እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ራይላ ኦዲንጋ ካብ ፕረዚደንታዊ መረፃ ንባዕሎም ኣግሊሎም
መራሒ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ናሳ ራይላ ኦዲንጋ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክካየድ ተተሊሙ ኣብ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም።
ራይላ ኦዲንጋ ተኣማንነት ዘለዎ መረፃ ንምክያድ ተወሳኺ ግዜ የድሊ'ዩ ብምባል እዮም ንባዕሎም ካብቲ መረፃ ዘግለሉ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝነበረ ውፅኢት መረፃ ውድቂ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።
እዚ ዳግማይ ፕረዚደንታዊ መረፃ ን16 ጥቅምቲ ንኽካየድ እዩ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።