ኡጓንዳ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምጅማር ሕቶ ዕቝባ እናተሓጐሱ በቲ መስርሕ ግን የማርሩ

ነዋሕቲ ህንጻታት ዝርከቦ ማእከል ከተማ ካምፓላ፡ ተጓዓዝቲ ዝጸዓና ሞተርብሽክለታታት ኣብ ቀራና መንገዲ ይራኣያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 8 ደቓይቕ

ኡጋንዳ ንምሉእ ዓመት ደው ኣቢላቶ ዝጸንሐት ምቕባል ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳግማይ ብምጅማራ፡ ኣብ ሰንፈላል ከም ዝጸንሑ ዝዛረቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሩፍታ ከም ዝተሰምዖም ንቢቢሲ ገሊጾም።

እታ ካብ ኣፍሪቃ ስደተኛታት ብምቕባል ቍጽሪ ሓደ ዝዀነት ኡጓንዳ፡ ክሳዕ ታሕሳስ 2025 ኣብ ዝነበረ ግዜ 56,299 ምዝጉባት ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቝባ ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራትን ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ኡጓንዳን ይሕብር።

ኡጓንዳ ምቕባል ስደተኛታት ንዘይተፈልጠ ግዜ ደው እኳ እንተ ኣበለቶ፡ ዋሕዚ ኤርትራውያን ቀኒሱ ደኣ'ምበር ደው ከም ዘይበለ እዮም ኤርትራውያን ተቐመጥቲ ካምፓላ ዝገልጹ።

ሳሮን የማነ 11 ክፍሊ ኣብ ኣስመራ ወዲኣ ናብ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሳዋ) ክትከይድ ስለ ዘይመረጸት፡ 5,000 ዶላር ከፊላ ብመንገዲ ክልል ትግራይ ገይራ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊራ።

ኣብ ኢትዮጵያ ምቕባል ስደተኛታት ደው ስለ ዝበለ፡ ካብ ግፋ ሓሊፉ ናብ ኤርትራ ምምላስ ብምርኣያ ውሕስነት ስለ ዘይተሰምዓ፡ 2,000 ዶላር ከፊላ ናብ ካምፓላ ኣትያ።

ኣብ ካምፓላ ኣብቲ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝቕመጥሉ ቡንጋ ዝበሃል ከባቢ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ከይሓዘት ክትነብር ከም ዝጸንሐት ከኣ ትገልጽ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ምቕባል ዳግማይ ብምጅማሩ ሩፍታ ከም ዝተሰምዓ ትገልጽ፣ "ናብዚ ካብ ዝመጽእ ሕማቕ ዘጓነፈኒ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ፍቓድ መንበሪ ስለ ዘይብለይን እንታይ ከም ዘጋጥመኒ ስለ ዘይፈልጥን ግን ቅስንቲ ኣይነበርኩን፡" ትብል።

"ኵሉ ግዜ ሰንፈለል ኢኻ ትብል፣ ክትወጽእ ከለኻ ርእሰ-ምትእምማን የብልካን። ዝዀነ ሕጋዊ ወረቐት ስለ ዘይብልካ ድማ ናብ ካልእ ሃገር ንምኻድ ፕሮሰስ ክትጅምር ኣይትኽእልን ኢኻ።"

እንተዀነ ሳሮን፡ ነቲ ግዜ ክትከስሮ ስለ ዘይደለየት ካብቲ ኣብ ካምፓላ ዝጸንሓቶ ሸሞንተ ወርሒ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ኣካውንቲን ተማሂራ።

"ኣብዚ ምስ መጻእኩ ብኣካውንቲን ስራሕ ይርከብ እዩ ምስ በሉኒ፡ ወረቐት ዘይብለይ ክሰርሕ ከም ዘይክእል እኳ እንተ ፈለጥኩ ጀሚረ። ኣምላኽ ሓጊዙኒ ድማ ክውድእን ክጅመርን ሓደ ኰይኑ፡" ብምባል ትገልጽ።

