ደሃይ 9፡ "ብናብራይ ሕጉስ እኳ እንተኾንኩ፡ ንቑርሲ ቋንጣ ፍርፍር እናፍቕ"

ሳሙኤል ኣርኣያ እበሃል፡ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኤስያ ኣብ ትርከብ ሃገረ ሲንጋፖር እየ ዝነብር።

ካብ ኢትዮጵያ ካብ ዝወፅእ ብዙሕ ዓመታት ገይረ። ናብዚ ሃገር ቅድሚ ምምፀአይ ኣብ ፈረንሳይ ብስራሕን ብትምህርትን ንዓሰርተ ዓመታት ነቢረ።

'ሳይፔም' ኣብ ዝበሃል ትካል ዕድል ስራሕ ስለዝረኸብኩ ናብ ሲንጋፖር ክመፅእ ክኢለ። ኣብዚ ትካል ኤፍፒኤስኦ ካዎምቦ "FPSO KAOMBO" ምስ ዝተብሃለ ፕሮጀክት፡ ኢንጅነር ጽገና ኮይነ የገልግል።

ካብ ባሕሪ ነዳዲ ኣውፂአን፡ ንዝምለሳ መራኽብ፡ መለዋወጢ ኣቑሑት ብምቕያር፣ ዘድልየን ተወሳኺ መሳርሒታት ብምውሳኽን ብምቁፅፃርን እቲ ስራሕ ተተሓሒዘዮ ኣለኹ።

ሲንጋፖር ብጣዕሚ ተፈታዊት ከተማ እያ። ካብ ዝመፅእ ጀሚሩ ዝያዳ ዘስደመመኒ ነገር፡ እንተልዩ፡ ዘለዎም ሰነ-ስርዓት፣ ንሕጊ ዘለዎም ክብሪን ፅርየትን እዩ። ኩሉ ነገር ስርዓት ዝሓለወን፡ ንኹሉ ሰብ ተበፃሕነት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዳለዉ፡ ዝተማልኡ ንህዝቢ ዘገልግሉ ቀረባት ምህላዎም ኣዚዩ ዘገርመኒ ነገር እዩ።

ክሳብ ሕዚ ዋላ እኳ ናይ ኢትዮጵያ ምግቢ እንተደለኹ ክረክብ ኣይኸኣልኩን። ቃሕታይ ንከዕግስ ክበልዕ እንተደለኹ እውን፡ ኣብ ቀረባ ይርከብ እዩ ዝበሃል ቤት-ብልዒ ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 2000 ኪሎ ሜትር ርሒቕካ ኣብ ታይላንድ ኣብ ትርከብ ከተማ ባንኮክ እዩ ዝረከብ።

ስለዝኾነ 'ዲም ሱም' እበልዕ። 'ዲም ሱም' ብሃፋ ዝበስል ምግቢ እንትኸውን፡ ኣብ ዓዲ ንዝሽየጥ ሳምቡሳ ይመስል። ኣነ እውን 'ዲም ሱም' ብጣዕሚ እየ ዝፈቱ።

ንዓሰርተ ዓመታት ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ስለዝነበርኩ፡ ካብ ዓዲ እንታይ ከምዝናፍቕ ይሕተት እየ። መልሲ ንምሃብ ግና ኣዝዩ ዝኸብደኒ፤ ዝናፍቖ ነገር እንተተዛሪበ፡ ስድራኻ ረሲዕኻ ድዩ ተባሂለ ክውቀስ እየ።

ይኹን እምበር ኩሉ ግዜ እንትሓስብ፡ ኣውደ ኣመት እዩ ኣብ ሓሳበይ ዝቕጀል። ንጉሆ ተላዒልካ ናብ ቤተ-ክርስትያን ገስጊስካ ምኻድ፣ ምስ ጎረቤት ቁርሲ ምብላዕ፣ ምሸት ሽግ ምብራህ፣ ድማ ጨንኡ፣ ናይ ኣውደ ኣመት ወኻዕኻዕን ደፋእፋእን እናፍቖም።

ንኽበጽሕ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኸይድ ቁሩብ ፀኒሐ እየ። ይኹን እምበር ዝዝክሮም ናብ ሓንጎለይ ዝመላለሱ ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣብ ብሄራዊ ቲያትር ዘሎ ኣንበሳ፣ ኣብ ጎደናታት ቸርችልን ለገሃርን ዘሎ ኩሉ ነገር ይዝከረኒ።

ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮይ ድማ፡ ኣብ ፈረንሳይ ዘሕለፍክዎ ግዜ እዩ። ኣብ ሞንጎ ፈረንሳይን ሲንጋፖርን ብዙሕ ፍልልይ ኣይረኣየንን።

ከም ከተማ ሲንጋፖር ብህንፃታት ዝተመልአት ከተማ ዘላ ኣይመስለንን። ኣነ ዝነብረሉ ህንፃ እውን ዙርይኡ ብብዙሓት ህንፃታት ዝተኸበበ እኳ እንተኾነ፡ ደስ ዝብል ስምዒት ኣለዎ። ካብ መረባ ሳሎነይ ናብ ደገ እንትምልከት፡ ደስ ዝብል ስምዒት ኣብ ውሽጠይ ይፍጠር።

ሲንጋፖር ትጨንቕን ትጭቁንን ከተማ ኣይኮነትን። ስርዓት እታ ሃገር ክሳብ ዝተኸበረ፡ ብጣዕሚ ግልፅን ንነፃነት ተተባብዕ ከተማ ኮይና እያ ረኺበያ።

ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዝመፁ ብዙሓት ዜጋታት ወፃኢ ተተኣናግድ ከተማ ምዃና ክኸውን ይኽእል፡ ከምዚ ናይ ግልፅነት ከተማ ክትኸውን ዘኽአላ።

ብዘይምቁራፅ ዘስደምመኒ ግና ዘሎ ስርዓት እዩ። ኣብ መሬት ሲንጋፖር ሓንቲ ጓሓፍ ኣይትድርበይን።

ኣብ መጓዓዝያ ህዝቢ፡ ምግቢ ኮነ መስተ ምጥቃም ክልኩል እዩ። ዝያዳ ዘደንቕ ድማ ኣብ መንገዲ ምሕያኽ ዝተኸልከለ ምዃኑ እዩ። ብጣዕሚ ፅርይቲ ሃገር ምዃና ኩሉ ግዜ እዩ ዝገርመኒ።

ነበርቲ ሲንጋፖር፡ ብጣዕሚ ሕጊ መኽበርቲ፣ ቅኑዓትን ጭዋታትን እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ስለባዕሎም እምበር ስለ ህይወት ካልእ ሰብ ህይወት ትኹረት ኣይህቡን።

ብናብራይ ሕጉስ እኳ እንተኾንኩ፡ መዓልታዊ ንቁርሲ ቋንጣ ፍርፍር ከምዝጎደለኒ እዩ ዝስመዓኒ። ብዝኾነ ሰብ ካብ ዝተወለደሉ ሃገር ናብ ካልእ ከባቢ እንትጓዓዝ፡ ብዙሓት ነገራት ክኸብዱዎ ይኽእሉ።

ኣነ ግና ዕድለኛ እየ፡ ኣብ ፈረንሳይን ሲንጋፖርን ንበይነይ ኮይነ ኣይፈልጥን። ይኹን እምበር ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር እንትትኸድ ፍርሕን ስግኣትን ይህሉ እዩ።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ካብ ኢትዯጵያ እንትመፅእ ቁልዕነት ስለዝነበረኒ፡ ብዙሕ ኣይተጨነቕኹን ነይረ።

ሕዚ ከኣ ተምሃሪ እውን ስለዘይኮንኩ፡ ዝውስኖም ውሳነታት፡ ከስዕቡለይ ዝኽእሉ ነገራት እንትሓስብ ቁሩብ ይጭነቕ።

ፈለማ ናብ ሲንጋፖር እንትመፅእ፡ ዝፈልጦ ሰብ ስለዝነበረኒ ኣይተፀገምኩን ነይረ። መሳርሕተይ ምሳይ ስለዝነበሩ ሓድሽ ሃገር ንምልማድ ኣየፈራሕኩን ነይረ።

ዝኾነ ኮይኑ፡ ሲንጋፖር ምዕቡላት ካብ ዝበሃላ ሃገራት ሓንቲ ስለ ዝኾነት፡ ንሓድሽ ሰብ እውን ኩሉ ነገር ዝተመቻቸወ ብምዃኑ፡ ዱር ከም ምእታው ኣይኮነን።

ካብኡ ድማ ብስረሐይን ብትምህርተይን ኣብ ደሓን ብርኪ እየ ዝርከብ ኢለ ስለዝሓስብ፡ ፀጊሙኒ እዩ ምባል ኣይክእልን። ገንዘብ እንተሃልዩ ሲንጋፖር ንብዙሕ ዕድል ክፍቲ ዝኾነት ሃገር እያ።

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ኢትዮጵያ እንተዝኸውን ኢለ እንትሓስብ፡ ኣብ ኤርታዕለ ምስ መሓዙተይ ኮይና ዘኽበርናዮ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ይቕጀለኒ።

ሕዚ እውን ንባዕለይ ኣብቲ ቦታ እንተዝረኽቦ ሓጎሰይ ወሰን ኣይህልዎን። ከም ኤርታዕለ ዝበለ ቦታ ርእየ ኣይፈልጥን። ከምዚ ዓይነት ቦታ ደጊመ ዝርእይ ኣይመስለንን።

ንክርስቲን ዮውሃንስ ከምዘውግዓ።