ተዘክሮታት ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡ ብማዕዶን ቀረባን

ኣብ 1995 ኣቢሉ እዩ ንመጀመርታ ግዜ ደርፍን ሙዚቃን ኣብረሃም ኣፈወርቂ ክሰምዕ ዝዝከረኒ። ኣብቲ ምስ ሙዚቃኡን ደርፉን ዝተላለኹሉ እዋን ብዛዕባኡ ጽቡቕ ነገር ይውረ ኣይነበረን ።

" ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ቃለ-መሕትት ክገብር ተሓቲቱስ 30ሽሕ ብር እንተዘይከፊልኩሙኒ ኢሉ ኣቕቢጹ።

ኣብ መበል ሓሙሻይ ዓመት ጽምብል ናጽነት ከኣ፡ ኣብ [ኣስመራ እስታድዩም] ዝደረፋ 'ኤረየ ከም ተኣምር ናይ ናጽነት ዳግመ ህንጻ ከም ዝዕወት ተኣማሚነ' ንእትብል ደርፉ ኽደርፍ፡ ካብ ሄሊኮፕተር ብፓራሹት ኣውርዱኒ ኢሉ" ዝብል፡ ኣብ ባህሊ ናይቲ እንነብረሉ ዝነበርና ሃዋሁው፡ ዘይቅቡል ሕቶታት ሓቲቱ ተባሂሉ፡ ዘጽልእ ወረ ስለዝትነዝሐ፡ በቲ ናይ ሽዑ ኣተሓሳስባይ፡ 'እዚ ወዲስ እንታይ ረኺቡዎ እዩ ናብ ገንዘብን ዝናን ዝቀዳደም' ዝብል ስምዒት ስለዝሓደረኒ ኣይተቐበልኩዎን።

ብነብሰይ፡ ብዙሕ ሰማዕ ሙዚቃ ኣይነበርኩን'ሞ እቲ ወረታት ምስ ተወሰኾስ፡ ድምጺ ሙዚቃኡ ከይሰምዕ እውን ርሒቐ።

ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ ኣብ 1997 ኣቢሉ፡ ሓደ ብፍቕርን ናፍቖትን ዝተጠቕዐ፡ ቀረባ ስነ-ጥበባዊ ፈታዊየይ፡ ነታ "ሓሳብ ናይ ልበይ እንተኾይኑለይ!" ንእትብል ደርፊ ኣብርሃም ንኪሰምዓ ኣጥቢቑ ለሚኑኒ። ብዙሕ ግዜ፡ ብሃገራውን ኣህጉራውን ፍርያት ስነ-ጥበብን መጻሕፍትን ስለእነዕልል፡ ነታ ደርፊ፡ መዕለሊ መታን ኽትኮነና ነታ ካሴት ገዚአ ሰሚዐያ።

ጽምዋን ናፍቖትን ግዲ ዘይነበረኒ ኮይኑ ግን ማዕረ'ቲ ብናፍቖት ዝተጠቕዐ ሓው ኣየስተማቐርኩዋን።

ንሱ ግን፡ ኣብቲ ግጥሚ ንእተሰዅዐ ነብሲ ወከፍ ቃላት ብተምሳጥ እናደጋገመ፡ ንሱ ንባዕሉ እውን ንፉዕ ገጣማይ እዩ፡ ብፍላይ ነታ፡

" ሓሳብና እዋሰብ -ሽግርና ይመሳሰል

ትምኒትና ሓደ ካብ ኮነ

ሰብ ሰብ'ዩ ዝደሊ - ጽምዋ ሕሱም'ዩ

ሂወት ፍቐድለይ -ምሳኺ መሪጸ'የ ኣነ"

ንእትብል ስታንዛ፡ ብዝያዳ ከኣ ነታ " ሰብ: ሰብ እዩ ዝደሊ ጽሙዋ ሕሱም እዩ!" እትብል ክፋል ብዓሚቝ ተምሳጥ እናደጋገመ ከፍትወኒ ጽዒሩ። ንዓይ ግን ብዝያዳ፡ እታ፡

" ፍቕሪ'ዩ መንገደይ…

ድኻም እንተኾይኑስ - ከዕርፍ ኣይደልን

ፍቕሪ'ዩ ሂወተይ ….

ሕልሚ እንተኾይኑስ - ክበራበር ኣይደልን

ፍቕሪ'ዩ እምነተይ….

ሓጥያት እንተኾይኑስ ክጸድቕ ኣይደልን.... እትብል፡ ንዕምቆት ንፍቕሪ ብፍልስፍናዊ መዳይ እትገልጽ እሰታንዛ እያ ዝያዳ መሲጣትኒ።

ነታ ደርፊ ደጋጊመ ምስ ሰማዕኩዋ ግን፡ ብመጠኑ እውን እንተኾነ ንናፍቖቱን ጽምዋኡን ክካፈሎ በቒዐ'የ። ኪንኡ ከይደ ግን ብፍቕሪ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣይዓበድኩን።

ብድሕሪኡ፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ ምስ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣብ ሓደ ምርኢት ሰላምታ ተለዋዊጥና እምበር ኮፍ ኢልና ሻሂ ከይሰተናን ከይዕለልና ቅድሚ 11 ዓመት ብሞት ተፈልዩና።

ኣብ ሸዊት ዕድመኡ፡ ምስ ብዙሕ ባህግታቱ ምስተኾልፈ ግን ብዙሕ ሓዚነሉ። ድሕሪ ሞቱ ከኣ እየ ንደርፍታቱን ሙዚቃኡን ከስተማቕሮን ክሰምዖን ጀሚረ።

ሽዑ እምበኣር ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ኣብርሃም፡ ረቂቕ ጥበብን ዕምቆትን ከምዘለዎ ክርዳእ ኪኢለ። ድሕሪ ሕልፈቱ ግን ዳርጋ ንኹለን ደርፍታቱ ደጋጊመ ብምስማዕ ኣስተማቒረዮ።

እቲ ንፈለማ ግዜ "ሰብ ሰብ እዩ ዝደሊ- ጽምዋ ሕሱም እዩ" ብእትብል ስራሕ ኣብርሃም ምስ ደርፍታቱ ከላልየንን ከፍትወንን ሒዅ ዝበለ ዓርከይ፡ ግዜ ኣርኪቡ ምስተፈላላናን ምስናፈቕኩዎን ግን፡ ነታ ደርፊ፡ ማዕረ ደራፊኣ፡ ንዜማኣን ግጥማን ሸምዲደያ።

ስለዚ፡ ፍልጠተይ ምስ ኣብርሃም፡ ብማዕዶን ብኸምዚ ዝገለጽኩዎ ስምዒትን ኣረኣእያን ዝተጸልወ እዩ።

እቲ ከማይ ብማዕዶን ርሑቕን ዘይኮነ፡ ኣብ ሙዚቃዊ ስርሓት ኣብርሃም ብዓቕሙን ክእለቱን ዘበርከተ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ህዝባዊ ምርኢታት ብኣካል ዝተሳተፈ፡ ኣብታ ፈላሚት ካሴቱ "ቆጽሊ ጋባን" ናይ መወዳእታ ስርሑን፡ "ሰማይ"ን ምስኡ ዝሰርሐ፡ ዳኛ ሽንግሩዋ (ምድላይ ኮኾብ ድምጻዊ) ነበር፡ ሙዚቀኛ፡ የማነ ኪዳነ ውልቃዊ ተዘክሮ ኣለዎ።

ብ1962 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየን ዝተማህረን የማነ፡ ጎድኒ ጎድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቱ፡ ንሙዚቃዊ ፍቕሩ ብትምህርትን ልምምድን እናዕበየ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝነበራ ዝተፈላለያ ባንድታት ክጻወት ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1982 ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ክቕጽል ናብ ህንዲ ከይዱ።

ኣብ ህንዲ ብሕሳብን ምሕደራን ቀዳማይ ዲግሪ ድሕሪ ምጥንቃቑ ኣብ 1990 ናብ ኢጣልያ ሮማ ምስ ኣተወ እዩ ብመገዲ ገዲም ሙዚቀኛ ሓንፈጽ ሊዊጂ ምስ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ተላልዩ።

"ኣብርሃም ኣዚዩ ጻዕራም፡ ዝሓሰቦ ነገር ንምዕዋት ድሕር ዘይብል፡ ንዝጀመሮ ስራሕ ብቐጻሊ ከመሓይሾ ዝጽዕር ስነ-ጥበባዊ እዩ ነይሩ!" ብምባል ይገልጾ የማነ።

ምስ ሰባት ቅልጡፍ ርክብን ዝምድናን ናይ ምምስራትን፡ ነብሱን ስርሓቱን ኣብ ምልልይ ፍሉይ ክእለት ዝነበሮ ኣብርሃም፡ ኦኣሲሰ ምስ ዝበሃሉ ሓተምቲ ሙዚቃ ተራኺቡን ተጸሓሒፉን፡ ነታ ፈላመይቲ ካሴቱ፡ ንትንሳኤ ሙዚቃ ኤርትራ ብምባል ንኹሉ ወጻኢታቱ ሸፊኖም፡ ኣብ ትካሎም ጀሚሩ ክውድኣ ፈቒዶም፡ ኩሉ ዘድልዮ ዘበለ ቀሪቦሙሉ።

እታ ካሴት ንመሸጣ ዘይኮነ ንባህላዊ ትንሳኤ ህዝቢ ተባሂላ ብናጻ ክትዕደል ስለዝተሰርሐት ኣብታ ኦሪጂናል ካሴት ኣብ ገበራ " ኣይትሽየጥን እያ" ዝብል ጽሑፍ ከምዝነበራ ይዝክር የማነ።

ኣብርሃምን ብጾቱን ኣብቲ እስትድዮ ንነዊሕ ሰዓታት እናተለማመዱን እናተደጋገፉን ነታ ካሴት ኣብ መፈጸምታኣ ኣብጺሖሙዋ።

ብትሕዝቶ እታ ካሴት ከኣ ዳርጋ ኣብ መላእ ኢጣልያ ኣብ ናእሽቱ ከተማታት እውን ከይተረፈ ዑደት ኣካይዶም።

የማነ ኣብታ ካሴት ንእተካትት "ንበይነይ ኣይከውንን!" እትብል ናይ ዳሉል ባንድ ድራመር ነበር፡ ነፍሲ ሄር ሙሉጌታ ስዩም ዜማ፡ ኣብርሃም፡ ነታ ዜማ ኣጸቢቑን ኣማዐሪጉን ስለዝሰርሓ፡ ክሳብ ሕጂ ብኣድናቖት ካብ ዝዝክረን ስርሓት እያ።

የማነ፡ንድምጻዊ ኣብርሃም ካብ ኣብ ስነ-ጥበብ ንላዕሊ፡ ዓቕሙን ተፈላጥነቱን ኣብ ምዕባይ ንዝነበሮ ጻዕርን ሓርኮትኮትን "ንዝሓዛ ስራሕ ንምዕዋት ፈጺሙ ኣይድቅስን'ዩ፡ ፍርያቱ ንምልላይ ከም ኣብርሃም ንፉዕ ፕሮሞተር ኣይነበርን!" ብምባል የድንቖ።

ኣብርሃም፡ ንፍቕሪ፡ንሞራል፡ንተስፋ፡ንሃገር፡ ንሓድነት፡ንብልጽግና ዕብየትን ከምኡ እውን ንኽብሪ ወለዲ፡ ብመሳጢ ድምጽን ብመሃሪ ግጥምን ኣወሃሂዱ ደሪፉለን።

ዜማታቱ ነንሓድሕዱ ይበላለጽ ግጥማታቱ እውን ነቲ ክብሎ ዝደሊ ብልክዕ ይገልጾ። ንኣብረሃም፡ ዝሰምዖ ዘበለ ይፈትዎን የድንቖን።

ብህይወቱ እንከሎ ይኹን ብሞት ምስተፈልየ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ሙዚቃን ብቐረባ ዝፈልጡዎን ብዝኽረ ናፍቖት "መምህር ህይወት" ኢሎም ጽሒፎሙሉ።

እታ ቆጽሊ ጋባ ዘርእስታ ቀዳመይቲ ካሴቱ፡ ምስ ናጽነት ኤርትራ ስለዝተሰርሐት ዓቕምን ክእለትን ብዙሓት ገዱሳት ሙዚቀኛታት ኣወሃሃድትን እውን ስለዝተሓወሳ ፈተውቲ ካሴት ምንባራ ዝምስክር የማነ፡ ድሕሪ ኣስታት 14 ዓመታት ኣብታ፡ "ሰማይ" ዘርእስታ ናይ መወዳእታ ካሴቱ ተራኺቡ ምስኡ ሰሪሑ።

