መላእ ምንቅስቓሳት ሃገር ደው ዘብል ዘገርም መርመራ ኮለጅ ኮርያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ብቕዓት መምዘኒ መርመራ ብ16 ሕዳር ኢዩ ክካየድ ተመዲቡ ነይሩ። እንተኾነ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እቲ ሃገር ኣብ ከተማ ፖሃንግ ዘጋጠመ 5.4 መጠን ዘለዎ ምንቅጥቃጥ (ራዕደ-መሬት)፡ እቲ መርመራ ብሓደ ሰሙን ተናዊሑ። ንመጀመርታ እዋን ድማ እቲ ናይ መርመራ መዓልቲ ብሰንኪ ባህሪያዊ ሓደጋ ተቐይሩ።
ምኒስትሪ ትምህርቲ ድማ ድሕነት ተመሃሮ ንምውሓስን መርመራ ዝካየደሉ ሃዋሁው ምቹእ ንምግባርን ኢዩ ነቲ ውሳነ ዝውሰደ።
ዋላ'ውን ብዘይ'ቲ ራዕደ-መሬት፡ እቲ መንግስቲ ነቲ መርመራ ብስሉጥ መንገዲ ንምክያድ ዘካይዶ ጻዕሪ ኣዝዩ ዓቢ ኢዩ።
ምኒስትሪ ትምህርቲ ጥራይ ኣይኮነን ነቲ መርመራ ብስሉጥ ንምክያድ ዝነጥፍ። ናይ ካልኦት መንግስታዊ ትካላት - ምኒስትሪ መሬትን መጓዝያን ምኒስትሪ ፍትሕን ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ድሕነትን'ውን ምትሕብባር'ውን ኣለዎ። እቲ ናይ ግሊ ጽላት'ውን - ናይ ኮርያ ዕዳጋ ኣክስዮንን ናይ ኮርያ ናይ ባንክ ፌደሬሽን'ውን ምትሕብባር ኣለዎ።
ስለምታይ እያ እቲ ሃገር ሓንቲ መርመራ ንምክያድ እዚ ኹሉ ጻዕርታት ዘካይድ?
እዚ መርመራ ብዓለም ደረጃ ፍሉጥን ልዑል መለክዒ ዘለዎን መርመራ ኢዩ። ነዚ መርመራ ዝወሰዱ ተመሃሮ ድማ ኣብ ናይ ኮርያ ኮለጃት [ዩኒቨርሲታት] ክምሃሩን ዝሓሸ ናይ ስራሕ ዕድላት ይህብን "መጻኢ ህይወትካ ዝውስን መርመራ ኢዩ"።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣገዳስነት እቲ መርመራ እቲ ባህላዊ ስሩዕነቱ ኣይኮነን ነቶም ተመሃሮ ዝያድ ቅሩባት ንኽኾኑ ዝገብሮም። ብ23 ሕዳር፡ 59,000 ተመሃሮ ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ዝርከባ 1180 ናይ መርመራ ንቑጣታት ነቲ መርመራ ክወስዱ ኢዮም። ነዚ መርመራ ንምውሳድ ድማ ብቑዕ ምድላዋት ይጠልብ።
ነፈርቲ ከይበራ ይእገዳ
ሓደ ካብቲ ነዚ መርመራ ንምክያድ ካብ ዝውሰዱ ልዑል ስጉምታት፡ ብጀካ ንህጹጽ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ነፈርቲ ከይንቀሳቐሳ ይእግድ። እቲ እገዳ ን35 ደቓይቕ ጥራይ ክኸውን ከሎ እዚ ድማ ናይ እንግሊዝ ናይ ምስማዕ መርመራ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ኢዩ።
መርመርቲ ኣብ ስቱር ቦታ
ነፍሲ ወከፍ ዓመት እዚ መርመራ ኣብዝካየደሉ እዋን፡ ኣማኢት ነቲ መርመራ ዘዳለው መማህራን ስጋብ እቲ መርመራ ዝውዳእ ኣብ ስቱር ቦታ ይቕመጡን ኩሉ ናይ መራኸቢ መስመራቶምን ይዕጾ። እዚ ስጉምቲ ዝውሰድ ድማ መታን ትሕዝቶ ናይቲ መርመራ ከየምልቑ ኢዩ።
እዞም ኣስታት 700 ዝኾኑ ኣባላት እቲ ትካል፡ ኣብቲ ስቱር ቦታ ምስ ኣተው፡ ኣብ ህጹጽ ኩነታት፡ ከም ሞት ናይ መቕርብ እንተዘይኮይኑ ካብቲ ስቱር ቦታ ክወጽኡ ጨሪሱ ኣይፍቀደሎምን።
እዞም ናይ ሎሚ ዓመት ኣባላት ካብ 13 ጥቅምቲ ጀሚሮም ኢዮም ኣብቲ ስቱር ቦታ ኣትዮም። ብ16 ሕዳር ክወጽኡ ነይርዎም፡ እንተኾነ በቲ ኩነታት እቲ ካብቲ ስቱር ቦታ ዝወጽእሉ መዓልቲ ተነዊሑ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







