እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሞሮኮ፡ ኣብ ረድኤት መግቢ ብዝተፈጠረ ጽቕጥቅጥ 15 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ሞሮኮ መግቢ ክዕድል እንከሎ ብዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ 15 ሰባት ሞይቶም፣ ብዙሓት ድማ ቆሲሎም።
እቲ ጽቕጥቅጥ ኣብ ወረዳ ኢሳዉራ ከተማ ስዲ ቦዉላላም እዩ ተኸሲቱ። እቲ ብሓገዝ ዝዕደል ዝነበረ መግቢ እውን ኣብቲ ዓዲ ብዝንቀሳቐስ ሓደ ውልቀ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ ተወሂቡ።
ካብቲ ከባቢ ዝተረኸቡ ጸብጻባት ከምዝሓበርዎ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ኣስታት 40 ሰባት መቑሰልቲ በጺሕዎም ኣሎ። መብዛሕትኦም ግዳያት እቲ ሓደጋ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ከምዝኾኑ ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ሓቢረን።
ሬሳ ጓል ኣነስተይቲ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኣብ መሬት ወዲቑ እንከሎ ብመራኸብታት ሚድያ ተፈንዩ።
መሰኻኽር ዓይኒ፡ ልዕሊ 8 ሽሕ ዝብላዕን ዝስተን ዘይብሎም ዜጋታት ሞሮኮ ኣብ ዝነብሩላ ከተማ ስዲ ቦዉላላም፡ ዋላ እኳ በብዓመቱ ዝወሃቡ ብሓገዝ ዝወሃቡ መግብታታት እንተለዉ ከም ናይ ሎምዘበን ዝኣመሰለ ጽቕጥቅጥ ዝበዝሖ ዕደላ መግቢ ኣጋጢምዎም ከምዘይፈልጥ ንመራኸብቲ ብዙሃን እቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት መግቢ ረድኤት ንምርካብ መስርዕ ሰይሮም ይሓልፉን ይዳፍኡን ምንባሮም'ውን ካሊእ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ምስክር ዓይኒ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ።
መቑሰልቲ ዘጋጠሞም ግዳያት እቲ ሓደጋ ድማ ናብ ማእኸላት ሕክምና ማራካሽ ተላኢኾም።
ሚኒስትሪ ሃገራዊ ድሕነት ሞሮኮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንጉስ መሓመድ ሻድሻይ፡ ኣመራርሓ እቲ ከባቢ፡ ንግዳያት እቲ ሓደጋ ቅልጡፍ ሓገዝ ክገብርሎም መመርሒ ከምዝሃቡን ሙሉእ ወጻኢታት ስርዓተ ቀብርን ሕክምናን ከምዝገብሩን ኣፍሊጡ።
መግቢ ረድኤት ዝጽበዩ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ነዊሕ መስርዕ ተጸቓቒጦም ዘርኢ ዘይተረጋገጸ ቀረጻ ቪድዮ'ውን ተረኺቡ።
ምኽንያት ሓደጋ ጽቕጥቅጥ መግቢ ረድኤት ሞሮኮ ግን ንጹር ሓበሬታ ኣይተረኸበን።