ብቕዓት ኣእምሮና እስከ ንፈትን - ግድል ቁ-2

ኣእምሮኹም ድልዊ ድዩ? እምበኣርከስ ንሎሚ ዝተዳለወ ግድል እነሀ'ሞ እስከ ሓቢርና ንፈትኖ።

መን ይሕሱ ከምዘሎ'ዶ ክተለልዩ ትኽእሉ?

ሰናይ ዕድል!

ኩባያታት ፀዋታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ግድል 2

ዮሃንስ፡ ጀስቲን፡ ሓሳዊ ምዃኑ ይገልጽ ።

ጀስቲን ድማ ቶም'ዩ ሓሳዊ ይብል።

ቶም ብወገኑ፡ ጀስቲንን ዮሃንስን እዮም ሓሰውቲ ይብል።

ሰለስቲኦም፡ ኩሉ ግዜ ሓቂ ወይ ድማ ሓሶት ከምዝዛረቡ ኣብ ግምት አእትዉ። እሞ ድኣ ሕጂ፡ መን እዩ ሓቂ ተዛሪቡ?

መልሲ፡ ኣብ ታሕቲ ኣለኩም ረአይዎ

ምስሊ ምልክት ሕቶ

መልሲ

ሓቂ ዝተዛረበ ጀስቲን እዩ።

ቶም፡ ብዛዕብ ዮሃንስ ሓቂ እንተተዛሪቡ፡ ዮሃንስ ድማ ንጀስቲን ሓቀኛ እንተይልዎ፡ በዚ ኩነታት'ዚ ቶም ሓሳዊ ይኸውን።

በቲ ካልእ ወገን፡ ጀስቲን ሓቀኛ እንተድኣ ኮይኑ'ሞ ቶም እውን ንጀስቲን ሓቀኛ እንተይሉዎ፡ ንሕና ተጋጊና ኣለና።

ስለዝኾነ ጀስቲን ጥራሕ'ዩ ሓቂ ተዛሩቡ ዘሎ።

ብኣሌክስ ቤሎስ ዝተዳለወ ግድል