ሳሮን ጀሚሩ ምስ ሰምዐት ናብቲ ኣብ ሜንጎ ዝርከብ መደበር ፖሊስ እኳ እንተ ተመላለሰት፡ ብሰንኪ "ብዝሕን ጸገማት ኣሰራርሓን" ክሰልጣ ኣይከኣለን ዘሎ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ መደበር ፖሊስ ተኣኪቦም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ከዘራርብ ቀንዩ እዩ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ቍጽሮም መንእሰያትን ኣደ ቘልዑ ምስ ደቀንን ነቲ ጐደና መሊኦሞ ይርኣዩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ፡ ብዙሓት ኣብ ክንዲ ኣብ ኵነታት ናይተን ዝቕበላና ሃገራት ንምርኰስ፡ "ኣብ ዓድና ዘሎ ሽግር ንምፍታሕ ንጽዓር፡" ክብሉ'ውን ተሰሚዖም።

ኣብ ኡጓንዳ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክልዕል ዝገበሮ እንታይ እዩ?

ካምፓላ
መግለጺ ስእሊ, ኡጓንዳ ንስደተኛታት ኢዱ ከፊቱ ዝቕበል ፖሊሲ ስደተኛታት እያ ትኽተል።
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእታ 2025 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብ 565,000 ክሳብ 600,000 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኣብ ምሉእ ዓለም ከም ዘለዉ ይገልጽ።

ካብኦም እቶም 54 ሚእታዊት ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ዘለዉ ኰይኖም፡ ብብዝሒ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኡጓንዳን ኬንያን ከም ዝርከቡ ይሕብር።

ኤርትራውያን ንሱዳን ከም መሰጋገሪ ናብ ሃገራት ምዕራብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከም ካልኣይቲ ሃገሮም እዮም ዝርእዩዋ።

ካብ 1960ታት ኣትሒዞም ካብ ምቅጻል ዓድታቶምን መቕተልትን ስርዓታት ኢትዮጵያ ሃዲሞም ኣብታ ሃገር ተዓቚቦም እዮም።

ኤርትራውያን ብሕልፊ ካብ ዓመተ 2002 ኣትሒዞም ብልዑል ቍጽሪ ናብ ሱዳን ክስደዱ ተራእዮም።

ኣብ 2023 ሱዳን ናብ ውግእ ሓድሕድ ኣብ ዝወደቐትሉ እዋን፡ ኣስታት 134,000 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኣብታ ሃገር ከም ዝነበሩ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

ዝበዝሑ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝርከባ ከም ሸግራብን ወድሸሪፈይን ዝኣመሰላ መዓስከራት ዝነብሩ ክዀኑ ከለዉ፡ ኣስታት 100,000 ኣብ ከሰላ (መዓስከራት)፡ 14,000 ኣብ ገዳርፍ፡ ኣስታት 10,000 ድማ ኣብ ካርቱም ይቕመጡ ምንባሮም ወሲኹ ይገልጽ።

እቲ ኲናት ምስ ተላዕለ፡ ኣብ ከቢድ ኵነታት ወዲቖም ብዘይመግቢ፡ መጽለሊን ከለላን ከም ዝተረፉ ኣብ አእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ብዙሓት ካብኦም ብብዙሕ ጸበባ ናብ ኢትዮጵያን ኡጓንዳን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ገለኦም ናብ ግብጽን ኤርትራን ክኸዱ ተገዲዶም። ካልኦት ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣብታ 'ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልውላው' ዘጓነፋ ሱዳን ተሪፎም ኣለዉ።

እቲ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ክቕበል ዘይርአ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቶም ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ዳግማይ ክወጽኡ ስለ ዘፍቀደሎም ግን ሓያሎ ካብኦም ብበረራ ናብ ኡጓንዳ ኣትዮም።

እታ ድሕሪ ሱዳን ብኻልኣይ ደረጃ ኤርትራውያን ስደተኛታት እተዕቍብ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2018 ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን፡ ዝምድና እዘን ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ሃዋሁ 'ኣይሰላም ኣይኲናት' ዝነበራ ሃገራት ዕርቀ-ሰላም ብምውራደን፡ ሓያሎ መንእሰያት ኤርትራ (ስድራቤታት ከይተረፈ) ናብ ኢትዮጵያ ክውሕዙ ተራእዮም።

እንተዀነ፡ ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ (ኣራ) ምቕባል ጠጠው ኣብ ርእሲ ምባሉ፡ ንኣሰራርሓኡ "ዘይንጹርን ዝተሓላለኸን" ስለ ዝገበሮ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ ፍቓድ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ተገዲዶም።

ብ3 ሕዳር 2020 ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ኣብ መዓስከራት ማይዓይንን ዓዲሓርሽን ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሽግር ወጺቖም፤ ንመቕተልቲ፡ ዓመጽን ግዱድ ምምዝባልን ተቓሊዖም።

ኣብ ሰነ 2021፡ ልዕሊ 20,000 ካብኣቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝርከብ እኹል ቀረብን ብቑዕ ምሕደራን ዘይብሉ ኣብ ጥቓ ከተማ ዳባት ዝርከብ ሓድሽ መዓስከር ኣለምዋጭ ክዕቀቡ ተገዲዶም፣ ንዅሉ ዓይነታት ሕጽረታት፡ መጭወይቲ፡ ራስያን መቕተልትን ድማ ተቓሊዖም ይርከቡ።

እቶም ናብ ኲናት ትግራይ ብሓባር ዝወፈሩ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምድናኦም ተበቲኹ ናብ ምትፍናን ምስ ኣተዉ፡ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን (ዋላ እቶም ወረቐት ዘለዎም) ኣደዳ ግፋ፡ ማእሰርቲ፡ ገንዘባዊ ምዝመዛን ግዱድ ምስጓጕ ናብ ኤርትራን ክዀኑ ተራእዮም።

ካብዚ ንምህዳም ድማ ሓያሎ ናብታ ማእከል ውሕስነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኰይና ዘላ ኡጓንዳ ውሒዞም።

እቲ ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝሃደመ ምስቲ ካብ ኤርትራ ብነፋሪት ዝወጽእ ተሓዊሱ፡ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኡጓንዳ ብልዑል ቍጽሪ ክውስኽን ካልእ ረቛሒታትን ተሓዊሱዎን፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከምኡ'ውን ባይቶን ኡጓንዳ ኣጀንዳ ክኸውን ተራእዩ።

ኣብ ጥሪ 2025 ድማ ደው ኢሉ።

ምቕባል ስደተኛታት ደው ዘበለ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ኡጓንዳ ንስደተኛታት ኢዱ ከፊቱ ዝቕበል ፖሊሲ ስደተኛታት እያ ትኽተል። ኣብ ታሕሳስ 2025 ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ዳርጋ ናብ ክልተ ሚልዮን ዝገማገም 1,971,983 ስደተኛታት ኣአንጊዳ። ንዓመት ድማ ኣስታት 100,000 ሓደስቲ ሓተትቲ ዕቝባ ትቕበል።

ሓተትቲ ዕቝባን ስደተኛታትን ኣብ ድጂታዊ መዝገብ ተመዝጊቦም ኣብታ ሃገር ዘጽንሖም ሰነድ ይሕዙ። ካብታ ሃገር ወጺኦም ክንቀሳቐሱ ምስ ዝደልዩ ድማ ናይ መገሻ ሰነድ (travel documents) ብቐሊል ይረኽቡ።

ሓተትቲ ዕቝባን ስደተኛታትን ሓያሎ መሰላት ኣለዎም፤ ናጽነት ምንቅስቓስ፡ መሰል ስራሕ፣ ከምኡ'ውን ከም ክንክን ጥዕና፡ መባእታዊ ትምህርቲ ወዘተ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ይረኽቡ።

ነዚ መሰል'ዚ ተጠቒሞም ድማ ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ዕዮ ተዋፊሮም ህይወቶም ክመርሑን ደቆም ከምህሩን ይርኣዩ። እቶም ዝበዝሑ ድማ ከም መሰጋገሪ ተጠቒሞም ናብ ሃገራት ምዕራብ ይቕጽሉ።

ኣብ መወዳእታ ዓመት 2025 ብትካል ስደተኛታትን ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተርን ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ብዝሒ ስደተኛታት ብምስዳድ፡ ኣብ ኡጓንዳ ድሕሪ ደቡብ ሱዳን (1,033,650)፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ (649,072)፡ ሱዳን (92,889)፡ ኣብ ራብዓይ ደረጃ (56,299) ትርከብ።

(ኤርትራ ብኣንጻሩ፡ 117 ስደተኛታት ከም ዝተቐበለት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።)

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኡጓንዳ፡ ኣብ ካምፓላን ኣብ ውሱን ከባቢታትን ተኣጒሮም ስለ ዝነብሩ፡ ተጠመትቲ ክገብሮም ከም ዝኸኣለ ገለ ተቐመጥቲ ካምፓላ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

እቶም ካብ መዳውብቲ ኡጓንዳ ዝመጽኡ ኣብቲ ዓዲ ክወሃሃዱ ኣይጽገሙን፣ ኤርትራውያን ግን ብባህሊ ኰነ ሕጽረት መረዳድኢ ቋንቋ ርክባት ክፈጥሩን ክወሃሃዱን ኣይረኣዩን።

ኡጓንዳ ነቶም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ምስቲ ዝቕበሎም ሕብረተሰብ ንምውህሃድ ዘኽእል መስርሓት (Migrant integration policies) ስለ ዘይተዘውትር ከምኡ'ውን ኤርትራውያን ብዘዘውትሩዎ ፍሉይ ባህርያት ጐሊሖም ክርኣዩ ከም ዝገበሮም ይግለጽ እዩ።

መንግስቲ ኡጓንዳ ብደረጃ ፖሊሲ ዝቐየሮ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ብመረረ ክብሪ ክራይ ገዛ፡ ምሽማው ጸጋታት፡ ዕዮ፡ ረብሻን ካልእን ካብ ሕብረተሰቡ ጸቕጢ ክመጽኦ ይኽእል እዩ።

እንተዀነ፡ እቲ ንኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሶማላውያንን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባ ምቕባል ደው ዘበለ ምኽንያት፡ ብሰሪ ደገፍ ለገስቲ ሃገራት ብልዑል መጠን ምንካዩ ምዃኑ፡ ምኒስተር ረድኤት፡ ምድላው ሓደጋን ስደተኛታትን ናይታ ሃገር ኢላሪ ኦንክ ገሊጹ ነይሩ።

"ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ፡ ኢትዮጵያንን ሶማልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኲናት ስለ ዘየሎ፡ ካብአን ዝመጽኡ ስደተኛታት መሰል ዕቝባ ከይወሃቦም ንቤትጽሕፈታትና መምርሒ ሂበዮም ኣለኹ፡" ኢሉ ነይሩ - ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2025 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

እቲ ምኒስተር ብተወሳኺ፡ ምስተን ስደተኛታት ዝመጽኡለን ሃገራት፡ ኲናት ደው ኣቢለን ሰላም ከንግሳን ዝተሰዱ ዜጋታተን ክመልሳን ይዘራረቡ ምህላዎም ገሊጹ ነይሩ።

