ዩክረይን፡ ክረማዊ ሚኒስተር ምክልኻል ሸይማ እንታይ ትጽበ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ንሓላፊ ምክልኻሉ ንምትካእ ዝወሰዶ ውሳነ ብቐንዱ ብልሽውና ንምጽራይ ዝዓለመ ምዃኑ ዝርአ ኰይኑ፤ ምሻም ሩስተም ኡሜሮቭ ዝተባህለ፡ ካብቶም ንኡሳን ማሕበረሰብ ዝዀነ ክሪሚያዊ ታታርን ኣስላማይን ግን፡ ዩክረይን ነታ ሩስያ ኣብ 2014 ካብ ዩክረይን ብሓይሊ መንዚዓ ኣብ ግዝኣታ ዝጸንበረታ ክሪሚያ ንምምላስ ዓቲቡ ከም ዘሎ ዘርኢ ዘርኢ ምልክት ምዃኑ ይግመት።
በዚ ከኣ፡ ዩክረይን ነታ ኣብ 2014 ሩስያ ብሓይሊ ጐቢጣ ዝጸንበረታ ክሪሚያ ንምምላስ ዘለዋ ዕቱብ ዕላማ ዘርኢ ምዃኑ ይግመት።
ኡሜሮቭ፡ ነቲ ካብ ሕዳር 2021 ኣትሒዙ ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ኰይኑ ዝጸንሐ ኦለስኮ ክትከእ እዩ ዝብል ግምታት ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ካብ ቀዳማይ መዓልቲ ምሉእ ወራር ሩስያ ጀሚሩ ኣብ ጐድኒ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዝነበረ ሚኒስተር ነበር፡ ብውልቁ ብዝዀነ ጕድለት ብልሽውና’ኳ እንተዘይተኸሰሰ፡ ኣብ ሚኒስትሪኡ ግን ብልሽውና ክሳብ ብዘኽፍአ መልክዑ ዘስፋሕፍሕ ደው ከብሎ ከምዘይከኣለ ግን ተራእዩ።
እቲ ኣብ ወተሃደራዊ ዕድጊ ክፍጸም ዝጸንሐን ካብ ዓይኒ ሕብረተሰብ ዩክረይንን ዘይተኸወለን፡ ኣብ ዕድጊ ወተሃደራዊ ንብረት ዝተራእየ ዕንደራታትን ብልሽውናን ንምእራም ኣድላዪ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ፍሹል ጸረ-መጥቃዕቲ ከምቲ ዝድለ ስለዘይተዓወተ፡ ሞራል ህዝብን ሰራዊትን ክብ ንምባል ኣድላዪ ስለዝዀነን እዩ።
እቲ ሕጂ መዝነት ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝወሃቦ ዘሎ ሩስተም ኡሜሮቭ እምበኣር፡ ኣብ ማዕከን ንብረት መንግስቲ ዩክረይን ክሰርሕ ዝጸንሐ ወዲ 41 ዓመት መንእሰይ በዓልስልጣን ኰይኑ፡ ዝያዳ ኣብቲ ምስ ሩስያ ብምድርዳር ዘካየዶ ዕዉት ምልውዋጥ እሱራት ክረሚያ እዩ ህቡብነት ኣጥርዩ።
ንሱ ኣብ ስደት ዝተወልደ ክሪሚያዊ ታታርን ንጡፍ ኣባል ናይዚ ብሄራዊ ማሕበረሰብን ኰይኑ ባህላዊ መንነቱን ኣብ ዓለም ዘለዎ ቦታን ክመልስ ዝጽዕር ተቓላሲ እዩ።
እቲ ልዕሊ ዅሉ ንዩክሬናውያን ዘገድስ ግን፣ ኣብቲ ምሒር ኣኽፊኡ ዘሎ ጉዳይ ብልሽውናን ምጥፍፋእን ሰበስልጣናት ንጹህ ምዃኑ እዩ።
ንሱ፡ ኣብ 2013 ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ውሩይ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ንዩክሬናውያን ንምስልጣን ዝሕግዝ ትካል ግብረ ሰናይ መስሪቱ።
ኡሜሮቭ፡ ፍጹም ዘይፍለጥ ዝነበረ ሰብ እዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ኣብ ዓይኒ መራኸቢ ብዙሃን ዝጸንሐ ሰብ ግን ኣይኮነን፤ ኣብ ስደት ዝተወልደ ክሪሚያዊ ታታርን ንጡፍ ኣባል ናይዚ ብሄራዊ ማሕበረሰብን፡ ባህላዊ መንነቱን ኣብ ዓለም ዘለዎ ቦታን ክመልስ ዝጽዕርን ምዃኑ ይፍለጥ።
ኡሜሮቭ፡ ኣብ 2019 ምስቲ ጽገናዊ "ሆሎስ" ዝበሃል ሰልፊ ንባይቶ ኣብ ዝወዳደረሉ እዋን ናብ ፖለቲካ ዝኣተወ ኰይኑ፡ ድሒሩ በዓል ስልጣን መንግስቲ ምስ ኰነ ግን ገዲፉዎ እዩ።
ቅድሚኡ፡ ኣብ ብሕታዊ ጽላት፡ ፈለማ ኣብ ቴሌኮም ድሒሩ ድማ ኣብ ኣውፋሪ ኰይኑ ሰሪሑ እዩ።
ብ ዓሌታዊ መንነቱ ከኣ ንክረምያ ናብ ዩክረይን ኣብ ምምላስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እጃም ክህልዎ ትጽቢት ይግበር።
ክረሚያውያን ታታር መን እዮም?
