ኣብ ህንዲ፡ መማህርቶም ድሕሪ ምሟታ ንዝመሃሩሉ ዩኒቨርሲቲ ብሓዊ ኣባሪዖም

ንህንዲ ቺናይ ዘርእይ ካርታ

ኣብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ሳቲያብሃማ፡ ሓንቲ ፈተና ክትቐድሕ ዝተረኸበት ተምሃሪት ዓርሰ-ቅትለት ብምፍፃማ፡ ኣድማ ተወሊዑ።

ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ትማሊ ረቡዕ ምሸት፡ ንመናብር እቲ ዝመሃሩሉ ዩኒቨርሲቲ ብሓዊ ከናኽሱ ጀሚሮም።

እቶም ኣድማ ዘካይዱ ዘለው ተምሃሮ ከምዝበልዎ፡ መምህራን እቲ ዩኒቨርሲቲ ስነ-ልቦንኣ ብዝሃሲ ኩነታት ኣናሽዮማ እዮም።

ኣብ እዋን ፈተና ክትቐድሕ ስለዝተረኸበት ካብ መፈተኒ ክፍሊ ዝተሰጎጎት ጓል 18 ዓመት ተማሃሪት፡ ንገዛእ ነብሳ ብገመድ ሰቒላ ህይወታ ኣጥፊኣ።

'ዘ ታይምስ ኦቭ ኢንድያን' ንኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፀሪሑ ከምዝፀብፀቦ፡ ኣስከሬና ብሓዋ (ፍላይ ማንትኣ)ን መሓዙታን'ዩ ተረኺቡ።

እቲ ዜና ምስተሰምዐ ተምሃሮ ኣድማ ከካይዱ ተኣኻኺቦም። ኣብ ትዊትር ዝተዘርግሑ ስእልታትን ቪድዮታትን ድማ፡ ፍርናሻት፡ ዓራት፡ ወንበርን ዝኣመሳሰሉን ብሓዊ እናተቓጸለ የርእዩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ንማዕኸን ዜና እታ ሃገር ቃሉ ዝሃበ ሓደ ተማሃራይ "ናይ ቀዳማይ ዓመት ተምሃሮ መደቀስን ኣእዋምን ኣቃፂሎም። ዝዓነወ ህንፃ ዘሎ ግን ኣይመስለንን። ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ኣብ መእተዊ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣለው" ኢሉ።

ፖሊስ ነቲ ዓመፅ ናብ ሓሙስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒልዎ።