እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ልዕል 130 ሚልዮን ደቀ-ኣንስትዮ ካብ ትምህርቲ ወፃኢ እየን"
ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ምዕቡላት ሃገራት ቀዳምነት ዝወሃቦም ዛዕባታት፡ ኣየናይ ዓይነት ትምህርቲ ክቕድም ከምዘለዎ፣ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ኣካላትን ተወሳኺ መንግስታዊ ወፃእን እዮም።
ብኣንፃሩ ድማ ኣብ ዘይምዕቡላት ሃገራት ዝርከቡ ወለዲ ደቆም ትምህርቲ ዝረኽቡሉ ዕድል የተሓሳስቦም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውፅኦ ኣሃዝ ከምዝሕብሮ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ድኻ ሃገራት ኣብያተ ትምህርቲ ንምብፃሕ ዝተገበረ ፃዕሪ "ዳርጋ ፍረ ኣልቦ" እዩ።
ንፅፈት ትምህርቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተገበረ መፅናዕቲ ድማ "ዘስደምም" ውፅኢት ከምዝተረኸበ ኣመልኪቱ።
ልዕሊ 600 ሚልዮን ህፃናት ናብ ቤት ትምህርቲ ይመላለሱ፥ ፍልጠት ክሰንቁ ግን ኣይከኣሉን።
ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከባ ደቂ (ደቀ)-ኣንስትዮ ካብ ደቂ-ተባዕትዮ ዝሓሸ ውፅኢት ትምህርቲ እንተመዝግባ፡
ብኣንፃሩ ኣብ ድኻ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ-ሳህራ ኣፍሪካ ዝርከብ ደቀ-ኣንስትዮ ትምህርተን የቋርፃ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቢዓመቱ ኣብ 11 ጥቅምቲ 'መዓልቲ ጎራዙ' የኽብር እዩ።
ብምኽንያት እቲ ዕለት 'ዋን' ብዝብል ስያመ ዝፍለጥ ወፍሪ ኣብ ዝውፅኦ መረዳእታ፡ ደቀ-ኣንስትዮ ትምህርቲ ክረኽባ ኣፀገምቲ ዝኾና ሃገራት ኣስማተን ዕላዊ ኮይኑ'ሎ።
ዞባታት ኲናት
ካብ ዓሰርቲኤን ሃገራት ኣብ መብዛሕትኤን ደቀ-ኣንስትዮ ዕድል ትምህርቲ ክረኽባ ዘይከኣላለን እየን።
ኣብተን ዝተሃሰያ ሃገራት ዝርከቡ ስድራ ሕሱም ድኽነት፣ ጥዕና ምስኣን፣ ዘይተመጣጠነ ኣመጋግባ፣ ብሰንኪ ኲናትን ጎንፅን ምምዝባል ዝተሃሰዩ እዮም።
መብዛሕቲኤን ጎራዙ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ካብ ዝኸዳ ኣብ ገዛ ክሰርሓ'ዩ ዝምረፅ።
ብዙሓት ገና ብዕሸለን ይምርዓዋ፤ ዕድል ትምህርቲ ከይረኸባ ድማ ይተርፋ።
ከም ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብኲናት ኣብ ዝተሓመሳ ሃገራት ዝርከባ ደቀ-ኣንስትዮ ትምህርቲ ዘቋርፃሉ ኩነታት ልዕሊ ክልተ ዕፅፊ ይዛይድ፡
እተን ሃገራት ዝተሰርዓሎም ነጥብታት፡
- መጠን ዕድል ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ዘይረኸባ ደቀ-ኣንስትዮ
- መጠን ዕድል ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ዘይረኸባ ደቀ-ኣንስትዮ
- መጠን ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ዝዛዘማ ደቀ-ኣንስትዮ
