እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቀይሕ ሽብር ገበን ዝፈጸመ ኣባል ስርዓት ደርግ ነበር ኣለሙ እሽቱ ንሕልፈት ተፈሪዱ
ቤት ፍርዲ ኔዘርላንድስ ብገበን ኲናት ንዝተኸሰሰ ኢትዮጵያዊ ንሕልፈት ፈሪዱዎ።
ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘለዎ እሸቱ ኣለሙ ዝተባህለ ዉልቀ ሰብ፡ ኣብ 1970ታት ኣብ ዝተፈጸም ተግባር ቀይሕ ራዕዲ ስርዓት ደርጊ፡ 75 ሰባት ብምቕታል ተኸሲሱ ንሕልፈት ተፈሪዱ።
እዞም ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ በዓል ስልጣን ዝነበሩ እሸቱ ኣለሙ ዝተባህሉ ክሱስ፡ ኣብ መወዳእታ 70ታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ "ብቐይሕ ራዕዲ" ዝፍለጥ ብዙሓት ሰባት ዘህለቐ ሽብር፡ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን 75 ሰባት ንክቕተሉ ኣዚዝኩም ብዝብል እዮም ተኸሲሶም።
ወዲ 63 ዓመት እሸቱ፡ ናይቲ ሕጂ ኣብ ስደት ዝርከብ ምልካዊ መራሒ መንግስቱ ሃይለማርያም ንእሱራት ኣጽኒዑ ብምእሳር ኣብ ሃዋሁው ኣንጠልጢሉ፡ ኣብ ከብዲ እገሮም ብበትሪ ብምግራፍ፡ ኢሰብኣዊ ተግባራት ብምፍጽም እዩ ተኸሲሱ።
ኣብ 1974 ንንጉስ ሃይለስላሰ ዓልዩ ስልጣን ዝሓዘ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ክሳብ ኣብ 1991 ብሓይልታት ተቓውሞ ካብ ስልጣን ተዓልዩ ንዚምባብወ ሃዲሙ ዝወጽእ ንኢትዮጵያ ካብ 1997 ኣትሒዙ ብጽኑዕ ምልካዊ ክመርሓ ጸኒሑ።
ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ኣብ ናይ ዳች ኣብያተ ፍርዲ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም።