ኣብ ዓለም ክትሰርሓለን ምቹኣት ዝዀና ሓሙሽተ ሃገራት በዓል መን’የን?

ገምገም ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ሰብ ሃገር ክቕይር ክሓስብ እንከሎ ቀደማይ ዝሰርዖ ነገር ኵነታት ስራሕ ምዃኑ’ዩ ዝግመት።

ስራሕ ምርካብ ንበይኑ ግን እኹል ኣይኰነን፤ ሰራሕተኛ ኴንካ ትረኽቦ መጠን ደሞዝን መሰላትን’ውን ኣብ ግምት ይኣቱ’ዩ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣየኖት ሃገራት’የን ዝሓሸ ዕድላት ስራሕን ዝሓሸ መሰላት ሰራሕተኛታትን ዘለወን ኣብ ዝብል ‘ግሎባል ላይፍ፡ ዎርክ ባላንስ ኢንዴክስ 2023’ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ዝተፈላለየ መቐመሪ ረቋሒታት ብምጥቃም ደረጃታት ሰሪዑ ኣሎ።

እቲ ትካል፡ እተን ሃገራት ዝኸፍልኦ ደሞዝ፡ ዝህባኦ ዓመታዊ ዕረፍቲ፡ ብሕማም ዝህበኦ ዕረፍትን ሰበይቲ ምስ ሓረሰት ዝወሃባ ዕረፍትን ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ ነቲ ደረጃታት ሰሪዕዎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ሰሙን ክንደይ ሰዓታት ይሰርሕ ኣብ ዝብል ኣብ 22 ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሰላት ሰራሕተኛታት ይኽተላ’የን ኣብ ዝበሃላ ሃገራት ድሕሪ ዘካየዶ ጽጹይ መጽናዕቲ’ዩ ነዚ ደረጃታት ሰሪዕዎ።

እተን ዝበለጻ ሓሙሽተ ሃገራት ከኣ እዘን ዝስዕባ’የን፤

ኒውዚላንድ

ኒውዚላንድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኒውዚላንድ ኣብ ቅደሚት ተሰሪዓ ዘላ ሃገር’ያ።

እዛ ሃገር ንሓራስ 26 ሰሙን ዝኽፈል ዕረፍቲ ትህብን ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ዓመት ቀዳመ- ሰንበት ከይሓወስካ 32 መዓልታት ዕረፍቲ ዘለዋን እያ።

ብተወሳኺ ብሕማም ኣብ ዓመት ክሳብ 28 መዓልታት ዝኽፈል ዕረፍቲ ተፍቅድ።

እዚ ኸኣ ንዝዀነ ኣብታ ሃገር ዝሰርሕ ሰብ ንስራሕ ከም ባህልን መዘናግዕን ገይሩ ከም ዝወስዶ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ኣብ ኒውዚላንድ ዝሰርሕ ኢሪን ፓሪ ዝተባህል ካናዳዊ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ መሰላት ሰራሕተኛታት ከረድእ እንከሎ “ኣብ ካናዳ ስራሕ ወይ ሙት ['do-or-die'] ዝዓይነቱ ኣሰራርሓ’ዩ ዘሎ፤ ነዚ ዓዲ ለሚደ ኣብ ካናዳ ከመይ ገይረ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ኣዝዩ’ዩ ዘተሓሳስበኒ” ይብል።

እንተዀነ ኣብ ኒውዚላንድ 14 ሚእታዊት ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን ልዕሊ 50 ሰዓታት ከም ዝሰርሑ ይሕብር።

ሓሓሊፉ'ውን እቲ ኣዝዩ ዝተዛነየ ኣገባብ ኣሰራርሓ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ምጕታት ስራሕ ከምዘስዕብ ኢሪን ፓሪ ይግለጽ።

“ብህጹጽ ክስራሕ ዝደለኻዮ ነገር ምስ ዝህሉ ኣብ ኒውዚላንድ ኣብ ዝሓሰብካዮ ግዜ ዘይክሰልጠካ ይኽእል’ዩ። ብፍላይ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እንተዀይኑ ዝጽሓፍካዮ ‘ኢመይል’ መልሲ ክትረኽበሉ ኣጸጋሚ’፤ ሰራሕተኛታት ኒውዚላንድ ቀዳምነት ዝሰርዕዎ ስድራኦም፡ ጥዕናኦም፡ ምዝንጋዕን መገሻን’ዩ” ይብል።

ስጳኛ

ስጳኛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ስጳኛ ንሰራሕተኛታት ዝመቸአት ካልኣይቲ ሃገር ኰይና’ያ ተሰሪዓ ዘላ።

