እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናጽነት ፕረስ፡ ኣብ ስደት ክሰርሑ ዝተገደዱ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ሃገራት ሩስያ፣ ኣፍጋኒስታንን ኢትዮጵያን ልዑል ቁጽሪ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ከም ዝተራእየ ተገሊጹ።
ካብ 2020 (ኣ.ኤ) ኣትሒዙ፡ ቁጽሪ ኣብ ስደት ዝነብሩ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። 310 ጋዜጠኛታት ኣብ ስደት ይርከቡ።
ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ሃገራት ወጻእ ብስደት ዝነብሩ ጋዜጠኛታት ኣለው።
መብዛሕትኦም ማእሰርቲ፣ ናይ ሞት ምፍርራሕን ብኦንላይንን ካብኡ ወጻእ ብዘለው መገዲታትን ግህሰታት ዝበጽሖም እዮም።
እዞም ጋዜጠኛታት “ስርሖም ክቕጽሉ ዘኽእሎም ብሕታዊ ኣማራጺ ብኣስገዳድ ካብ ዓዶም ምውጻእ እዩ፤ ሕጂ ብዝሒ ኣብ ስደት ዝነብሩ ጋዜጠኛታት ክውስኹ ምርኣይ ንናጽነት ፕረስ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ’ዩ” ክትብል ዳይሬክተር ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ሊሊያን ላንዶር ተዛሪባ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2021 ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ስልጣን ክሕዝ እንከሎ፡ ቢቢሲ መብዛሕትኦም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኣባላቱ ኣውጺኡ።
ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ክሰርሓ ኣይተፈቕደለንን፤ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ድማ ምፍርራሕ ይበጽሖም ነይሩ።
ሚያንማርን ኢትዮጵያን’ውን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝበጽሕ ጸቕጢ ሓይሉ ዝተርኣየለን እየን። ካብዘን ሃገራት ብናጻ ጸብጻባት ምስራሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ይርከብ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፐርዢያን ጂያር ጎል “ወትሩ ንነብሰይ ምስ ሓለኹ’የ” ይብል።
ናብ ዝዀነ ክፍሊ ክኣቱ እንከሎ፡ መጀመርታ ከረጋግጾ ዝደሊ ነገር ክሃድመሉ ዝኽእል ኵነታት ኣሎ’ዶ የለን ዝብል እዩ።
“ኣብ ገዛይ ብዙሕ ናይ ድሕነት ካሜራታት ኣለኒ፤ ናይ ጓልካ ቤት ትምህርቲ’ውን ክትቕይረላ ኣለካ ተባሂለ’የ” ክብል ንዝርከበሉ ኩነታት ይገልጽ።
ጂያር፡ ካብ 2007 ኣ.ኤ ጀሚሩ ናብ ኢራን ኣይተመልሰን።
ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣዲኡ ክርከብ ኣይክኣለን። ናይ መቓብር ቦታኣ ንክርኢ ግን ናብ ዶብ እታ ሃገር ከይዱ።
በዓልቲ ቤቱ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብመንሽሮ ካብ እትመውት ንድሓር ግን ዝያዳ ጥንቃቐታት ኣብዚሑ።
“ዝዀነ ነገር እንተዀይነ፡ ጓለይ እንታይ’ያ ክትኸውን? እዚ ወትሩ ኣብ ሓንጐለይ ዝመላለሰኒ ነገር’ዩ። ስርዓት ኢራን ኣዝዩ ዘፍርሕ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። ከበድቲ እገዳታት ይግበረሉ ኣሎ። ግን ድማ ተነጽሎ ይገጥሞ ስለ ዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም እንታይ ክብል ይኸውን ብዛዕባ ዝብል ግዲ የብሉን” ኢሉ።
