እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደ ማራቶን ኣብ መዓልቲ - ን365 መዓልታት ዝጐዪ ዘሎ ሰብ
እቲ ን365 ማራቶን - ሓደ ማራቶን ንመዓልቲ - ዝጐዪ ዘሎ ጐያዪ ዝሓለፈ ሰሙን ንመበል 310 ግዜኡ ብምጕያይ ዕላማኡ ንኽወቅዕ ንቕንያት ልደት የማዕዱ ኣሎ።
ጋሪ ምኪ ዝስሙ ወዲ 52 ዓመት እንግሊዛዊ - ካብ ክሊተር-ሞር እትበሃል ቍሸት (ኣብ ካምብርያ ዝበሃል ዞባ እንግሊዝ) - ካብ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ሓደ ማራቶን ንመዓልቲ ብምጕያይ ንዓለም የዛርብ ኣሎ።
ዕላማ ጋሪ ምኪ ክብረ-ወሰን ንምስባር ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ንሕሙማት መንሽሮ ዝሕግዛ ማሕበራት ገንዘብ ንኸዋጽኣለን ኢሉ’ዩ መዓልቲ-መዓልቲ ዘብ-ዘብ ዝብል ዘሎ።
ጋሪ ምኪ፡ ዓሚ’ውን ተመሳሳሊ ኣብ መብጽዓ ዝተሞርኰሰ 110 ማራቶናት ኣብ 110 መዓልታት ብምጕያይ ብርክት ዝበሉ ኣርእስተ-ዜናታት ፈጢሩ ነይሩ’ዩ። እዚ ዓመት’ዚ ኸኣ መብጽዓኡ ካብ 110 መዓልታት ማራቶን ናብ 365 ኣደይብዎ ይርከብ። ጕያኡ ምስ ወድአ ድማ ማዕረ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ-ስተርሊን ንማክሚላን-ክንክን-መንሽሮ ዀነ ሆስፒታል-መንበሪ-ሽማግለታት ክእክብ ተስፋ ኣለዎ።
እቲ ዘገርም ነገር፡ እዚ ጐያዪ’ዚ መዓልታዊ ስራሕ ኣለዎ። ጋሪ ምኪ ኣብ ሓደ ‘ሰላፊልድ’ ዝበሃል ንኑክሌሳዊ-ጐድፍ ዘጻሪ ትካል’ዩ ዝሰርሕ። ብጊሓት ወጺኡ ይጐዪ’ሞ ድሕሪ-ቀትሪ ኣብ ስራሕ ይኣቱ።
እዚ ተታሒዝዎ ዘሎ ጕያ-365 ብዙሕ መስዋእቲ’ዩ ዝሓትት። ዕማም ጕያኡ ንኸካይድ ካብ ኣዕሩኽቱ ተፈልዩ፡ ካብ ማሕበራዊ ናብራኡ ተኣልዩ፡ ካብ ፓብ (መዘናግዒ ቤት መስት) ርሒቝ፡ ዓመታዊ ምስ ስድራቤቱ ዝገሸሉ ግዜ ዕረፍቱ ወፍዩ’ዩ ዝጐዪ ዘሎ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት በዳሂ ጕያ ዝኣተወሉ ምኽንያት ንተዘክሮታት ኣቦኡ ወላዲኡ ንከኽብር ክብል’ዩ ኣትዩዎ። ኣቦኡ ብ1997 ብሕማም መንሽሮ ምስ ተታሕዘ እቶም ዘልዕልዎ ዝነበሩ ርህሩሃት ማሕበራት ጽቡቕ ስለ ዝገበሩሉ፡ ብሕልናኡ ተቐሲቡ ዕዳኡ ንምምላስ ብጕያ ገንዘብ ከዋጽኣሎም ጀመረ። ኣቦኡ ብ2003’ኳ እንተ ሞተ ጋሪ ገና ብጕያ ይኽሕሶም ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ ጋሪ ምኪ ንሕሙማን መንሽሮ ገንዘብ ንኽእክብ ኢሉ ኣብ ብርክት ዝበሉ ውድድራት ተኻፊሉ’ዩ። መደብ ሓገዝ ንሑሙማን ቅድሚ ዕስራ ዓመት’ዩ ጀሚርዎ። ካብኦም ሒደት ንምጥቃስ፡ ኣብ እምባ ክሊማንጃሮ (ታንዛንያ) ዝተኻየደ ማራቶን ጠሓሒሱ ደዪቡዎ’ዩ። ዓሚ፡ ቅድሚ 110 ማራቶናት ምጕያዩ፡ ካብ ደቡባዊ ጫፍ ዓዲ እንግሊዝ ክሳብ ሰሜናዊ ጫፍ፡ 970 ኪ.ሜ. ዝርሕቀቱ ቦታ ብጕያ በጺሑ’ዩ። ሽዑ ካብዚ ዝጐየኽዎ ብዝያዳ ንኽጐዪ ገና ዕቝር ዓቕሚ ኣሎኒ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። እንሆ ኸኣ ንጕያ-365 ክዛዝሞ ቀሪቡ ይርከብ።
“ንዓይ እዚ ዓይነት ጕያ’ዚ ንኽጐዪ ብዙሕ ኣየሸግረንን’ዩ፣ ንሓደ ማራቶን ብኣርባዕተ ሰዓት ወዲአ ንድሕሪ-ቀትሪ ስራሕ ክኣቱ ዳርጋ ለሚደዮ’የ። እቶም ብሕማም መንሽሮ ዝተታሕዙ ሰባት ክሳቐዩ ምርኣይ ግን ከቢድ’ዩ” ኢሉ ከም ዝተዛረበ ኣብ ጋዜጣታት ተዘርጊሑ ነይሩ።
“ኣቦይ ብመንሽሮ ሳምቡእ ክሳቐ ሕማቕ ግዝያት’ዩ ኣሕሊፉ፣ ብሓቂ ብዙሕ’ዩ ተሳቕዩ። እቲ ዝመነ ስቅያቱ ኵሉ ግዜ’ዩ ዝዝከረኒ። ሕጂ ሰባት ብመንሽሮ ክሳቐዩ ክርእዮም ኣየኽእለንን፣ ብዙሕ ገንዘብን ሓገዝን’ዩ ዘድልዮም። ምእንታኡ ኸኣ’የ ብጕያ ገንዘብ ክእክበሎም ዝተበገስኩ” ይብል ጋሪ ምኪ።
ሱ ማክዶናልድ እትበሃል ሓላፊት ማክሚላን-ማእከል-መንሽሮ ከም ዝበለቶ፡ “ንጋሪ ምኪ፡ በቲ ዓሚ ዝገበረልና ግዙፍ ሓገዝ ኣዚና ኢና ነመስግኖ፣ ሕጂ ኸኣ እንሆ ንጕያ-365 ተታሒዙዎ ማዕረ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ-ስተርሊን ንኽእክበልና ካብ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ቅንያት ልደት መዓልቲ-መዓልቲ ይጐዪ ኣሎ ... ከምዚ ዘኣመሰለ ትግሃትን ቈራጽነትን ክርድኣኒ ኣይክእልን” ኢላ ብኣድናቘትን ምስጋናን ትምስክር።
ዓሚ ማክሚላን-ማእከል-መንሽሮ ካብ ዝምስረት 110 ዓመቱ ክጽንብል ጋሪ ድማ ነቲ ማእከል 110 ማራቶናት ብምጕያይ ተሓወሶ። ጕያኡ ምስ ወድአ ነቲ ማእከል-መንሽሮ £110,000 ዝኣክል ገንዘብ ክእክብ ከሎ፡ ነታ ኣብ ዝነብረላ ንእሽቶ ከተማ ዝርከብ መሕደሪ ሽማግለታት ድማ ልዕሊ £10,000 ክእክብ ክኢሉ ነይሩ።
