እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ተረኛ ሓኪም ኮይነ ተመዲበስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ 3 ዕሸላት ሞይቶም"
"ንፈላማ እዋን'ዩ ነይሩ ተረኛ መምሰይ ሓኪም ኮይነ ተመዲበስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ 3 ዕሸላት ሞይቶም። ብጣዕሚ ድማ ነቢዐ።"
ዶክተር መሓመድ ጆብየር ክርስቲ ብ1996 ዓ.ም.ፈ፡ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ፔድያትርክ ኮሌጅ ሕክምና ስሌት ባንግላድሽ ኣብ ምስራሕ ነይሩ።
ኣብታ ሽዓ ምሸት ድማ ህጻውንቲ ብሰንኪ ሕማም ነድሪ ሳምቡእ ንከይሞቱ ሓደ ነገር ክምህዝ ብውሽጡ ተመጻቢዑ ነይሩ።
በብዓመቱ ኣስታት 920 ሽሕ ዕሸላት ብሰንኪ ሕማም ነድሪ ሳምቡእ ይሞቱ። መብዛሕትኦም ከኣ ካብ ሃገራት ደቡባዊ ኤስያን ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃን ከምዝኾኑ ይፍለጥ።
ድሕሪ 20 ዓመታት እምበኣር፣ ዶክተር ሞሓመድ ክርስቲ ብመሰረት መጽብዕኡ ህይወት ህጻውንቲ ካብ ነድሪ ሳምቡእ ዘድሕን ፈውሲ ሒዙ ደበኽ በለ።
ክባር መሳርሒ ሕክምና
ነድሪ ሳምቡእ ብባክተርያን ቫይረስን ንዝተጠቕዐ ሳምባ ይሃሲ። ደሓር እቲ ሳንባ ብፈሳስን ካልኦት ዘየድልዩ ነገራትን ይራኸስ እሞ ኦክስጂን ናይ ምስሓብ ዓቕሙ ይደክም።
ምዕቡላት ሃገራት ብነድሪ ሳምቡእ ንዝተጠቕዑ ህጻውንቲ ንምድሓን ዘበናዊ መተንፈሲ መሳርሒ( ኢምፊጅን) ይጥቀማ።
ይኹን እመበር እዚ ዓይነት መሳርሒ ሕክምና ክባር ስለዝኾነ ከም ባንግላድሽ ዝበላ ድኻ ሃገራት ንኽጥቀማሉ የይፅገማ።
ትካል ጥዕና ዓለም፣ ሃገራት፡ ነድሪ ሳመቡእ (ኒሞንያ) ንምክልኻል ዘኽእል ናውቲ ሕክምና ብሕሱር ዋጋ ክቐርበለን ከምዘለዎ ሓሳብ ሂቡ እኳ እንተነበረ፣ ሎሚ'ውን ካብ 7 ህጻውንቲ እቲ ሓደ ብሰንኪ ሕማም ነድሪ ሳምቡእ ከምዝመውት መረዳእታት ይሕብሩ።
ዶክተር ክርስቲ ኣብ ሜልበርን ኣውስትራልያ ይሰርሐሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ነቲ ደሓር ዝመሃዞ ጥርሙዝ ሻምፖ ንኸሰርሕ ዘለዓዕሎ ነገር ተዓዚቡ።
ንሱ'ውን ሳምቡእ ስርሓ ጠጠው ከይተብል ዝሕግዝ መሳርሕን ሰብነት እኹል ኦክስጂን ንክረክብ ዝገብርን'ዩ።
ይኹን እምበር እቲ ኣቕሓ ክባር'ዩ። ናብ ባንግላድሽ ዝሰርሓሉ ዓለም ለኸ ትካል ምርምርን መጽናዕትን መስተንፈሲ ኣካላት ምስተመለሰ ከዓ፣ ነቲ ኣብ ሜልበርን ዝተዓዘቦ ኣቕሓ፡ ግን ድማ ክባር፣ ብኸመይ ብሕሱር ዋጋ ከቕርቦ ከምዘለዎ ክሓስብ ጀሚሩ።
