እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቬንዙዌላ ሓድሽ ስማዊ ባጤራ ዕላዊ ገይራ
ፕረሲደንት ኒኮላስ ማዱሮ ናይ ቬንዙዌላ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምፍኳስ ሓድሽ ስማዊ ባጤራ ዕላዊ ገይሩ። እቲ ሓድሽ ባጤራ ብጸጋታት ነዳዲ፣ ጋዝ፣ ወርቅን ኣልማዝን ከምዝሕገዝ ድማ ገሊጹ።
ተቓውምቲ ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ግን ነቲ ውጥን ኣባጭዮምሉ።
ቁጠባ ቬንዙዌላ ብሰንኪ ዋጋ ነዳዲ ምውራድን ዋጋ ናይቲ ቦሊቫር ዝተሰምየ ባጤራኣ ባይታ ብምዝባጡን ተሃስዩ'ሎ።
ፕረሲደንት ማዱሮ ኣሜሪካ ኣብታ ሃገር ንዘንበረቶ "ክርዳነ" ዝበሎ ማዕቀብ ክቃወም ጸኒሑ'ሎ። እቲ ሓዲሽ ምስጢራዊ ባጤራ ነታ ሃገር "ባጤራዊ ሉኣላውነት ክህልዋ፣ ፊናንሳዊ ውዕላት ክትገብርን ኣጋጢምዋ ንዘሎ ፊናንሳዊ ክርዳነ ንኽትሰግርን ክሕግዛ'ዩ" ኢሉ ንሱ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ናይ ቴለቪዝን መግለጺ። "መበል 21 ክፍለ-ዘመን መጺኡ'ሎ" ድሕሪ ምባሉ ድማ ደገፍቱ ብጣቕዒት ሓጎሶም ገሊጾምሉ። እንተኾነ እቲ ሓድሽ ባጤራ መዓስን ብኸመይን ከምዝትግበር ዝርዝር ኣይሃበን።
እቲ ስጉምቲ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዓለም-ለኻዊ ተገዳስነት ኣብቲ ቢትኮን ተባሂሉ ዝፍለጥ ምስጢራዊ ባጤራ፡ ስዒቡ'ዩ ተወሲዱ።
ዋላኳ'ቲ ዲጂታላዊ ባጤራ ቢትኮን ዘይርጉእ ጠባያት እንተርኣየ፡ ሓደ ተቖጻጻሪ ትካል ናይ ኣሜሪካ ንኽልተ ባህላውያን ቀየርቲ ባጤራ ባጤራዊ ውዕላት ብቢትኮን ክፍጽማ ከፍቅደለን ምዃኑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ቬንዙዌላ ኣስታት 140 ቢሊዮን ዶላር ብወጻእተኛታት ኣለቃሕቲ ትእወድ፡ ፕረሲደንት ማዱሮ ድማ ነቲ ዕዳ ናይታ ሃገር ንምምዕርራይ ነቶም ኣለቃሕቲ ብፔትሮ ክኸፍሎም ይፍትን ከምዘሎ ፈላጣት ቁጠባ ይዛረቡ።
ተቓወምቲ ኣባላት ፓርላም'ታ ሃገር ግን እቲ ሓድሽ ናይ ባጤራ ውጥን ደገፍ ናይ ኮንግረስ (ፓርላማ) ከምዘድልዮ ገሊጾም፡ ገሊኦም ድማ ብትግባርኡ ይጠራጠሩ።
"(እቲ ውጥን) ማዱሮ ምስሓቕ ምዃኑ'ዩ ዘርእየካ። ዝእመን ኣይኮነን" ኢሉ ኣባል ፓርላማ ተቓዋሚ ሰልፍን ናይ ቁጠባ ምሁርን ኣንጀል ኣልቫራዶ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ቬንዙዌላ ቁጠባኣ ኣብ ነዳዲ'ዩ ተመርኲሱ ጸኒሑ፡ እንተኾነ ግን ምውራድ ዋጋ ነዳዲ ነታ ሃገር ኣብ ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ሰሚምዋ ይርከብ።
ጨቋኒ ፖሊሲታት ናይቲ መንግስቲ ብምጥቃስ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ድማ ኣብታ ሃገር ማዕቀብ ኣንቢሮም።
ሩሲያ ንቬንዙዌላ ንእትእውዳ 3.15 ቢሊዮን ዶላር ንምምዕርራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተሰማሚዓ። እቲ ስምምዕ፡ ቬዙዌላ ኣብ ዝመጹ ሽድሽተ ዓመታት "ውሑድ" ኣከፋፍላ ንኽትገብር የፍቅደላ።