ክሪሚያውያን ታታራት ኣብ ሓውሲ ደሴት ክሪሚያ ዝርከቡ ነዊሕ ዝኸደ መበቈል ቱርኪ ዘለዎ ኣህዛብ ዩክረይን እዮም።
ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ናዚ ምትሕብባር ኣለዎም ተባሂሎም ብሓሶት ተኸሲሶም፡ ብሕብረት ሶቭየት ብሓይሊ ናብ ማእከላይ ኤስያ ተሰጒጐም።
ብ18 ግንቦት 1944፡ ስድራቤታት ናብ ባቡር ቅድሚ ምጽዓነን ሓጺር መዳለዊ ግዜ ድሕሪ ምሃቡ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ 200 ሽሕ ዝሓቘፈ ማሕበረሰብ፡ ካብ ቤት ንብረቱ ተፈናቒሉ ተባሪሩ።
ኣሽሓት ኣብ መገዲ ወይ ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሑ ከም ዝጠፍኡ ይግመት።
ኣብ ትሕቲ ጆሴፍ ስታሊን፡ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሕዛ ዘጋጠሞም ብሄረሰብ ክሪሚያውያን ታታራስ ጥራይ ከምዘይኰኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቶም ህዝቢ ናብ ዓዶም ክምለሱ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጻዕሪ ኣሕሊፎም እዮም።
ስድራቤት ሩስተም ኡሜሮቭ ከኣ ካብቶም ዝተሰጐጉ ኰይኖም፡ ንሱ ኣብ ስደት ኣብ ኡዝበኪስታን ተወሊዱ። ኣብ መወዳእታ 1980ታት ገና ቈልዓ እንከሎ፡ ብዙሓት ታታራውያን ክሪሚያ ክምለሱ ምስ ተፈቕደሎም ናብ ሃገሮም ክረሚያ ምስ ስድራኡ ተመሊሱ።
ሩስያ፡ ኣብ 2014 ነታ ኣብ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ሓውሲ ደሴት ክረሚያ ኣብ ዝጐበጠትሉ እዋን፡ ካብ 2014 ጀሚሮም ኣብ ክሪሚያ ዝተኣስሩ ሓያሎ ታታር ክሪሚያውያን ሓራ ንምውጻእን ናብ ዩክረይን ንምምጽኦምን ምስ ሞስኮ ዕዉት ተባሂሉ ዝግለጽ ዝርርብ መሪሑ እዩ።
ኡሜሮቭ ኣብ 2022 ምሉእ ወራር ሩስያ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ነዚ ኣረሜናዊ ወራር ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ፍታሕ [ንምርካብ]" ቈሪጹ ከምዝተላዕለ ተዛሪቡ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብሰንበት ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ንህዝቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሚስተር ኡሜሮቭ ሓድሽ ሚኒስተር ምክልኻሉ ገይሩ ንኽሸሞ ፍቓድ ባይቶ ክሓትት ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
እቲ ሚኒስትሪ "ሓድሽ ኣወዳድባን… ሓድሽ ኣገባብ ጽምዶ ምስ ወተሃደራውን ብሓፈሻ እቲ ሕብረተሰብን ዝጠልበሉ መድረኽ እዩ" ኢሉ።
ኣብዚ እዋን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታት ካብ ክሪሚያ ዝረሓቐ ይዅን እምበር፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ግዝኣታት ዩክረይን ናይ ምምላስ ዕላማታቱ፡ ተራ ክጻወት ዝኽእል ሓደ ወደባት ክሪሚያዊ ምሻሙ ንጹር መልእኽቲ ንዓለም ምዃኑ ብዙሓት ይግምቱ፤ እዚ ኸኣ ናይ መወዳእታ ጸወታ እታ ሃገር ክኸውን እዩ፡ ይበሃል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







