እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣዋርሕ ዝተረፎ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ሕቶታት የልዕል ኣሎ?
ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ: ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ኣብ 24 ግንቦት 2018 [ግ] ንኽካየድ ግዝያዊ ናይ ግዜ ሰሌዳ ዝሓለፈ ሰሙን ኣውጺኡ ነይሩ።
እቲ ቦርድ፡10 ጥቅምቲ 2018 [ግ] ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝገበሮ ዕፁው ኣኼባ፡ ብዛዕባ ረቂቕ ናይ ግዜ ሰሌዳ ክዛተዩ ንፖለቲካዊ ውድባት ዓዲሙ።
እንተኾነ እቲ መድረኽ ብካልኦት ሕቶታት ከምዝተዓብለለ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ፖለቲካዊ ውድባት፡ ቅድሚ እቲ ረቂቕ ናይ ግዜ ሰሌዳ፡ ካልኦት ክረኣዩ ዘለዎም ተኣፋፍቲ ሕቶታት ሰላምን ፀጥታን'ዮም ኣልዒሎም።
እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ክዛዘም ተሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ ምሉእ መዓልቲ ክወስድ ገይሩዎ።
እቲ ቦርድ ዘቕረቦ ናይ ዘተ ኣጀንዳ እውን ኣንፈት ዝቕይርን መብዛሕትኡ ኣብ ፀጥታዊ ኩነታት እታ ሃገር ዘተኮረን ምዃኑ ቢቢሲ ዘዘራረቦም መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ገሊፆም።
እቲ ኣኼባ፡ "ኣብ መንጎ ቦርድን ፖለቲካዊ ውድባትን ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ ትካላት ጸጥታ ዝግበር ዘተ ይመስል ነይሩ" ክብል ሓደ ተሳታፊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፈ ካልእ መራሒ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ሓያሎ ፖለቲካዊ ውድባት ከምዝተሳተፉን ኣስታት ኣርብዓ ዝኾኑ ተዛረብቲ ርእይቶኦም ከምዝሃቡን ኣረዲኡ።
መብዛሕትኦም እቶም ዝተልዓሉ ስክፍታታት፡ መፃኢ ሃገራዊ መረፃ ንክካየድ ዘኽእል ምቹእ ኩነታት ዘይምህላዉ ዘስምዑ እዮም።
ውድባት ፖለቲካ፡ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ ወሳኒ ኩነታት ፀጥታ ሓዊሱ፡ ቅድሚ መረፃ ክረአዩ ዘለዎም ጉዳያት ከምዘለዉ ኣስሚሮምሉ።
ዝጠቐስዎም ስግኣታት፡ ቅድሚ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ዝነበረ እዋን ተላዒሎም ዝነበሩ ኮይኖም ኣካታዕትን ጠንቂ ጐንፅን ምንባሮም ይግለፅ። ነቲ ኩነታት ስዒቡ ከኣ ደማዊ ኲናት ትግራይ ምውልዑ ዝዝከር እዩ።
ድሕሪ ሓደ እብረ ስልጣን'ውን፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ጎንፅታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ናይ ሎሚ ዓመት መረፃ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ዘሎ።
ኣደ መንበር ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራቲክ ኢትዮጵያ [ኢሶዴፓ] ዶክተር ራሄል ባፌ፡ ኣብቲ ብቦርድ መረፃ ንዘተ ዝቐረበ እማመ ኣመልኪታ፡ " እቲ ቦርድን ውድባትን ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ድዮም ዝነብሩ ዝብል ሕቶ ዘልዕል'ዩ" ኢላ።
ወሲኻ፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮምያን ትግራይን ጎንፅታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ካልእ ከባቢታት ድማ ሰላም ኣብዘይብሉ ኩነታት፡ ንሓሙሽተ ዓመት ዝመርሕ ኣካል ንምምራፅ ዝግበሩ ምሽብሻባት ከምዘግረመላ ተዛሪባ።