ኣብታ ሃገር ሰራሕተኛታት ቀዳመ-ሰንበት ከይሓወስካ ኣብ ዓመት 26 መዓልታት ዕረፍቲ ኣለዎም።

ኣብ ስጳኛ ዝሰርሑ ሰባት ዝበዝሐ ግዚኦም ኣብ ነብሰ ምክንኻንን ኣብ ምዝንጋዕን’ዮም ዘሕልፍዎ፤ ብፍላይ ከኣ ናብ ፈረንሳን ናብ ጣልያንን ከይዶም ምዝንጋዕ የዘውትሩ።

2.5 ሚእታዊት ኣብ ስጳኛ ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ዝኽፈልሉ ዝያዳ ሰዓታት ይሰርሑ።

ኣብ ሽወደን፡ ዓዲ እንግሊዝን ኣየርላንድን ንብዙሕ ዓመትት ዝሰርሐት፡ ካብ 2010 ጀሚራ ግን ኣብ ባርሲሎና ትነብር ዘላ ጸሓፊት ኢዛቤል ግሊገር “ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ኣየርላንድን ዝበዝሑ ሰባት ዝበዝሐ ግዜኦም ኣብ ስራሕ’ዮም ዘሕልፍዎ፤ ካብ ስራሕ ነጻ ምስ ኰኑ ጥራይ’ዮም ምስ የዕሩኽቶም ክራኸቡ ዝመርጹ” ብምባል ነቲ ኣብ ስጳኛ ዘሎ ናጽነት ትገልጽ።

ኣብ ስጳኛ ግን ትብል ኢዛቤል “ሰባት ምስ ረኸብካዮም ብዛዕባ ስራሕካ ኣይሓቱኻን’ዮም፤ ካብ ስራሕ ወጻኢ እንተዘይኰይኑ ብዛዕባ ስራሕ ኣየዕልሉን’ዮም” ትብል።

ኣብ መብዛሕትኡ ትካላት ኣብ ስጳኛ ስሩዕ ሰዓታት ስራሕ ሸሞንተን ፈረቓን ንግሆ ይጅምር ሰዓት ሓደን ፈረቓን ንምሳሕ ይወጽኡ ንምሳሕ ንሓደ ክልተ ሰዓት ኣዕሪፎም ናብ ቤት ጽሕፈት ብምምላስ ሰዓት ሸውዓት ወይ ሰዓት ሸሞንት ይውድኡ።

ብሓፈሻ ኣብ ስጳኛ ብማእከላይ ገምጋም ሓደ ሰብ ኣብ ሰሙን 37.8 ሰዓታት’ዩ ዝሰርሕ።

ኣብታ ሃገር ብምኽንያት ባህላዊ እምነት ‘ጃረናዶ ኢንተንሲቫ’ ብዙሓት ኣብያተ ጽሕፈት ከኣ ዓርቢ ሰዓት ሰለስተ’የን ንሰራሕተኛታተን ዝፍድሳ።

ኢዛቤል ነቲ ኣብ ስጳኛ ዘሎ ኣገባብ ኣሰራርሓ ዘለዋ ኣድናቘት ብምግላጽ “ኣብ ስጳኛ ንኽትሰርሕ ኣይኰንካን ትነብር ንኽትነብር ኢኻ ትሰርሕ” ትብል።

ደኒማርክ

ዴንማርክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ሃገረ ደኒማርክ’ያ።

ደራሲት መጽሓፍ ‘ዘ ይር ኦፈ ሊቪን ዳኒሽሊ’ ሄለን ሩሰል “ኣብ ለንደን ን12 ዓመታት ከም ጋዜጠኛ ኰይነ ሰሪሐ’የ። ነዊሕ ሰዓታት’የ ዝሰርሕ ነይረ፤ ብኡኡ መንጽር ንህይወት ናይ ምስትምቃር ዕድለይ ውሕድ ዝበለ’ዩ ነይሩ። ንቡር ከኣ ይወስዶ ነይረ፤ ናብዚ[ደኒማርክ] ምስ ቀየርኩ ግን ጽቡቕ ከም ዘይነበርኩ ክርድኣኒ ጀሚሩ” ትብል።

ንሳ ሰባት ኣብ መንጐ ህይወትን ስራሕን ዘሎ ዶብ ኣብ ምርዳእ ይሽገሩ ከም ዘለዉ ትገልጽ።

“ኣብዚ ኣብያተ ጽሕፈት ሰዓት ሸሞንተ ይኽፈት ሰዓት ኣርባዕተ ከኣ ይዕጾ። ወለዲ ከኣ ካብ ቤት ጽሕፈቶም ወጺኦም ደቆም ካብ ቤት ትምህርቶም ኣውጺኦም ናብ ገዛኦም ይኸዱ። ካብ ሰዓት ኣርባዕተ ክሳብ ሰዓት ሸውዓት ናይ ምሸት ከኣ ስድራ ተኣኻኺቦም ይዛተዩ” ትብል።