ናይ ኡጓንዳ ፖሊሲ ስደተኛታት ሓቛፊ፣ ከምኡ'ውን እቶም ሰባት ክሰርሑ፡ ክነግዱ፡ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነቶምን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክረኽቡን ምቹእ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ምኒስተር፡ ሕጂ ግን ብቝጠባ ጾር ይዀኖም ከም ዘሎን ሃገሩ ኣስታት 2 ቢልዮን ሽልን ኡጓንዳ ንስደተኛታት ከም እተውጽእን ኣብሪሁ።

ኡጓንዳ ካብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) 240 ሚልዮን ዶላር ንዓመት ትረክብ ከም ዝነበረት ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ወሲኹ ኣስታት 2 ሚልዮን በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን ግን ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ ትሕቲ 100 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ዓመት፡ 18 ሚልዮን ዶላር ጥራሕ ከም ዝተቐበሉ ዝገለጸ እቲ ምኒስተር፡ እቲ ጾር ኣብ እንግድዓ ህዝቦም ብምውራዱ፡ እቲ ኵነታት ኣሰካፊ ምዃኑን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ መፍትሒ ክደልየሉ ተላብዩ።

'ዳግማይ ብምጅማሩ ሕጕሳት ኢና፣ ምዝመዛ ግን ኣየቛረጸን'

ምቕባል ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ጀሚሩ ምስ ተባህለ፡ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተሰዱ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ቀጽሪ መደበር ፖሊስ ሜንጎን ኣብ ኦልድካምፓላ ዝርከብ ንጉዳያት ስደተኛታት ዝርኢ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር (OPM)ን ብልዑል ቍጽሪ ተኣኪቦም ተራእዮም።

እቶም ስደተኛታት፡ ገለኦም ነቲ ቀዳማይ መስርሕ ኣብ ፖሊስ ቀሪብካ ሕቶ ምቕራብ፣ ዝተረፉ ድማ ካብ እንዳ ፖሊስ ሰጊሮም ኣብ መዝገብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዘድሊ ቅጥዒ ዘየማልኡ እዮም።

"ዳግማይ ብምጅማሩ ሕጕሳት ኢና፣ ምዝመዛ ግን ኣየቋረጸን፡" ዝበለ ኣስመሮም ነጋሲ (ሓቀኛ ስሙ ተቐዪሩ እዩ)፡ "ኣብ ካምፓላ ብዘይመንቀሳቐሲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት እየ ጸኒሐ፤ ተጀሚሩ ምስ በሉኒ ድማ ንኽልተ ሰሙን ተመላሊሰ። ሪጋ ሒዘ ክሰልጠኒ ግን ኣይከኣለን፡" ይብል።

"ፈለማ መዓልቲ ዝኸድክሉ 50 ሰባት ዝዀኑ ተቐቢሎም፣ ሽዑ፡ 'ንሎሚ ነዚኦም ጥራይ ኢና ነሳልጥ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ከኣ 'ኤርትራውያን ሰሉስን ሓሙስን ጥራይ ኢና ንሰምዓኩም። ሕጂ ናብ ዝመጻእኩምሉ ቦታ ክትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም' ኢሎም ኣፋንዮምና። ሽዑ ሰሉስን ሓሙስን ከይደ ኣይሰለጠንን። ደሓር ኣማራጺ ምስ ሰኣንኩ። ንኽሰልጠኒ ንዘሳልጡ ገንዘብ ከፊለ ተመዝጊበ።"

እቲ ገንዘብ ንመን እዩ ዝኽፈል? ስለምንታይከ ትኸፍሉ? ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ "ኣብቲ ደገ መካይኖም ሒዞም ዝጽበዩ ኡጓንዳውያን፡ ኤርትራውያን ኣለዉ። ክትሓልፍ ምስ ርኣዩካ ቬትሮ መኪናኦም ከፊቶም ይጽውዑኻ። ኣዘራሪቦም ድማ፡ 'ክንውድኣልካ ኢና ተመዝገብ፣ ምሉእ ስምካ ሃበና ይብሉኻ። ኣማራጺ ስለ ዘይብልና ድማ ንሰማማዕ፡" ይብል።

እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ድማ ናብ እንዳ ፖሊስ ከሳልጡልካ ካብ 200,000 ክሳብ 300,000 ሽልን (ካብ 57 ክሳብ 86 ዶላር)፣ ናብ ኦፒኤም ድማ 500,000 ሽልን (143 ዶላር) ከም ዝሓተቱዎ ገሊጹ።

እቶም ኡጓንዳውያንን ኤርትራውያንን ኣሳለጥቲ በበይኖም ምዃኖም ዝገለጸ ኣስመሮም፡ "እቶም ኡጋንዳውያን ሓደ ዕስራ ሰባት ምስ ኣከቡ፡ ትኽ ኣቢሎም የእትዉኻ።

እቲ ቬትሮ መኪናኦም ጸሊም ስለ ዝዀነ ኣይርአን እዩ። ኣእትዮም ኣሳሊጦም ይሰዱኻ። እቶም ኤርትራውያን ኣሳለጥቲ ድማ ድሕሪ ሰዓት 7:00 ናይ ምሸት ደዊሎም ይእክቡኻ ደሓር የእትዉኻ፣ ወዲኦም ድማ ናብ OPM ይሰዱኻ፡" ይብል።

እቲ ሕጊ ዝዀነ ክፍሊት ከም ዘይብሉ እናፈለጥኩም ንምንታይ ትኸፍሉን መስርዕኹም ዘይትጽበዩን ንዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ንሕና ፍርሒ ኣለና፤ ከይዕጾ ንፈርሕ፣ ብዘይመንቀሳቐሲ ክንዛወር እውን ንፈርሕ። ብዘይመንቀሳቐሲ ኣብዚ ዓዲ ምንባር ውሕስነት የብልናን። ገፊፎም ናብ ዓድና ከይመልሱና ንፈርሕ፡" ክብል የብርህ።

"ስለዚ፡ እዚ ኣብዚ ዘሎ ሰብ ብገንዘብ ድዩ ብዘይገንዘብ ብዝቐልጠፈ ወረቐት ናይ ስደተኛ ክሕዝ ጥራይ እዩ ዝደሊ። እምበር፡ ብዙሓት ሰባት ሓንሳብ ተጸበዩ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ወይ ወርሒ ክቕየር እዩ!' ይብሉና እዮም። ክንጽበ ክንብል ደው ተበለኸ ደሓር እንታይ ውሕስነት ኣለና፧' ኢልና ኢና ንጓየ ዘለና።"

ብዘይካ ንኣስመሮም፡ ሓበን ኣፈወርቂ (ስማ ዝተቐየረ) ዝተባህለት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ እንዳ ፖሊስ ወረቐት ወዲኣ ናብ ኦፒኤም ምስ ከደት ተቛሪጹ ንዝነበረ ዘሎ መስርሕ ከተብርህ ከላ፡ "ኣነ ኣብ እንዳ ብፖሊስ ዓሚ እየ ወዲአ ነይረ። ናብ ኦፒኤም መጺአ ኣሳይለም ንኽወሃብ ሪጋ ምስ ሓዝኩ ግን ከም ብሓድሽ ናብ እንዳ ፖሊስ ከይድኪ ኣሕድስዮ ኢሎምኒ።

"ሕጂ ኣብዚ እንዳ ፖሊስ ሪጋ ሒዘ ኣለኹ። ክሰልጠኒ ግን ኣይከኣለን ዘሎ። ሕጂ እቲ ኣማራጺ ከም ሰበይ ብሰልዲ ደጊመ ከሕድሳ እየ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 100,000 ሂበ እየ ኣውጺአያ ነይረ። ሕጂ ግን 300,000 ሽልን እዩ ዘሎ፡" ትብል።

