እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህቦብላታት ስለምንታይ እዮም ዝተፈላለየ ስያመታት ዝወሃቦም?
ዓበይቲ ህቦብላታት ኩሉ ግዜ ዜናታት እዮም። ግን ብዛዕባ ስያመኦምን መን ከምዘጠመቖምን ሓቲትኩም'ዶ ትፈልጡ?
እምበኣር ሕግታቱ እዚ ዝስዕብ እዩ።
ስለምንታይ እዩ ግን ስያመታት ዘድልዮም?
ከም ሃሪኬን፣ ሳይክሎን፣ ታይፖን ዝኣመሰሉ ትሮፒካል ህቦብላታት ንነዊሕ እዋን ስለ ዝፀንሑ ተመራመርቲ ነዞም ህቦብላታት ንምክትታል መታን ክጥዕሞም ኣሽማት የውፅእሎም።
እዞም ስያመታት፡ ህቦብላታት ዝተርኣይሉ ዓመት ንምፍላይን ንምክትታልን ድማ ይሕግዞም። ይኹን'ምበር ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ኣብ ዓመት ኣሰታት 100 ህቦብላታት ከጋጥሙ ይኽእሉ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ህቦብላታት ዝተፈላለየ መፀዊዒታት ምሓዞም ከኣ፡ ሰብ ሞያ ብቐሊሉ ፈልዮም ንክሕዝዎም ዓብዪ ኣበርክቶ ኣለዎም።
ከም ኣገላልፃ ሜትሮሎጂ ኢንግሊዝ፡ ንዓበይቲ ህቦብላታት ስያመ ምሃብ ማለት፡ ሰባት እኹል ኣፍልጦ ክህልዎምን ክንደየናይ ሓደገኛታት ከምዘኾኑ ንክርድኡን ይሕግዝ።
እዞም ስያመታት'ከ ብመን ይውሰኑ?
ተመራመርቲ ኩነታት ኣየር ዓለምና፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክህልዉ ንዝኽእሉ ስያመታት ንምውሳን በብዓመቱ ስሩዕ ኣኼባታት የካይዱ።
ኣብ ሓደ እዋን ከበድቲ ሓደጋታት ናይ ዘስዓቡ ኣስማት ህቦብላታት ንካልኣይ ግዜ ኣይጥቀምሉን።
ሜትሮሎጂ ኢንግሊዝ ድማ፡ ህቦብላታት ንምስያም ካብ ህዝቢ ሓገዝ ይሓትት እዩ።
ኩሎም ህቦብላታት ኣሽማት ኣለዎም'ዶ?
ብዘይካ ነቶም ዓቢ ብርሰት ከስዕቡ ዝኽእሉ ህቦብላታት ንኹሎም ኣሽማት ክትረኽበሎም ዝከኣል ኣይኮነን።
ኣየናይ ሽም ህቦብላ ፈለማ ይምረፅ?
ህቦብላታት ብቕደም ሰዓብ ፊደላት ይስየሙ።
ኣብ ዓመት ዘጋጥም ፈላሚ ህቦብላ ብፊደል (A) ዝጅምር ሽም ይህልዎ። ከም ኣብነት ህቦብላ ኣሊስ (Hurricane Alice)፣ ታይፖን ኣንድሪው (Typhoon Andrew)፣ እንትስየሙ፡ ዝቕጽሉ ህቦብላታት ድማ፡ ብ (B) ን ካልእን ይስየሙ።
ዋላ እኳ ህቦብላታት ብኹሎም ፊደላት ክስየሙ ዝኽእሉ እንተኾኑ፡ ፊደላት Q፣ U፣ X፣ Y ን Z ን ግን ምጥቃም ኣይከኣልን።
ህቦብላታት፡መን'ዩ ብተባዕታይ ወይ ኣንስታይ ስያመ ንክስየሙ ዝውስን?
ህቦብላታት በብተራ ብተባዕታይ ወይ ኣንስታይ ስያመ ክጥመቑ ይኽእሉ።
ቅድም ክብል ህቦብላታት ብኣንስታይ ስም እዮም ዝፅውዑ ነይሮም። ዳሕራይ ግን ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ 1979 ብተባዕታዊ ስም ክስየሙ ጀሚሮም።