‘ስደተኛታት ወረርቲ ኣይኰኑን’ - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝያዳ ተጻዋርነት ከርእያ ጸዊዖም።

እቶም ጳጳስ፡ ካብ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ ዝመጹ ጳጳሳትን መንእሰያትን ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳዊት ከተማ ማርሴ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ እዮም ነዚ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ መግለጺኦም "እቶም ኣብ ባሕሪ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ዘለዉ ሰባት፡ ወረርቲ ኣይኰኑን" ኢሎም።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ካብቶም መደረ ዝሰምዑ ተሳተፍቲ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝሒ ስደተኛታት ናብ ደሴት ላምፔዱ ኢጣልያ ድሕሪ ምእታዎም፡ እቲ ስደት ዝምልከት ክትዕ ዳግማይ ከም ዝተለዓለ ይፍለጥ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዓርቢ ናብ ማርሴ ክኣትዉ እንከለዉ ዝተቐበሎም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን፡ ሃገሩ ካብታ ደሴት ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ስደተኛ ከም ዘይትቕበል ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሰኑይ ክሳዕ ረቡዕ ኣስታት 8,500 ሰባት ብ199 ጀላቡ ናብ ላምፔዱሳ ከም ዝኣተዉ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ስደት ህጹጽ ኵነታት ዘይኰነስ "ናይ ዘመንና ክውንነት እዩ፡ ኣብ ዙርያ ማእከላይ ባሕሪ ዝርከባ ሰለስተ ኣህጉራት ዘጠቓልልን ብጥበባዊ ኣርሒቕካ ምርኣይን ከምኡ’ውን ብኤውሮጳዊ ምላሽን ክመሓደር ዘለዎን መስርሕ" እዩ ኢሎም።

"ልዕሊ ኵሉ ዝድመጽ ናይ ቃንዛ ኣውያት ኣሎ። እዚ ዝተዓንቀፈ ኣውያት ስደተኛ ኣሕዋትን ኣሓትን ንማእከላይ ባሕሪ፡ ካብ ዓንዲ ስልጣነ ናብ መቓብር ይቕይሮ ኣሎ" ክብሉ ነቲ ኵነታት ገሊጾምዎ።

ብተወሳኺ እቲ ቀንዲ ክኸውን ዘለዎ "ምዕቃብ ጽቡቕ ሂወትካ" ዘይኰነስ፡ ብፍላይ ካብ ኲናት፡ ጥሜትን ድኽነትን ንዝሃድሙ ስደተኛታት ሕጋውን ስሩዕን መእተዊ" ክህሉ ጸዊዖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ምድሓን ናይ ሰብኣውነት ግዴታ ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስሚሮም።

"ኣብ ማዕበል ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዘጋጠሞም ሰባት ክድሕኑ ኣለዎም" ብምባል፡ መንግስታት ካብ "ጽንፈኛ ዘይተገዳስነት" ከምኡ’ውን "ዘልምስ ፍርሕን" ክርሕቑ ኣጠንቂቘም።

እቶም ጳጳስ ምስ ፕረዚደንት ማክሮን እውን ብውልቂ ተዘራሪቦም’ዮም።

ኣሽሓት ሰባት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብታ ከተማ ክሓልፉ ንምርኣይ ናብ ጐደናታት ማርሴ ወጺኦም።

ኣብ ማርሴ ዝገብርዎ ወግዓዊ ዑደት፡ ኣብቲ ንፍልሰት፡ ከምኡ’ውን ቍጠባዊ ዘይምዕሩይነትን ለውጢ ክሊማን ዝምልከት መደብ ኣኼባታት ማእከላይ ባሕሪ ንምስታፍ’ዩ ነይሩ።

ሓደ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ፈረንሳ ዝዀነት ማርሴ ምብጻሕ ከካይድ እዚ ድሕሪ 500 ዓመታት ንፈለማ እዋን እዩ።