እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ሕዳር ሲታጠን'፡ ጎሓፍ ምእላይ'ዶስ ኣየር ምብካል?
እዚ ልምዲ ቅድሚ ሓደ ክፍለ ዘመን ከምዝተጀመረ መረዳእታት ይሕብሩ።
ንምዃኑ ብኸመይ እዩ ተጀሚሩ?
ብ1911 ዓ/ም ብዓለም ለኸ ደረጃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣውሮፓ፥ ብምሊዮን ዝቑፀሩ ሂወት ሕልፈት ምኽንያት ዝኾነ ብልምዲ 'ስፓኒሽ ፍሉ' ብዝብል ዝፍለጥ ዓይነት ሰደድ ሕማም ሰዓል (ኢንፍሉዌንዛ) ተኸሲቱ ነይሩ።
እዚ ሕማም ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ብተመሳሳሊ ንብዙሓት ሕልፈት ሂወት ምኽንያት ዝኾነ እንትኸውን፥ ዝተፈላለየ ኣስማት ድማ ወፂኡዎ ነይሩ።
ኣብ አዲስ አበባ ዩኒቨርስቲ ምሁር ታሪኽ ኣይተ አበባው አያሌው፥ ኣመፃፅኣ እቲ ሕማም ኣመልኪቶም፥ እቲ ወቕቲ ህንፀት መንገዲ ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ዝተጀመረሉ ብምዃኑ፥ እቲ ባቡር ሒዙዎ ዝኣተወ ሕማም ተባሂሉ ይእመን ነይሩ።
ብምዃኑ ድማ "ሕማም ባቡር" ዝብል ስም ተዋሂቡዎ ከምዝነበረ እቶም ምሁር ይዛረቡ።
ከምኡ'ውን እቲ ሕማም ዝተኸሰተሉ ወርሒ ሕዳር ስለዝነበረ፥ "ሕማም ሕዳር" ብዝብል ስም 'ውን ይፅዋዕ ከምዝነበረ ይዛረቡ።
በቲ ሕማም ኣብ ወርሒ ሕዳር ዕለት 12 1911 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣባባ ጥራሕ ካብ 6 ሺሕ ህዝቢ ንላዕሊ ከምዝሃለቐ መረዳእታታት ይሕብሩ።
እዚ ስዒቡ ድማ ብመሰረት ምኽሪ ጀርመናዊያን ሓካይም፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ገዝኡ ዘሎ ጎሓፍ ካብ ገዝኡ ኣውፂኡ ከቃፅል ከምዘለዎ ብኣዋጅ ከምዝተነግረ ኣይተ አበባው ይዛረቡ።
"እዚ ዘሪኤካ መንቀሊ እቲ ሕማም ርስሓት ምዃኑ ስለዝተኣመነሉ እዩ። ብተወሳኺ ድማ እቲ ሕማም ብኣየር እዩ ዝተሓላለፍ ተባሂሉ ስለዝተሓሰበ፥ እቲ ኣየር ከም ምዕጣን ተገይሩ'ውን ይቑፀር" ኢሎም።
ድሕሪ ጊዜ፥ እቲ ሕማም ዝጠፍአ እቲ ኣየር ስለዝተዓጠነ እዩ ዝብል እምነት ስለዝነበረ በብዓመቱ ጎሓፍን ጎድፍን ምቅፃል ስዒቡ ድማ 'ህዳር ሲታጠን' (ኣምሓርኛ) ዝብል አፀዋውዓ ክምዝረኸበ የብርሁ።
ጎሓፍ ምቅፃል፥ ንከባብያዊ ፅሬት ፅቡቕ ምዃኑ 'ኳ እንተተኣመነሉ ኣብ ትሕዝቶ ኣየር ኣሉታዊ ፅልዋ ስለዘለዎ፥ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ከምዘመዝን ኣብቲ ዓውዲ ዝሳተፉ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
እቶም ዝቃፀሉ ነገራት ብፍላይ ላስቲክን፥ ናይ መኪና ባትሪን ሃይድሮፍሎሮ ካርቦን፥ ሜቴንን ካርበንዳይሞኖክሳይድን ዝተብሃሉ መርዛም ንጥረ -ነገር ጋዛት ስለዝሓዙ ንኣየር ብኽለት ዘበርክትዎ ግደ ልዑል ምዃኑ እቶም ሰብ ሞያታት ይዛረቡ።
ኣብ ናይ ዓለም ኣግሮ ፎረስተሪ (ማእኸል ዱር ሕርሻ) ተመራማሪ ዝኾኑ ለሊሳ ዱጉማ ብወገኖም፥ መጠን እቲ ዝቃፀል ጎሓፍን እቲ ዝቃፀለሉ ከባብን ወሳኒ እዩ ይብሉ።
"ኣብ ገጠር ከባቢ እንተኾይኑ እቲ ዝቃፀል መብዛሕትኡ ውፅኢት ተፈጥሮ ስለ ዝኾነ ፀገም የብሉን። ኣብ ከተማ ከባቢ ግን ብኬሚካል ዝተመልኡ ንጥረ ነገራት ስለዘለዉዎ ኣብ ተፈጥሮ ኣየር ዓብይ ፀገም እዩ ዘብፅሕ" ይብሉ ደ/ር ለሊሳ።