እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ንዝጸውዖ ኣድማ ዕሽሽ ዝበላ መካይን ኣቃጺሉ
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ መካይን ከም ዘቃጸሉ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ጸብጺበን።
እተን መካይን በቲ ጉጅለ ዝተጸውዐ ናይ መጓዓዝያ ኣድማ ዕሽሽ ብምባለን ከምዝተቓጸላ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ኣድማ ትማሊ ሰኑይ ካብ ዝጽዋዕ ኣትሒዙ፡ ባንክታትን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ዝርከብዎም ብዙሓት ትካላት ንግዲ ተዓጽዮም ኣለዉ።
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮሚያ ኣብቲ ኣድማ ዘይተሳተፋ ሓያሎ ናይ ጽዕነት መካይን ከምዝዓነዋ መርበብ ሓበሬታ ዋዜማ ሬድዮ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ገለ ሰላማውያን ሰባት እውን ከምዝቖሰሉ እቲ ብውልቂ ዝውነን መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ።
"ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ከተማ ነቀምት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባታት'ውን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝቖሰሉ ይግለጽ" ክብል ሓቢሩ'ሎ።
ሓይልታት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝንቀሳቐስሉ ብፍላይ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ኣብ ህይወት ህዝቢ ከቢድ ቅልውላው ክፈጥር ስለ ዝጸንሐ፡ እቲ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ድፍኢታት ክግበር ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን እቲ ዕጡቕ ጉጅለን ኣብ ታንዛንያ ዘተታት ተኻይዶም ነይሮም።
ይኹን’ምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ናይዚ ዓመት ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዳሬሰላም ዘካየድዎ ክልተ ዙር ዘተ ብዘይ ውጽኢት ምዝዛሙ ይዝከር።
መንግስቲ ኢትዮጵያን እቲ ‘ሸኔ’ ኢሉ ዝጽውዖ ተቓዋሚ ጉጅለን፡ ነዊሕ ዝጸንሐ ግጭታት ከካይዱ ጸኒሖም እዩ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ሕዚ’ውን ኣንጻር እቲ እቲ ጉጅለ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ስርሒታት ይቕጽል ኣሎ።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ድሕሪ ኣስታት 27 ዓመታት ኣብ 2018 ካብ ስደት ናብ ሃገር ምስ ተመልሰ ቅድሚ ምፍንጫሎም ወተሃደራዊ ክንፊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ እዩ ነይሩ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ኦሮሚያ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ከካይድ ጸኒሑ እዩ።
ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከም ግብረራዕዳዊ ጉጅለ ከም ዝተሰመየ ይፍለጥ።
እቲ ሰራዊት ግን ንርእሰ ውሳነ ህዝቢ ኦሮሞ ይቃለስ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
‘ቃልስና ንናጽነት ህዝቢ ኦሮሞ እዩ’ ዝብል መራሒ እቲ ሰራዊት ከምዝዀነ ዝንገረሉ ጃል መሮ፡ "ዕላማና ህዝቢ ኦሮሞ፡ ፖለቲካዊ ይዅን ወተሃደራዊ ጸቕጢ ከይተገብረሉ ናጽነቱ ምርግጋጽ'ዩ" ክብል ኣቐዲሙ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ናጻ ኦሮምያ ንምምስራትን ባዕሉ ንባዕሉ ዕድሉ ንኽውስን ምርግጋጽን'ዩ።"
ሰብመዚ መንግስቲ ግን፡ ነቲ "ኣሸባሪ" ዝብሎ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እውን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ከምዝድምሰስ'ዮም ክዛረቡ ዝስምዑ።
ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ክካየድ ዝጸንሐ ውግኣትን መጥቃዕትታትን ከቢድ ክሳራ ህይወትን ንብረትን ከምዘጋጠመ ይግለጽ።
ነዚ ስዒቡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ንጹሃት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ነበርቲ እውን ካብ ጐንፅን መጥቃዕትን ሃዲሞም ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።