ራቓ፡ ሓይልታት ኪዳን ኣመሪካ ንከተማ ራቓ ደምሲሳታ ትብል

ምንጪ ስእሊ, BULENT KILIC
ብኣመሪካ ዝምራሕ ሓይልታት ኪዳን ኣንጻር እቲ እስላማዊ መንግስቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓይሊ ኣብ ዝተኻየደ ኩናት ንሶርያዊት ከተማ ራቓ ካብ ገጽ ምድሪ ብምድምሳሳ ወቒሱ።
ደሞክራሲዊ ሓይልታት ሶርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት እዮም ነታ ዝዓበየት ናይ ነዳዲ ከተማ ከምዝተቖጻጸሩዋ ሓቢሮም።
ሞስኮ፡ ንህሉው ስእልታት ከተማ ራቓ፡ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ብሓይልታት ኪዳን ምስ ዝዓነወት ጀርመናዊት ከተማ ድረድሰን ብምንጽጻር ትገልጾ። እቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ሓይልታት ኪዳን ግን ብዝከኣሎ ሲቪላዊ ዕንወት ንምንካይ ከምዝፈተን ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ራሻ ንባዕላ፡ ኣብ ኣሌፖ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ፡ ናይ ኩናት ገበን ፈጺማ ተባሂላ ክትውቀስ ጸኒሓ እያ። ኣጻረይቲ ገበናት ኩናት ሕቡራት ሃገራት እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ከተማ ራቓ፡ "ዘሰምብድ ህልቂት ሲቪላዊ ህይወት" ክብሉ ገሊጾም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሶርያውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ንደሞክራሲዊ ሓይልታት ሶርያ፡ሕብረት ሚሊሻታት ኩርዲሽን ዓረብን ንምድጋፍ ዝተኻየደ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ናይ ኣየር ደብዳብ ካብ1,130 ክሳብ 1,873 ዝኾኑ ሲቪል ከምእተቐትሉ ይገልጹ። ምኒስተር ምክልኻል ራሻ እቲ ዕንወት ንድምሳሰ ከተማ ድረስደን እዩ ዘዘኻኽር ኢሎም።
ሜጀር ጀነራል ኢጎር ኮናሾንኮቭ " ራቓ፡" ዕጫ እታ ኣብ 1945 ብሓይልታት ኣሜሪካ ዝተደምሰሰት ከተማ ድረስደን በጺሑዋ ኢሎም።ብተወሳኺ፡ ሕጂ ሓይልታት ምዕራብ ንራቓ ፋይናንሲያዊ ሓገዛት ክገብራ ዝቀዳደማ ዘለዋ ነቲ ዝፈጸመኦ ጭቡጥ ዕንወት ንምሽፋን እዩ ኢሉ።
እቲ ኣንጻር ኣይሲስ ዝዋጋእ ዘሎ ብሓይልታት ኣየር ራሻን ሚሊሻ ኢራንን ዝድገፍ ሓይሊ ናብታ ዝዓበየትን ዝሓየለትን ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃ ደይር ኣል-ዞር እትርከብ ኣውራጃ እዩ ዝግስግስ ዘሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