ሰራሕተኛ ኮሚቴ ተሓላቒ መሰላት ጋዜጠኛታት (ሲፒጄ) ዝዀነት ጆዲ ጊንስበርግ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ቁጽሪ ኣብ ስደት ደገፋት ፋይናንስን ሕግን ዝገብሩሎም ጋዜጠኛታት ብ225 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸ ትገልጽ።
“ብዝሒ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ዳርጋ ክብረወሰን ዝሓዘ ኰይኑ’ዩ። ካብ 2015 ጀሚሩ ብዝሒ ዝቕተሉ ጋዜጠኛታት ልዑል ኰይኑ” ትብል።
ኣብ ሩስያ፣ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ዘለው ስርዓታት፡ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዘሎ ተረኻት ንምቁጽጻር ልዑል ጻዕሪ ከም ዝገብሩ ትገልጽ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሩስያ ኒና ናዛሮቫ፡ ድሕሪ'ቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ወራር እያ ካብ ዓዳ ወጺኣ።
ምስ ጋዜጠኛ በዓል ቤታን ወዲ 16 ወርሒ ውላዳን ድማ ናብ ቱርኪ ከይዶም።
“ደንዚዘ ተሪፈ፤ 4 መጋቢት 2022 ሓድሽ ሕጊ ምምያ ግብራዊ ኰይኑ። ኣነ ነቲ ኲናት፡ ኲናት ይብሎ ነይረ። በዚ ምኽንያት ከኣ ብቐሊሉ ክእሰር ይኽእል’የ” ትብል።
ቅድሚ እቲ ኲናት ምጅማሩ፡ ንዕረፍቲ ናብ ዱባይ ክኸዱ መደብ ስለ ዝነበሮም ኣብ ቱርኪ ንሓደ ሰሙን ምስ ጸንሑ ናብ ዱባይ ከይዶም።
ድሕሪኡ፡ ናብ ሞንቴነግሮ ከይዶም፤ ቢቢሲ ድማ ኣብ ርእሰ ከተማ ሪጋ ኣብ ስደት ንዝሰርሑ ጋዜጠኛታቱ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እዚ ዓመት፡ መሳርሕቲ ኒና ዝዀነ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሩስያ ኢልያ ባራባኖቭ “ልኡኽ ወጻኢ” ተባሂሉ “ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕ” ከምኡ’ውን እቲ ኲናት ብምቅዋም ተኸሲሱ።
ንሱ ኰነ ቢቢሲ፡ ነዚ ክሲ ስለ ዘይቕበሉዎ ኣብ ቤት ፍርዲ ይካትዑ’ዮም ዘለው።
እቶም ጋዜጠኛታት ካብ ሃገሮም ምስ ወጽኡ’ውን እንተዀነ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ ምፍርራሓት ጠጠው ኣየብልን።
ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ጋዜጠኛ ናይ ውልቂ ሚዲያ ‘ኢራን ኢንተርናሽናል’ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ እግሩ ብካራ ተወጊኡ።
ኣብ ቀረባ፡ ፖሊስ ጸረ-ሽበራ ብሪጣኒያ ኣብ ብሪጣኒያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ፐርዢያ ዝበጽሕ ምፍርራሕ ከም ዝወሰኸ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ብ2022፡ ኣቕራቢት ዜና ቢቢሲ ፐርዢያ ራና ራሂምፑር መኪናኣ ተሰይራ፤ ኣብ ውሽጢ ድማ መስምዒ ድምጺ ተገጢሙላ ክኸውን ከም ዝኽእል ጥርጣረ ኣለዋ።
ምስ ኣዲኣ ዝገበረቶ ዕላል ከኣ መንግስቲ ኢራን ኣብ ዘመሓድሮ መርበብ ተሓቲሙ።
እዚ ድማ፡ ነቲ ስርዓት ከም እትድግፍ ብዘምስል መልክዑ ክቐርብ ተገይሩ።
ብርክት ዝበሉ መርበባት ከጸልሙዋ ምስ ጀመሩ፡ ራና ካብ ናይ ጋዜጠኝነት ስረሓ ዕረፍቲ ክትወስድ ተገዲዳ።
“እቲ ስርዓት ዝጥቀመሉ ስልቲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እናዀነ’ዩ ዝመጽእ ኣሎ። እቲ ንዓይ ዘጋጠመኒ፡ ሓደ ካብቶም ጋዜጠኛታት እምነት ክንስእን፣ ክንህደድ፣ ኢሉ’ውን ኣፍና ንክንዓጹ ዝገብረሎም ኣገባባት እዩ” ትብል።
እዚ፡ መሓዙታን መሳርሕታን ኣብ ሓያል ጸቕጢ ክወድቁ ገይሩዎም።
“ወትሩ ኣብ ኢራን ምስ ዘላ ኣደይ ከውግዕ እንከለኹ ዝዀነ ሰብ ከም ዝሰምዐና ርግጸኛ እየ” ትብል ካልእ ኣቕራቢት ዜና እቲ ክፍሊ ዝኾነት ፋርናዝ ግሃዚዛዴህ።
