ሓላፊ ቢቢሲ ምስ ጉዳይ ጋሪ ሊንከር ብዝተሓሓዝ ፈነወ ብምቁራፁ ይቕሬታ ሓቲቱ

ዋና ዳይሬክተር ቢቢሲ ቲም ዳቪ ምስ ጉዳይ ጋሪ ሊንከር ብዝሓሓዝ ንሓደ መዓልቲ ከይተፈነወ ብዝተረፈ ፕሮግራም ንኸፈልቲ ፍቓድ ተሌቪዥን ይቕሬታ ሓቲቱ።

እቲ ፕሮግራም ተሌቪዥን ከይተመሓላለፈ ዝተረፈሉ ምኽንያት፡ ኩሎም ኣቕረብትን ተንተንትን ነቲ ምስ ቢቢሲ ናብ ዘይምርድዳእ ኣትዩ ዘሎ ኣቕራቢ እቲ ምድላው ሊንከር ዘለዎም ድጋፍ ንምግላፅ ኣብቲ ናይ ቀዳም ፈነወ ከይተረኸቡ ብምትራፎም እዩ።

ብሰንኪ’ቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ድማ ‘ማች ኦፍ ዘ ደይ’ [ናይቲ ዕለት ፀዋታ] ብዝብል ዝመሓላለፍ ሰሙናዊ መደብ ቴሌቪዥን ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኣየር ካብ ዝፀንሓሉ እዋን ብምንካይ ን20 ደቓይቕ ጥራሕ ክቐርብ ተገዲዱ’ሎ።

ጋሪ ሊንከር ነቲ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብዚ ቕነ ወግዓዊ ዝገበሮ ሓድሽ ሕጊ ስደተኛታት ብምንቃፍ ርእይትኡ ብምሃቡ ካብ ስርሑ ከምዝተኣገደ ይፍለጥ።

ሓላፊ ቢቢሲ ዳቪ ነዚ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ መንግስቲ ከምዘየገደዶ ገሊፁ’ሎ።

ትማሊ ቀዳም ብዘይ ኣቕራቢ ኣብ ዝተፈነወ ምድላው ‘ማች ኦፍ ዘ ደይ’፤ ብዘይተንተንቲ ስፖርት ዝቐረበ ኮይኑ፤ ኣለን ሺረንን ኢያን ራይትን እውን ኣይተረኸቡን።

ቲም ዳቪ እቲ መዓልቲ ንቢቢሲ “ከቢድ” ከምዝነበረ ብምእማን “ፍታሕ ንምምፃእ ብዕቱብ ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ።

ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ቃለ መሕትት “ዓወት ማለት ንዓይ: ንጋሪ ናብ ፈነወ ክምለስን ንተኸታተልትና እቲ ኣዝዩ ዓብዪ ዝኾነ ምድላው ስፖርት ክበፅሖምን ምግባር እዩ። ሎምዓልቲ ነቲ ምድላው ክነቕርብ ብዘይምኽኣልና ሓዘን ተሰሚዑኒ'ሎ” ክብል ተዛሪቡ።

ቅድሚ ሎሚ ንዓቃባውያን ሰልፊ ሓገዝ ገንዘብ ብምሃቡን ቀዳማይ ሚንስትር ነበር ቦሪስ ጆንሰን ናይ 800 ሽሕ ፓውንድ ልቓሕ ክረክብ ገይሩ ብዝብልን ካብ ሓላፍነቱ ክለቅቕ ሕቶታት ይቐርበሉ ኣሎ።

በዚ ጉዳይ ካብ ሓላፍነቱ ከምዘይለቕቕ ብፅኑዕ ዘፍለጠ ዳቪ፡ እቲ ኩነታት ግን “ንቢቢሲ ኣዝዩ ፈታኒ እዋን ከምዝኾነ” ተኣሚኑ።

ምስቲ ጋሪ ሊንከር ኣብ ጉዳይ ሓድሽ ሕጊ ስደተኛታት ብትዊተር ዘሕለፎ መልእኽቲ ብዝተሓሓዝ፤ ኣብ ልዕሊኡ መንግስታዊ ፀቕጢታት ከምዝበፅሖ ንዝቐርብ ዘሎ ርእይቶታት ድማ ቅቡል ከይገበረ ተሪፉ።

ሊንከር “ኣብ ናይ ሰልፊ/ውድብ ጉዳያት ፖለቲካ ኢዱ ብምሕዋሱ” ስርሑ “ደው ከብል” ከምዝተሓተተ እቲ ሓላፊ ኣረዲኡ።

መንቀሊኡ እንታይ እዩ?

ፍሉጥ ተንታኒ ስፖርት ጋሪ ሊንከር ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብማሕበራዊ ሚድያ ዘሕለፎ መልእኽቲ ስዒቡ ስርሑ ደው ከብል ብቢቢሲ ከምዝተሓተተ ይዝከር።

ንመሰላት ስደተኛታት ዝጣበቕ ሊንከር፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ብመትረብ (ቻነል) እንግሊዝ ኣቢሎም ዝኣትዉ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ወይ ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ክመልሶም ምዃኑ ዝሕብር ሕጊ ወግዓዊ ምግባሩ ነቒፉ’ሎ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ነዚ ሕጊ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ንዝተጠቐሞም ቃላት ምስቲ ኣብ 1930ታት ዝነበረ ናዚ ጀርመን ብምምስሳል’ዩ እቲ ተንታኒ ስፖርት ርእይትኡ ሂቡ።

እዚ ርእይትኡ ድማ ካብ ፖለቲከኛታት ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ሰፊሕ ነቐፌታታት ዝቐረበሉ ኮይኑ፤ ቢቢሲ ብወገኑ ንፖሊሲ ዘይሻራውነት እቲ ትካል ዝጥሕስ ርእይቶ ብዝብል ካብቲ ዘቕርቦ ተፈታዊ መደብ ስርሑ ደው ከብል ሓቲትዎ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ መደባት ስፖርት ዘይተሓሰቡ ለውጢታት ተገይሮም። እቲ ትማሊ ዝተፈነወ ምድላው ‘ማች ኦፍ ዘ ደለይ’ ብዘይተንተንቲ ስፖርት ካብ ምቕራቡ ብተወሳኺ፤ ሞያዊ ርእይቶ ዝህቡ ኪኢላታት ብዘይምንባሮም እቲ ካብ ስታድየማት ዝጋዋሕ ድምፂ ጥራይ ይስማዕ ነይሩ።