ኣልፊ፡ 16 ዝዕድመኡ ዓቢ ወዱ ምስ ስቲዋርት ዝበሃል ወዲ-ሓዉ ኰይኖም ብብሽክለታ ኣሰንዮሞ’ዮም። እቶም ክልተ ነኣሽቱ ደቁ - ሚኒ ምስ ቦ - እውን ንኣቦኦም ብዝከኣሎም ዓቕሚ ሓጊዞም’ዮም። ሓደ ከቪን ዝበሃል ዓርኩ’ውን ክሳብ55 ማራቶናት ዝውድእ ምስኡ ጐይዩ እዩ፣ እቲ ዝተረፈ ድማ ማይክል ዝበሃል ካልእ ዓርኩ ከም ዘሰነዮ ይፍለጥ።
ን 110 ማራቶናት ምስ ወድአ መቕርቡን ደቂ ዓዱን ሓጐሶም ክገልጹ ከለዉ፡ ጋሪ ንባዕሉ ግን ክንድቲ ንሳቶም ዝተሓጐስዎ ኣይተሓጐሰን ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ምስ ሓተትዎ ኸኣ “ሕጕስ’የ፣ ግናኸ እቲ ጕያ ደው ምስ ኣበልኩ እቲ በብመዓልቱ ዝእክቦ ዝነበርኩ ሓገዝ ገንዘብ ከብቅዕ ምዃኑ ስለ ዝርድኣኒ ቍሩብ ቅር ይብለኒ - እቶም ሕሙማት ዝያዳ ሓገዝ ከም ዘድልዮም እፈልጥ’የ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ።
ነበርቲ እታ ዝነብረላ ቍሸት - ክሊተር ሞር - ቍጽሮም 6,000-62,000 ጥራይ’ኳ እንተዀነ፡ በቲ ጋሪ ዘበርከቶ ግሩም ኣበርክቶ ሕቡናት ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ። ሽዑ ጕያኡ ምስ ወድአ ድማ ምስ ደቂ ዓዱ ቢራ ዓቲሩ ንቢራ ክሳብ ክንደይ ከም ዝናፈቘ ተዛሪቡ።
እንሆ ኸኣ ሕጂ ንናይ ዓሚ መብጽዓኡ ብዓሰርተ ዕጽፊ ኣባዚሑ ኣብ ጕያ-365 ይርከብ፤ ክዛዝሞ ድማ ቀሪቡ ኣሎ።
ሳዕቤን ጕያ ማራቶን ኣብ ሰብነትና
ጕያ ማራቶን ኣብ ኣካላትና ገለ-ገለ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ሓካይም ይገልጽዎ’ዮም፤ ንሰብነትና ሓጸልጸል’ዩ ዘብሎ። ጋሪ ምኪ ግን ንኣካላቱ ዝብድሁ ጸገማት ኣብ ግምት ከየእተወ ክሳብ ሕጂ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ኣብ ምጕንጻፍ ይርከብ።
ድሕሪ ጕያ ማራቶን ሰብነትና ንኽጥዒ ወይከኣ ኣብ ዝነበሮ ንኽምለስ እንታይ’ዩ ዘድልዮ? ብርክት ዝበሉ መርበባት ጥዕና ከም ዝሕብርዎ፡ ሓደ ሞያዊ ጐያዪ ማራቶን ድሕሪ ጕያ ብውሑዱ ንሓደ ሰሙን ከዕርፍ ከም ዝግባኦ ይሕብሩ።
ኣብ ናይ ርሑቕ ጕያ፡ ምናዳ ኣብ ጕያ-ማራቶን፡ ምስ እንሳተፍ ሰብነትና ካብ ዝግባኦ ንላዕሊ ስለ ዝሰርሕን ዝሃልኽን፡ ንዝተኸዘነ ጕልበትና መጽዩ’ዩ ዝውድኦ። ከምኡ’ውን ኣብ ዉሽጢ ኣካላትና ዝርከብ ፈሳሲ ኣንቂጹ ንጭዋዳታትና ብምህሳይ (ከም ሓውሲ ምብሳዕ) ከድክመና ስለ ዝኽእል ንኣካላትና ናብ ንቡር ንክንምለሶ ዕረፍቲ የድልየና።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት ቅልል ዝበለ ምውስዋስ ኣካላት፡ ከም ምሕንባስ፡ ሓጺር ጕያ፡ ወይከኣ ብብሽክለታ ምንቅስቓስ፡ ኣድላዪ’ዩ።
እቲ ዘገርም ግን ጋሪ ምኪ መዓልቲ-መዓልቲ ከየዕረፈ ሓደ ማራቶን ክጐዪ ብምኽእሉ’ዩ። እቶም ጕያ-ማራቶን ዘስዕብዎም ድኻማት ከመይ ኢሉ ክጻወሮም ይኽእል ንባዕሉ ካልእ ሓቶታት'ዩ ዘስዕብ። “ድሕሪ ጕያ ኣብ ስራሕ ምስ ኣተኹ ኮፍ ኣይብልን’የ፣ ብእግረይ ላዕልን ታሕትን’የ ዝብል” ይብል ጋሪ።
ጋሪ ምኪ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ከባቢ ለንደን ዝርከብ ስታድዩም ክጐዪ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብቲ ጕያ ንዅሎም ግዱሳት ሰባት ምስኡ ክጐዩ ዓዲሙዎም ኣሎ።
ሞ-ፋራሕ፡ እቲ ዓሰርተ ወርቂ መዳልያ ዝተሸለመ ህበቡ ጐያዪ፡ ሽዑ ምስኡ ክጐዪ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎ ኣድናቘት’ውን ገሊጹ።
እዚ ብጸሓይን ብማይን ከይተሰናኸለ ብቐጻሊ ዝጐዪ ዘሎ ሰብ ዒምም ከይበለ፡ ንግሆ-ንግሆ ዕጥቍ ዓጢቝ ብቘራጽነት ንሕሙማን መንሽሮ ክሕግዝ ብምብጋሱ “ብሓቂ ተጸዋርነቱ ንምእማን ዘሸግር’ዩ” ክብል ሞ-ፋራሕ ገሊጹዎ። ጋሪ ምኪ ድማ ሞ-ፋራሕ ከምዚ ዘኣመሰለ ድጋፍ ብምሃቡ ኣዝዩ ኣሐጒስዎ።
ሓንቲ ደኒስ ዊልያምስ ዝተባህለት ነርስ - ኣብ ሓደ እቲ ጐያዪ ዝሕግዞም ዘሎ እንዳ መሕደሪ ሽማግለታት እትሰርሕ - “ንጻዕርን ቈራጽነት ጋሪ ምኪ ኣዝየ’የ ዘድንቕ” ትብል። “ኣበርክቶኡ ገንዘብ ንምውፋይ ጥራይ ዘይኰነ ብሕማም መንሽሮን ብጸገማት ሽማግለታት ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ዓይኖም ከንቍሑ ብምኽኣሉ’ዩ” ኢላ ንኣድናቘታ ምስጋና ወሲኻ ትምስክረሉ።
ማይ ክወቅዕ፡ ዛሕሊ ኣየር ከንቈልቍል፡ ወይ ከኣ ሙቐት ምስ ዝሕይል፡ ጋሪ ንኸዕርፍ ከም ምኽንያት ኣይጥቀመሎምን’ዩ። ይብል ከኣ፡ “ኵነታት ኣየር ካብ ቍጽጽረይ ወጻኢ ስለ ዝዀነ ዕሚም ከይበልኩ ክምክቶ ከም ዝግብኣኒ እፈልጥ’የ፣ ኰይኑ ድማ ከም ዕንቅፋት ገይረ ኣይርእዮምን’የ። እቶም ብሕማቕ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት ዘሕልፍዎ ስቓይ ወትሩ ጦብላሕ ስለ ዝብለኒ፡ ማይ፡ በረድ፡ ሕሉፍ ሙቐት ግዲ ኣይገብረሎምን’የ” ይብል።
ጋሪ ምኪ ኣበይ ከም ዝበጽሐ ምፍላጥ በዚ ናይ ትዊተር ኣድራሻኡ ክትከታተልዎ ትኽእሉ፡ @Marathon_Man365