ምስ መሳርሕቱ ብምዃን ድማ ካብ ረብሓ ወጻኢ ዝኾነ ጥርሙዝ ሻምፖ ብማይ መሊኢዎ።
እቲ ብማይ ዝተመልአ ጥርሙዝ ሻምፖ ጸቕጢ ብምፍጣር ኣየር የመንጩ እሞ ህጻውንቲ ከስተንፍሱ ይሕግዞም።
ፈለማ ኣብ 4 ወይ እውን 5 ብሕማም ነድሪ ሳምቡእ ዝተጠቕዑ ቆልዑት ከምዝተፈተነ ዝገልጽ መሃዚ እዚ ፈጠራ፡ ዶክተር መሓመድ ክርስቲ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ውጽኢታዊ ኮይኑ ረኺብናዮ ይብል።
ዕውት ምህዞ
ኣብቲ ዶክተር ክርስቲ ዝሰርሓሉ ማእኸል ሕክምና፡ ግልጋሎት ሕክምና ዝረኸበ ኮህነር ቤጉም፣ ጓሉ እቶም ሓካይም ሓያሎ ጻዕሪ ገይሮም ብዝመሃዝዎ ውጽኢት ፈጠራ ብቐሊል ወጻኢ ተሓኪማ ምድሓና ከምዘሐጎሶ ገሊጹ።
መጽናዕቲ ዶክተር ክርስቲ ድሕሪ 2 ዓመት ኣብ መጽሄት ላንሰንት ተሓቲሙ።
ብመሰረት እቲ ዘሕተሞ መጽናዕቲ ድማ፣ በቲ ንሱ ዝመሃዞ ሓጋዚ መተንፈሲ ኣካል ዝተሓከሙ ህጻናት፡ ካብ በቲ ክቡር ዝዋግኡ ውሑድ ኦክስጅን ዘፈልፍል ኣቕሓ ዝተሓከሙ ናይ ምሟት ዕድሎም ዝዋሐደ'ዩ።
ዋግኡ ካብ 1.25 ዶላር ዘይዓቢ ውጽኢት ፈጠራ ዶክተር ክርስቲ ሞት ህጻውንቲ ብ75 ሚኢታዊት ክንኪ ኣኽኢሉ'ዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣጠቓቕማ ኦክስጂን'ውን ዝሓሸ ስለዝኾነ እቲ ዝሰርሓሉ ማእከል ሕክምና፣ ንኦክስጅን ዘውጽኦ ዓመታዊ ወጻኢ ካብ 30 ሽሕ ናብ 6 ሽሕ ዶላር ንክንኪ ሓጊዙዎ።
እቲ ሓድሽ ምህዞ መስተንፈሲ ኣካል፣ ዝነኣድ ከምዝኾነ ዝገልጽ ሓኪም ኮሌጅ ሕክምና ደቀንስትዮ ዶክተር ኣርም ልቱፉል፣ ካሊእ ሃገራዊ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ሓቢሩ።
ከም ኣገላልጻ ዶክተር ካቢር፣ እቲ ምህዞ ኩለን ሆስፒታላት ክውንነኦ ስለዝኽእላ ኣብ ምንካይ ሞት ህጻናት ልዑል ኣስተዋጽኦ ኣለዎ።
ዛጊድ'ኳ ኣስታት 600 ህጻዉንቲ ካብቲ ትሑት ዝዋግኡ ምህዞ ዶክተር ክርስቲ ተጠቒሞም'ዮም።
ዶክተር መሓመድ ክርስቲ፡ በቲ ዘካየዶ መጽናዕቲ፣ ኣብቲ ሆስፒታል ሓላፊ ክፍሊ መጽናዕቲ ሕክምና ንምዃን በቂዑ።
ዶክተር ክርስቲ፣ ቅድሚ 20 ዓመታት ንኽሰርሖ ዝኣተዎ መጽባዓ (መብጽዓ) ምዕዋቱ እንታይ ከምዝስምዖ ተሓቲቱ፤
''ንኽገልጾ ቃላት ይሓጽረኒ'ዩ'' ብምባል ይምልስ።
ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት እቲ ናቱ ምህዞ (CPAP) ክጥቀማሉ ድሌት ከምዘለዎ ገሊጹ።