እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ ኣንጻር ሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ወተሃደራዊ ወፍሪ ጀሚራ
ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ትዳወበሎም ግዝኣታታ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዕጡቓት ሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ "ወተሃደራዊ ስርሒት" ከም ዝጀመረት ኣፍሊጣ።
መንግስቲ ኬንያ ኣባላት እቲ ሰራዊት ተሓቢኦምሎም ኣብ ዝበሎም ግዝኣታት ማርሳቤትን ኢሲዮሎን "ገበነኛታት ምውጋድ" ብዝብል ልዑል ወፍሪ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ 25 ታሕሳስ 2017 [ግ] ከም ዝጀመረ ገሊጹ።
ኣገልግሎት ፖሊስ መንግስቲ እታ ሃገር ብሰኑይ 26 ጥሪ 2017 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዞም ሰሜናዊ ግዝኣታት ኬንያ "ዶብ ዝሰገሩ ገበናት ንምስላጥ ዝጥቀምሎም'ዮም" ብምባል ንኦነግ ከሲሱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ "ሸኔ" ብምባል ከም ግብረ ራዕዳዊ ጕጅለ ዝሰየሞ ኰይኑ፡ ኬንያ ድማ ሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ኣብ ግዝኣታታ ዘይሕጋዊ ዕደና መዓድንን ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራትን ይፍጽም ከምዘሎ ትኸስስ።
ሃገራዊ ፖሊስ ኬንያ ኣብ መግለጺኡ፡ ኦነግ "ኣብ ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፡ ሓሽሽ፡ ዘይሕጋዊ ዕደና፡ ምስግጋር ሰባት ተዋፊሩ ይርከብ" ኢሉ።
ሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ፡ "መበጆ ገንዘብ ንምርካብ ጭውያታት ብምፍጻም፣ ዶብ ሰገር ወራራት ብምክያድ ከምኡ'ውን ኣብ መንጐ ዓሌታት ግጭት ብምስዋር፡ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ኬንያ ኰይኑ" ብምባል ፖሊስ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ።
ሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ብወገኑ፡ ነቲ ሰራዊት ምጥቃን ሓድሽ ነገር ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ ኣብ ምዝማት ይዅን ዘይሕጋዊ ተግባራት ከም ዘይተሳተፈን ከምኡ'ውን "ንፍትሒ" ዝቃለስ ምዃኑን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣማኻሪ ሰራዊት ኦነግ ጂሬኛ ጉዴታ፡ "ከምዚ ዓይነት ጥሕሰት ንዝፍጽሙ ኣካላት ምስ መንግስቲ ኬንያ ብምትሕብባር ከም ዝዋግኡ" ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዳይረክተር ጀነራል ኣገልግሎት ሃገራዊ ሓበሬታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ናብ ኬንያ ተጓዒዙ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ድሕሪ ምዝርራቡ እያ፡ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ወተሃደራ ወፍሪ ጀሚራ ዘላ።
ኣብቲ ልዝብ ዳይረክተር ጀነራል ኣገልግሎት ሃገራዊ ሓበሬታን ድሕነትን ኬንያ ኑረዲን ሓጂ ተረኺቡ ነይሩ።
ኦነግ፡ "ኣብ መንጐ ኬንያ ቦረናን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ማሕበረሰብ ኦሮሞን ዘሎ ምትእስሳር ባህሊን ዝምድናን ተጠቒሙ፡ ኣብ ግዝኣታት ማርሳቤትን ኢሲዮሎን ናብ ዘለዉ ማሕበረሰባት ብምእታው፤ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ግህሰታት ይፍጽም ኣሎ" ይብል መግለጺ ፖሊስ ኬንያ።
"ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮን ሰገናትን ጾታዊ ዓመጽ ሓዊሱ፡ ምፍርራሕን ብሓይሊ ንብረት ምውሳድን ብምፍጻሙ፡ ማሕበረሰብ ንስቓይ ተቓሊዑ" ብምባል ከሲሱ።
ምክትል ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ኬንያ ጊልበርት ማንጊሲን ዳይረክተር ኣገልግሎት ምርመራ ገበናት መሓመድ ኣሚንን፡ "ህይወት፣ ንብረትን ሰላምን ንምውሓስ ድማ ኣብ ግዝኣታ ተሓቢኦም ንዝርከቡ "ገበነኛታት ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንምውጋድ" ወግዓዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከም ዝጀመረት ትማሊ ሰኑይ ገሊጾም።
ብመንግስቲ ኬንያ ኣብ ልዕሊኡ ንዝተኸፈተ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝምልከት ብቢቢሲ ዝተሓተተ ሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ፡ ምስ ኬንያ ዝዀነ ጽልኢ ከም ዘይብሉን ምስ ኬንያ ንምውጋእ እውን ዝዀነ ዕላማ ከም ዘይብሉን ገሊጹ።
ኣማኻሪ ሰራዊት ኦነግ ጂሬኛ ጉዴታ፡ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ዶባቱ ወተሃደራዊ ወፍሪ ናይ ምክያድ መሰል ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ሰራዊት ኦነግ ግን ምስ ኬንያ ንምውጋእ መደብ ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።
ጂሬኛ ጉዴታ፡ "ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኬንያ ኣይንተዃቱኽን ኢና። ብወገን ኢትዮጵያ እንተመጺኡ ግን ምውጋእና ዘይተርፍ እዩ። ንሕና ቃልስና ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ። መንግስቲ ኬንያ ከምዚ ዓይነት ምላሽ ንኽህብ ዝደረኾ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተገበረሉ ጸቕጢ እዩ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ብመንግስቲ ኬንያ ጌጋ ከም ዝተፈጸመ ዝጠቐሰ እቲ ኣማኻሪ፡ "ገበነኛ ጕጅለ ኣብ ክንዲ ምፍላይ፣ ንዅሉ ዝተፈጸመ ገበን ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ምጥቃን" ግቡእ ከምዘይኰነ ኣስሚሩሉ።
ሰራዊቶም ኣብ ከምዚኦም ዓይነት ዘይሕጋውያን ተግባራት ከም ዘይሳተፍ ብምርግጋጽ፡ "ነዚ ዝፍጽሙ ኢድ መንግስቲ ዘለዎም ጕጅለታት ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም" ኢሉ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ባጫ ደበሌ፡ መንግስታት ኬንያን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንምክያድ ስምምዕ ከም ዝኽትሙ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ኣምባሳደር ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ምስ ቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ "ን31 ዓመታት ዕጡቓት ሰላማውያን ዜጋታት ይቐትሉ ኣለዉ። ናብ ኬንያ ሰጊሮም ሰባት እናቐተሉ፣ ጥሪቶም እናዘመቱ ይወስዱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሩ ሰባት ኣይቀትልን" ኢሉ ነይሩ።
ሰራዊት ምክልኻል ክልቲአን ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተኸተመ ሰነድ ስምምዕ ዝተፈለየ፡ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንምክያድ ሓባራዊ ስምምዕ ከም ዝኽትሙ ድማ ኣአንፊቱ ነይሩ።
ሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንምሽምጋል ኣብ ታንዛንያ ክልተ ግዜ ዝተኻየዱ ዘተታት ጭቡጥ ፍረ ከምዘይተረኽቦም ይፍለጥ።
እቲ ዘተ ኣዛዚ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኩምሳ ድሪባ-ጃልመሮን ካልኦት ኣዘዝትን ንፈለማ እዋን ምስ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ፈደራል ፊት ንፊት ዘራኸበ ኰይኑ፡ ብዙሓት "ብስምምዕ ክዛዘም" ተተስፍዮም ነይሮም።