"ብዙሓት ዜጋታት፡ ብህይወት ናይ ምንባር መሰሎም ዘይተረጋገፀ፤ ካልእ ተሪፉ ብዙሓት ሰባት ማይ ንምምፃእ ይኹን ዕንጨይቲ ንምእራይ'ኳ ውሕስነት ኣብ ዘይስመዖም ኩነታት እዮም ዝርከቡ" ክትብል ሓቢራ።
ሓላፊ ርክባት ወፃኢ ሰልፊ እናት ዝኾነ ኣቶ ጌትነት ወርቁ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ርእይቶ የብሉን።
ንሱ፡ እተን ዝበዝሐ ወንበር ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዘለወን ክልላት፡ ኣብ ጎንፂ ወይ ድሕሪ ኲናት ከምዘለዋ ብምዝኽኻር፡ "ኣብ ከምዚ ኩነታት ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ብዝሒ መረፅቲ ብዝሳተፍሉ መረፃ፡ ሕጋዊ መንግስቲ ክቐውም እዩ ዝብል እምነት የብለይን" ይብል።
ኣብ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ትግራይን ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእን ጎንፂን ንኻልኦት ክልላት ከምዝፀሉ ዝገለፀ ኣቶ ጌትነት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰላም ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ከምዘይከኣል ኣረዲኡ።
"እቲ ዝሓለፈ መረፃ፡ መንግስቲ ክህልወና ኣለዎ ብዝብል ተስፋ ኢና ኣሕሊፍናዮ" ዝበለ ኣቶ ጌትነት፡ እዚ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ክድገም ኣይንደልን ኢና ዝብል ፅኑዕ መርገጺ ውድቡ ኣፍሊጡ።
ንሱ፡ ነፃን ፍትሓውን መረፃ ከካይድ እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ 2019 "እታ ሃገር ዘይክትህሉ ትኽእል እያ" ዝብል ስክፍታታት ከምዝተላዕለ'ውን ጠቒሱ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ (መኢኣድ) ኣቶ ታጠቅ ኣሰፋ ብወገኑ፡ "ሰላም ኣብ ዘይተረጋገፀላ ሃገር ናይ ሓሶት መረፃ ምክያድ ድሌትን መሰልን መረፅቲ ምግሃስ'ዩ" ኢሉ።
ብዘይካ ጉዳይ ሰላምን ፀጥታን፡ ሕገ-መንግስታዊ ጉዳያት ሓዊሱ ብዙሕ ሕቶታት ከተኣናግድ ዝፀንሐ ሃገራዊ ኣማኻሪ ኮሚሽን ዕልባት ከይረኸበ፡ መረፃ ከመይ ክካየድ ከምዝኽእል'ውን ስክፍታታት ክለዓል ፀኒሑ'ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ጋዜጠኛታት ድምፂ ጀርመን ካብ ስራሕ ንዝተኣገዱሉ ኩነታት ብምዝኽካር፡ ናፃ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዘይብላ ሃገር መረፃ ምክያድ'ውን በዳሂ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ቦርድ መረፃኸ እንታይ ይብል?
እቶም ተሳተፍቲ ከምዝበልዎ፡ ቦርድ መረፃ ንኹነታት ፀጥታ እታ ሃገር ዘይክሕድ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ረቂቕ ኣብ ምድላው ብዘለዎ ግደ ግን ክንቀፍ ከምዘይብሉ እዩ ዝምጉት።
ኣዶ መንበር እቲ ቦርድ ሜላትወርቅ ሃይሉ "ኣብ ዘይከኣል ኩነታት ኣቲና ንነብስና'ውን ንሓደጋ ክነቃልዕ ኣይንደልን ኢና" ከምዝበለት ተገሊፁ።
እቶም ብቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝተገበረሎም ተሳተፍቲ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ፣ ቦርድ መረፃን ውድባትን ብዝግበር ልዝብ ኣብ ስምምዕ ከምዝብፃሕን ተወሳኺ ዘተ ንምክያድ ምርድዳእ ከምዝተገበረን ኣብሪሆም።
ኣብ ዝሓለፈ ሃገራዊ መረፃ፡ ስግኣታት ፀጥታን ገለ ጠለባትን ኣብ ዝተልዓለሎም ከባብታት መረፃ ኣይተኻየደን። ክሳብ ሎሚ ዘይተኻየደሎም ከባቢታት ከምዘለዉ'ውን ይንገር።
እቲ ቦርድ፡ ኣብቲ ኣዋርሕ ተሪፍዎ ዘሎ ሃገራዊ መረፃ ፀጥታዊ ስግኣታት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት፡ መረፃ ንምክያድ ዝሕግዙ ኣማራፂታት ብንፁር ኣየቐመጠን ተባሂሉ ይንቀፍ።
ይኹን እምበር፡ ኣገልግሎት ኔትወርክ ዘለዎም ከባቢታት ንምልላይ ፃዕሪ ከምዝተገበረን 3G፣ 4Gን 5Gን ግልጋሎት ኢንተርኔት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ናቑጣታት መረፃ ክጣየሹ ከምዝኽሉን ኣዶ መንበር እቲ ቦርድ ሓቢራ።
ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ከምዝበልዎ፡ እቲ ቦርድ ጎንጺ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ብኢንተርነት (ብዲጂታል) ተጠቒምካ ከመይ ምክያድ ከምዝከኣል ዝሕብር ኣንፈት ኣይሃበን።
" 'ሓበሬታ ንእክብ ኣለና። ፈለማ ምሳኹም ተዘራሪብና ኣለና፤ ድሕሪኡ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ክንዛረብ ኢና'- ብዝብል፡ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ሰሌዳ ግዜ ዕልባት ኣይተገብረሉን" ትብል ኣደ መንበር ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራቲክ ኢትዮጵያ [ኢሶዴፓ] ዶክተር ራሄል።
ሓለፍቲ ገዛኢ ውድብ- ብልፅግና ግና፡ መረፃ ንምክያድ ዘኽእእል ምችእ ኩነታት ከምዘሎ ኣብ ካልኦት መድረኻት ክዛረቡ ይስምዑ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሳለጠ ዘተ፡ ጉዳይ ምንዋሕ መረጻ ዝምልከት ሓሳብ ብቐጥታ ኣይተልዓለን።
ትኹረት እቲ ዘተ፡ ቅድሚ መረፃ ክስርሑ ዝግባእ ኣገደስትን ህፁፅን ሃገራዊ ጉዳያት ኣለዉ ዝብል እዩ ነይሩ።
ዘለዉ ጐንፅታት ብዝርርብ ደው ክብሉን፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዘሎ ኩነታት ሰላማዊ መዕለቢ ክረክብን ዝጠልብ ሓላፊ ርክብ ወጻኢ 'ሰልፊ እናት' ኣቶ ጌትነት ፡ "እቲ መረፃ ግን ኣብ ግዚኡ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ኣለና" ክብል ገሊጹ።
መረፃ- ከምቲ እቲ ሕገ መንግስቲ ዝእዝዞ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ክካየድ ኣለዎ እትብል ዶክተር ራሄል ባፌ ብወገና፡ ገዛኢ ሰልፊ ብልፅግና ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ከሕልፍ ከምዘይትደልን፡ ዘይሕጋዊ ምዃኑን ተዛሪባ።
"ተዅሲ ብቕልጡፍ ደው ይበል፤ ኣብ ኩሉ ቦታታት ሰላም ዝዘርጉን ድሕነት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ንዘእትዉ ነገራት መንግስቲ ቀዳምነት ይሃቦም ዝብል እዩ ሕቶና። መንግስቲ ነዚ ሕገ መንግስታዊ ግዴታ ከም ቅድመ ኩነት ክፍጽሞ ንሓትት ኣለና" ኢላ።
ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብሓደ ዓመት ከምዝተናወሐ ይዝከር።
ምንዋሕ እቲ መረፃ ዘይሕገ መንግስታዊ ምንባሩ ዝግለፅ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ንዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ጠንቂ ከምዝኾነ'ውን ኣይረሳዕን።
እቲ መረፃ ምንውሑ፡ ገለ ፖለቲከኛታት መሰጋገሪ መንግስቲ ንክቐውም ፃውዒት ክሳብ ዘቕርቡ ዝደረኸ ዀይኑ፡ ንፌደራል ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ሓዊሱ ገለ ውድባት ካብቲ መረፃ ንዓርሶም ምግላሎም ይፍለጥ።
ሎሚ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እታ ሃገር፡ ሎሚ ዓመት መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ኵነታት ክብሉ ሻቕለቶም ይገልፁ ኣለዉ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት መረፃ ክካየድ ዝድንግግ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብህዝቢ ከይተመርጸ ኣብ ስልጣን ዝፀንሕ መንግስቲ ድማ ዘይሕጋዊ ምዃኑን የነፅር።