝሳቐዩ ሰባት፡ ኣብ እዋን ክረምቲ (ዛሕሊ) ከጋጥሞም ካብ ዝኽእል ጸገም ኣዝማ ንምክልኻል ኣፎምን ኣፍንጭኦምን ብሻርባ ክሽፍኑ ይተባባዕ።
ዛሕልን ጠልን ኣብ ዘለዎ ኣየር መስርሕ ምትንፋስ ጽዑቕ ስለዝኸውን፡ ካብ ኣርባዕተ ሰባት እቶም ሰለስተ ብኣዝማ ይጥቅዑ ይብል ገባሪ ሰናይ ኣዝማ ብሪጣኒያ።
እዚ፡ ኣብ እዋን ምስትንፋስ፡ ሰባት ከምዝስዕሉ ይገብር።
ጎስጓስ ሻርባ እቲ ገባሪ ሰናይ ከምዝብሎ " ሻርባ ህይወት ክድሓን ይኽእል'ዩ፡ ይኹን'ምበር ከም ፈውሲ ኣዝማ ከገልግል ይኽእል እዩ ማለት ግን ኣይኮነን"።
ኣብ ብሪጣኒያ ካብ ዘለዉ ብኣዝማ ዝተታሓዙ 4 ሚሊዮን ሰባት ኣብ እዋን ዝሑል ኣየር ምልክታት ኣዝማ የጋድደሎም።
ኢትሃን ጀኒንግስ ዝተባህለ ወዲ 4 ዓመት ነባሪ ላንቻሺር'ዩ። ብህጻንነቱ ምልክታት ኣዝማ ነይሩዎ። ወዲ ሓደ ዓመት እንከሎ፡ 17 ግዜ ናብ ሆስፒታል ተመላሊሱ።
ወላዲኡ ትሬቨር፡ ክረምቲ ንኢትሃንህ ሕማቅ ወቕቲ'ዩ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Asthma UK
"ዛሕሊ ክኸዉን እንከሎ ምልክታት እቲ ሕማም ይጎልሕ፡ እቲ ሕማም ይብእስ"።
ብፍላይ ሓደ እዋን ክረምቲ ኣዚዩ ከቢዱዎ ነይሩ፡ "ወድና ዳርጋ ስኢንናዮ ነይርና" ይብል ትሬቨር።
ኢትሃን ህይወቱ ከድሕነሉ ኣብ ዝኽእል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንሓደ ሰሙን ኣብ ሆስፒታል ጸኒሑ።
ካብኡ ኣትሒዙ፡ ጽቡቕ ለዉጢ ኣርእዩ ኣሎ፡ ስድርኡ ድማ ኣብ እዋን ክረምቲ ክጥንቀቑ ከምዘለዎም ፈሊጦም።
"ክስዕል ክሰምዖ ይጽበ ኣለኹ። ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ልቡ ስምዒት ዝፈጥር ምልክት ኣይረኣኹን። ንዕኡ ንምሕላዉ ክንገብሮ ዝግባእ ነገር እንተሃልዩ፡ ክንገብሮ ኢና"።
ኣየር ክመዉቕ ኣለዎ
ክሊኒካል ኣዝማ ብሪጣኒያ ዶክተር ኣንዲ ዊታሞር፡ ዛሕሊ ዘለዎ ኩነታት ኣየር ኣዝማ ንዘለዎም ሰባት የስግእ'ዩ ይብሉ።
"ኣብ ብሪጣኒያ ካበ ዛሕልን ቁርን ሪሒቕካ ክንበር ኣይከኣልን እዩ። እንተኾነ ኣዝማ ዘለዎም ሰባት፤ ኣብ ኣፍንጭኦምን ኣፎምን ብሻርባ እንተሸፊኖሞ ኣብ እዋን ምትንፋስ፡ ሙዉቕ ኣየር ክፈጥረሎም ይኽእል'ዩ። በዚ እቲ ስግኣት ኣዝማ ክንኪ ይኽእል።
"ኣዝማ ዘለዎ ኾነ ዘለዎም ሰባት ዝፈልጥ፡ ኹሉ፡ ህይወት ንምድሓን ሻርባ (ስካፍ) ክጥቀም ከምዘለዎ ኢና ንምዕድ"
ኣብ ብሪጣኒያ 5.4 ሚሊዮን ሰባት ኣዝማ ኣለዎም፡ እቶም ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ህጻናት'ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኣዝማ 1410 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም 14 ህጻናት ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