ኣብርሃም ነታ ሰማይ እትብል ናይ መወዳእታ ካሴቱ ኣብ ኣመሪካ ክሰርሓ ስለዝሓለነ፡ ምስ ዓብደላ ኣቡበከር ኣረንጅመንት ጀሚሩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቲ ኩሉ ግዜ ብስርሑ ዘይዓግብ፡ ወትሩ ዝበለጸ ስራሕ ከቕርብ ብምድላይ ምስ ሰባት ዝማኸር ስሙይ ድምጻዊ ኣብርሃም፡ ምስ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባውያን ዝሰርሖ ትሕዝቶ ኣኻኺቡ ንኣስመራ ብምኻድ ምስ ሙዚቀኛታት፡ የማነ ኪዳነ፡ ኣሮን በርሀ፡ ኣኽሊሉ ዝራጽዮንን ካልኦትን ኮይኑ ሰሪሑዋ።

ብድሕሪኡ ዝተፈላለየ ምርኢታት ወዲቡ ክሳብ ንመበል 20 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሳዋ ወሪዱ፡ " ኩሉ ጸይረ ፍሽኽታ ኣመለይ!" ብምባል ኣዘናጊዑን ተስፋ ኣስኒቑን መጻኢ ሕልምታቱ ከይፈጸመ ብሞት ተኾሊፉ።

ዕረፍቱ ምስተሰምዐ ከኣ ኩሉ ህዝቢ ሰምቢዱን ሓዚኑን፡ ድሕሪ ሞቱ ከኣ " ትምህርቲ ህይወት" ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ኣብርሃም ከም ሕሱም ተሰሚዑ።

እቲ ኣብ ምፍላምን ምዝዛምን ስርሑ እተሳተፈ ሙዚቀኛ የማነ ኪዳነ " ኣብርሃም፡ ሓዳር ጌሩ፡ ወሊዱ ዘሚዱ፡ ብደቁን ሓዳሩን ማሚቝ፡ እቲ ወዲ ሰብ ክብጸሖን ክረኽቦን እትምነየሉ ነገር ከይረኸበ፡ ኣብ ሸዊት ዕድመኡ ምኹላፉ ኣዚዩ የሕዝነኒ" ይብል።

ፍትውቲ ስነ-ጥበበዊት መንእሰይ ኣርያም ወልደኣብ ኣብቲ ምስ መጽሔት መንእሰይ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ "ኣብርሃም ፕሮፈሺናል ኣርቲስት'ዩ፡ ነባሪ ስራሕ ከኣ ገዲፉ።" ብምባል ኣድናቖታ ትገልጸሉ።

ኣብርሃም ስነ-ጥበባዊ ፍርያቱ ካብ ናይ ካልኦት ጸብለል ኢሉ ክርአየሉ ዝብህግ፡ ፈጺሙ ዘይድቅስ፡ ጻዕራምን ፈታው ውድድርን እዩ ነይሩ ይብሉ ብዙሓት ፈለጥቱ።

ብተወሳኺ ብዝደኸሞን ዝረሃጾን ሰሪሑ ክኽፈል ዝደሊ ካብ ዝኾነ ይኹን ወገን ጸቕጥን ተጽዕኖን ዘይቅበል ተባዕ ምንባሩ እውን ይምስክሩሉ።

ኣብርሃም፡ ወዲ ሰብ እንተተማሂሩን እንተጽዒሩን ኣብ ዝደለዮ ከይበጽሐ ከምዘይተርፍ ብድምጹን ጥበቡን ዝመሃረን ዝመኸረን ድምጻዊ እዩ።

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብፊደል ሰራዊት ዝጽውዑ መንእሰያት፡ ነቲ ብድምጽን ስእልን ብርሑቕ ብፍልስፍናዊ ጥበባዊ ትምህርቱን ግን ብቐረባ ንዝፈልጡዎ ኣብርሃም ዓመት ዓመት ይዝክሩዎን የኽብሩዎን።

ኣብርሃም ከም ብዙሓት ፍቱዋት በሃር ድምጻውያን ሃገርና ፍርያቱ ኪኖ ዶባት፡ ኣብ ኣርያም ኩሉ ፈታው ሙዚቃ ይስማዕን ይኽበርን ኣሎ።

እቲ ዘይምኖ ፍርያቱ ከኣ ንውሉድ ወለዶ ከኣ ሓወልቲ ኮይኑ ክነብር እዩ።