እቶም ደቂ ካልኦት ሃገራት ግን ብዘይገንዘብን ብስሩዕ መስርሕን ከም ዘሳልጡ ክልተኦም ይሰማምዑ።

ኣብቲ ሃገር ንልዕሊ 10 ዓመት ዝተቐመጠ ኤርትራዊ ኣውፋሪ ንምንታይ ኤርትራውያን ነቲ ብናጻ ዝርከብ ኣገልግሎት ገንዘብ ይኸፍሉ ከብርህ ከሎ፡ "እቲ ቀንዲ ጸገም ካብ ዓድና ሒዝናዮ እንመጽእ ፍርሒ እዩ፣ ፍርሒ ናይ ቤትጽሕፈትን ሰበስልጣንን ኣለና።

ኣሽንኳይ እዞም ንኣሽቱ ደቅናን ኣሕዋትናን ንሕና ካብዚ ኵነተ-ኣእምሮ ክንወጽእ ብዙሕ ተሸጊርናን ኣብ ስራሕና ጐዲእናን እዩ፡" ይብል።

ቀጺሉ፡ "መሰረታዊ ነገር እቲ ካብ ሽግር ክትረብሕ ናይ ምድላይ ኣተሓሳስባ እዩ። ግን ድማ እቲ ሰብ ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ከመይ ይኽተልን ብኸመይን ከስልጦ ይኽእልን ዝብሉ ሕቶታት ምምላሶም ይሽገር እዩ። ጸቕጢ ኣለዎ፡ ፍርሒ ኣለዎ፡ ናይ ቋንቋ ሕጽረት ኣለዎ፣ ነገራት ብኣቋራጭ ናይ ምርካብ ልምድን ድሌትን'ውን ኣሎ። ብዝሒ ስደተኛታት፡ ዋሕዲ እቶም ወሃብቲ ኣገልግሎትን ናይቶም ሰብመዚ ካብቲ ጉዳይ ናይ ምጥቃም ድሌትን ተሓዊስዎ ድማ እቲ ነገር ናብ ንቡር ይቕየር ማለት እዩ፡" ክብል የብርህ።

እዚ ብተደጋጋሚ ዝርአ ጸገም ንምፍታሕ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ይህብ፣ "ከምቲ እቲ ትካል ዘተኣታትዎ ዘሎ ድጂታዊ ኣሰራርሓ ብምጥቃምን ሰባት ኣብ ቈጸራኦም ባዕሎም ጥራይ ክርከቡ ብምግባርን ክቕንስ ይኽእል እዩ። ካልእ'ውን ነቶም ስደተኛታት ዘገልግል ብባዕሎም ዝቘመ ማሕበር ድዩ ትካል፡ ዕግርግር ዝውገደሉ ሜላ ብምፍጣርን ሰባት ካብ ግቦን ካልእን ዝላቐቑሉ ከይዲ ብምትእትታው ክቕየር ይኽእል እዩ፡" ይብል።

ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ብ16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኵነታት ኤርትራ ከም ዘይተመሓየሸ ኣብሪሁ ነይሩ።

ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ግጭታትን ዘይምርግጋእን እኳ እንተሎ፡ ዋሕዚ ስደት ግን ከም ዘየቋረጸ ይግለጽ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ውሕስነት ክስምዖም ስለ ዘይከኣለ፡ እታ ሓንቲ ተሪፋቶም ዝነበረት ኡጓንዳ ምቕባል ስደተኛታት ደው ብምባላ ኣብ "ከቢድ ቅልውላው" ኣትዮም ከም ዝነበሩ እዮም ዝገልጹ።

እዚ ዳግማይ ምጅማር ድማ ተስፋ ሂቡዎም ከም ዘሎ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ይገልጹ።

እተን ምርዑዋት ኮነ ደቀን ሒዘን ኣብ ሃገራት ምዕራብ ምስ ዝርከብ ብዓልቤተን ክራኸባ መስርሕ ክጅመር ዝጽበያ ዝነበራ ድማ ሩፍታ ፈጢሩለን ኣሎ።