- መጠን ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ዝዛዘማ ደቀ-ኣንስትዮ
- ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ዝፀንሓሎም ዓመታት
- መጠን መሃይምነት ዘየጥፋኣ ደቀ-ኣንስትዮ
- ደረጃታት ስልጠና መምህር
- መጠነ ዝምድና (ሬሾ) ምምህር-ተምሃራይ
- መንግስቲ ንትምህርቲ ዝስልዖ በጀት
ንከም ሶርያ ዝኣመሰላ ብኲናት ዝሕመሳ ገለ ሃገራት ኣብዚ ዛዕባ ንምግምጋም ዘኽእል መረዳእታ ብእኹል ኣይተረኸበን።
ደቀ-ኣንስትዮ ናብ ትምህርቲ ክኸታ ምችዋት ዘይኮና ሃገራት፡
1. ደቡብ ሱዳን፡ እዛ ንዓለምና ሓዳስ ዝኾነት ሃገር ኣብ ኲናትን ናዕብን ትርከብ። ኣብያተ ትምህርቲ ዓንየን ስድራ ቤታት ካብ መረበቶም ክፈናቐሉ ተገዲዶም።
ዳርጋ ሰለስተ ርብዒት ደቀ-ኣንስትዮ ቀዳማይ ትምህርቲ'ውን ክረኽባ ኣይተዓደላን።
2. ምእኸላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪካ፡ ን80 ተምሃሮ ሓደ መምህር ይባፃሕ።
3. ኒጀር፡ ካብ 15 ክሳብ 24 ክሊ ዕድመ ካብ ዝርከባ ደቀ-ኣንስትዮ እተን 17 ሚኢታዊት ጥራሕ ተማሂረን።
4. ኣፍጋኒስታን፡ ሰፊሕ ፆታዊ ኣፈላላይ ዘለዋ ሃገር እያ። ካብ ደቀ-ኣንስትዮ ዝተዓፃፀፈ ቁፅሪ ዘለዎም ደቀ-ተባዕትዩ ዕድል ትምህርቲ ይረኽቡ።
5. ቻድ፡ ደቀ-ኣንስትዮን ጎራዙን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከይወፍራ ዝሓልኩ ብርክት ዝበሉ ምኽንያታት ኣለውዋ።
6. ማሊ፡ 38 ሚኢታዊ ጥራሕ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርተን ይዛዝማ።
7. ጊኒ፡ ዕድሚኤን ልዕሊ 25 ዝኾና ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝፀንሓሉ ግዘ ትሕቲ ሓደ ዓመት እዩ።
8. ቡርኪና ፋሶ፡ ሓደ ሚኢታዊት ጥራሕ ካልኣይ ብርኪ ትምህርተን ይዛዝማ።
9. ላይቤሪያ፡ ዕድሚኤን ንመባእታዊ ትምህርቲ ካብ ዝበፅሓ ዳርጋ እተን ክልተ ካብ ሰለስተ ዕድል ትምህርቲ ኣይረኸባን።
10. ኢትዮጵያ፡ ካብ ሓሙሽት እተን ክልተ ዕድሚአን 18 ቅድሚ ምብፅሑ ይምርዓዋ።
ሕፅረት ምምህራን ኣብ ኩለን ድኻታት ሃገራት ዝረአ ፀገም እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ክሳብ 2030 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣስታት 69 ሚልዮን ምምህራን ብብርኪ ዓለም ከምዘድልዩ ሓቢሩ ነይሩ።
ፀብፃባት ከምዘመልክትዎ ደቀ-ኣንስትዮ ዕድል ትምህርቲ እንተረኺበን ኣብ ቁጠባ ዝለዓል ትርጉም ኣለዎ።
ብውልቀ ደረጃ'ውን እንተኾነ ልክዕ ከም ኣብ ገጠር ኬንያ ዝነብራ ፍሎረንስ ቼፕቶ ዓበይቲ ረብሓታት ይርከብዎ።
ፕረዚደንት ወፍሪ "ዋን" ጋይለ ስሚዝ ነቲ ፀገም "ንድኽነት ዘጋድድ ዓለማዊ ቅልውላው" ክብል ይገልፆ።
"ልዕል 130 ሚልዮን ደቀ-ኣንስትዮ ካብ ትምህርቲ ወፃኢ እየን። እዚ ማለት ድማ 130 ሚልዮን መሃንዲሳት፣ መሃዝቲ ፣ ምምህራንን ፖለቲከኛታትን ስኢንና ማለት እዩ" በሃላይ እዩ።