እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ሶሪያ፡ ብኣሜሪካ ዝድገፉ ዕጡቓት ሶርያ ንራቓ ከምዝተቖፃፀሩ ሓቢሮም
ኣብ ሶርያ ዝርከብ፡ ብኣሜሪካ ዝድገፉ ዕጡቓት ሶርያ፡ መዋፈሪት ኣይኤስ ንዝነበረት ራቓ ከምዝተቖፃፀሩን፡ ውሑዳት ዕጡቓት ኣይኤስ ጥራሕ ከምዝተረፉን ኣፍሊጦም።
ዕጡቓት ኩርድን ዓረብን ዘጣመረ ሓይልታት ዲሞክራሲ ሶርያ፡ ኣይኤስ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ቅፅዓት ዘካይደሉ ንዝነበረ ኣደባባይ 'ኣል-ናይ' እውን ከምዝተቖፃፀራ ገሊፁ።
እታ ከተማ ምሉእ ብምሉኡ ኣብ ቁጽጽሮም ምእታዋ ዝሕብር ዜና ይፅበዩ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ልዕሊ 3 ሽሕ ዝኾኑ ንፁሃት ሶርያውን፡ ካብ ኣይኤስ ሓራ ወፅዮም እዮም።
ከተማ ራቓ፡ ኣይኤስ ካብ 2014 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ጀሚሩ ካብ ዝተቖፃፀረን ዓበይቲ ከተማታት ሓንቲ ነይራ።
ሕዚ ግና ኣብ ስታዲዮምን ሆስፒታልን እታ ከተማ ኣስታት 50 ዕጡቓት ኣይኤስ ጥራሕ ከምዝተረፉ ይግለጽ ኣሎ ።
ናብ ራቓ ክኣቱ ዕድል ዘጋጠሞ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ከተማ ራቓ፡ ድሕሪ ሓያሎ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ብዘይ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ምፍንጃር ነታጒን ተኹስን ከምዝረኸባ ሓቢሩ።
እኳ ድኣስ ሓይልታት ዴሞክራሲ ሶርያ፡ ኣብ ዝፈራረሱ መገድታት ብምምልላስ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብነፃነት ወፅዮም፡ ውዑይ መረቕ ንክሰትዩ፡ ብመጉልሂ ድምፂ ይዕድሙ ነይሮም ክብል ፀብፂቡ።