ሄለን ሩሰል ምስቲ ኣብ ለንደን እንከላ ዝለመደቶ ኣገባብ ኣሰራርሓ ናብ ደኒማርክ ምስ መጽአት ግዜ ከም ዝገፍሓን ናይ ምሸት ናብ ‘ጂም’ ክትከይድን ምስ ክለብ ባድመተን ክትጽንበርን ዕድል ከም ዝረኸበት ትገልጽ።

ኣብ ደኒማርክ ብሓፈሻ ሓደ ሚእታዊት ካብ ሰራሕተኛታት እታ ሃገር ጥራይ’ዮም ኣብ ዓመት ልዕሊ 50 ሰዓታት ዝሰርሑ።

ደኒማርካውያን ብገምጋም ኣብ መዓልቲ 15.7 ሰዓታት ኣብ ውልቃዊ ንጥፈታቶም ከም ዘሕልፍዎ እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።

እታ ሃገር ብሓፈሻ ኣብ ዓመት ንሰራሕተኛታት ቀዳመ ሰንበት ከይሓወስካ 36 ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክትእውጅ እንከላ ሰራሕተኛታት ብሕማም ምስ ዘብኩሩ ብዝሒ መዓልታት ብዘየገድስ ደሞዞም ምሉእ’ዩ ዝወሃቦም።

ፈረንሳ

ፈረንሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፈረንሳ ንሰራሕተኛታት ብእትፈጥሮ ምቹእነት ኣብ ራብዓይ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር’ያ።

ዜጋታት እታ ሃገር ብሓፈሻ ኣብ መዓልቲ 16.2 ሰዓታት ኣብ ውልቃዊ ዋኒኖም የሕልፍዎ።

ሰራሕተኛታት እታ ሃገር ቀዳመ ሰንበት ከይሓወስካ ኣብ ዓመት 36 መዓልታት ዕረፍቲ ይረኽቡ።

ኣብ ከም ፓሪስ ዝኣመሰላ ኣዝየን ኣዛነይቲ ዝዀና ከተማታት ነቶም ኣብታ ከተማ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ሕጊ እታ ሃገር ኣዝዩ ምቹእነት ከም ዝፈጥረሎም ይዛረቡ።

ኣብ 2021 ናብታ ሃገር ዝገዓዘት ሳራ ሚቾ ዝተባህለት ካናዳዊት በዓልቲ ትካል፡ “ ባህሊ ፈረንሳን ንሰራሕተኛታት ዘዛንን ዕረፍቲ ዝህብን’ዩ” ትብል።

ኣብ ፈረንሳ ኣብቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ሰዓታት ስራሕ ዝበሃለሉ ሰዓታት ሰባት ኣብ እንዳ ሻሂ ተኣኪቦም ክዘናግዑ ምርኣይ ንቡር ምዃኑ ከኣ ትዛረብ።

ብሓፈሻ ኣብ ፈረንሳ 8 ሚእታዊት ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን ልዕሊ 50 ሰዓታት ይሰርሑ።

ኢጣልያ

ኣብ ኢጣልያ il dolce far niente ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ።

ብሌጣ ክትርጐም እንከሎ ‘ገለ ነገር ከይሰራሕካ ትረኽቦ መቐረት’ ኢልካ ክትርጐም ይከኣል’ዩ።

እዛ ቃል እዚኣ ብዙሓት ኣብ ሮማ ዝነበሩ ዝደጋግምዎ ቃል'ያ፤ ኣብታ ዓዲ ዘሎ ኣዛናዪ ሰዓታት ስራሕ ንምግላጽ ከኣ ይጥቀሙላ።

ኣብ ኢጣልያ ሰባት ኣብ መዓልቲ 16.5 ሰዓታት ኣብ ውልቃዊ ዋኒኖም ከም ዘሕልፍዎ’ዩ እቲ መዕናዕቲ ዝሕብር።

ኣብታ ሃገር 3 ሚእታዊት ካብቶም ሰራሕተኛታት’ዮም ኣብ ሰሙን ልዕሊ 50 ሰዓታት ዝሰርሑ።

ኣንድረስ ኡርበ ኦሮዝኮ ዝተባህለ ኣብ ሮማ ዝነብር ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኮሎምብያን ኣመሪካን ዝሰርሕ ዝነበረ ከኢላ ሕጊ “ሰባት ኢጣልያውያን ዘይሰርሑ ክመስሎ ይኽእል’ዩ፤ ይሰርሑ’ዮም። ቀልጢፎም ሰሪሖም ስርሖም ወዲኦም’ዮም ዝዛነዩ” ይብል።

እንተዀነ እታ ሃገረ ልዑል ሽቕለት ኣልቦነትን ትሑት ክፍሊት ዘለዋ ሃገር ተባሂላ'ውን ትንቀፍ'ያ።