“ንከጥፍኡኻ ዝዀነ መገዲ ከም ዘይስእኑ ስለ እትፈልጥ ኣዝዩ’ዩ ዘፍርሕ” ትብል።
ንዝሓለፉ 21 ዓመታት ናብ ኢራን ከይዳ ኣይትፈልጥን። ኣብ ቀረባ ድማ ንሳን ካልኦት ትሸዓተ መሳርሕታን ኣብ ዘየለውሉ ማእሰርቲ ሓደ ዓመት ከም ዝተፈርዱ ሰሚዓ።
ቅድም ኢሉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ፐርዢያ ጐነጽ፣ ዘረባ ጽልኣትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ብምልዕዓል ከሲሱዎም ነይሩ።
ፋርናዝ፡ በዓል ቤታ ብሰንኪ ኣብ ሓደ ብሎግ ዝጽሓፎ ጽሑፍ ን25 መዓልቲታት ምስ ተኣሰረ ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ውላዶም ሒዞም ካብታ ሃገር ወጺኦም።
ኣብ ኢራን፡ ኣቡኣ ብቐጻሊ ብኣገልግሎት ድሕነት ኢራን እናተጸውዐ ምፍርራሕ ይበጽሖ፤ ጓሉ ናብ ዓዳ ክትምለስ ክነግራ ከም ዘለዎን ወዲ ጓሉ ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ከም ዝፈልጡዎን ይነግሩዎ።
ብ2022፡ ሓው ፋርናዝ ብጽኑዕ ሓሚሙ፤ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዱ ከኣ ክናብዩዎ ኣይክኣሉን።
ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ሓዋ ሞይቱ። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ኣቡኣ ሞይቱ።
“ካብዚ ፈጺመ ክሓዊ ኣይኽእልን፤ ምስ ወለደይ፣ ኣደይ ክኸውን እየ ዝደሊ፤ ግን ኣይክኣልኩን” ትብል።
ንቢቢሲ ፓሽቶ እትሰርሕ ጋዜጠኛ ሻዚያ ሃያ፡ ኣብ ስደት እትነብሮ ህይወት ጣዕሳ ዝመልኦ እዩ ኰይኑዋ።
ብ2022፡ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ክቈጻጸር እንከሎ ናብ ብሪጣኒያ መጺኣ፤ ወለዳን ሓዋን ኣብ ካቡል ተሪፎም።
“ለይቲ ሰዓት 02፡00 ካብ ገዛ ወጺአ፤ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይፈልጥን ግን ንሓወይ ክሓቑፎ ኣይክኣልኩን። በዚ ኣዝየ’የ ዝጥዓስ። ኣነ ኣብዚ ናጻ ኣለኹ፤ ንሶም ግን ዳርጋ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለው’ዮም” ኢላ።
ሻዚያ፡ ብቐጻሊ ግዳይ ብኦንላይን ዝበጽሕ ግህሰት እያ።
"ሕጂ እቶም ዝበጽሑኒ መልእኽቲታት ናይ ሞት ምፍርራሕ ኣየንብቦምን፤ ሓሓሊፉ ጾታዊ'ዩ፤ ኣዝዩ ዝኸፍአ ይኸውን" ክትብል ተረድእ።
ቁጥዐ መንግስቲ ሃገሩ ከይጋደድ ብምስጋእ ሽሙ ክዕቀብ ዝመረጸ ሓደ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ፡ መንግስቲ ፓስፖርቱ ንምሕዳስ ፍቓደኛ እንተዘይኰይኑ ሃገር ኣልቦ ከይኸውን ከም ዝሰግእ ተዛሪቡ።
ብዙሓት ጋዜጠኛታት፡ ካብቲ ዝበጽሖም ምፍርራሕ ንላዕሊ ካብ ሃገሮም ወጻእ ኰይኖም ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘለው ምዕባለታት ጸብጻባት ምስራሕ ከም ዘተሓሳስቦም ገሊጾም።
ሻዚያ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዙሕ ተንቀሳቒሳ ትሰርሕ። ሰባት ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ህይወተንን ዝድህስሱ ቃለ መጠይቓት ትገብር ነይራ።
ሕጂ፡ ብቴሌፎን ኣብ እትገብሮም ቃለ መጠይቓት እምነት ሰባት ክትረክብ ብዙሕ ትደክም።
ኣብ ኣፍጋኒስታንን ኢራንን ንቢቢሲ ቃሎም ዝህቡ ሰባት ምፍርራሕ ይበጽሖም'ዩ።
ኒና'ውን፡ ስርሓ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ፤ ኣብ ርሑቕ ቦታ ኰይንካ ምስራሕ፣ ሰባት ንኻልኦት ዘይነግሩዎም ዛንታታት ክነገፍሩዋ ከተእምን ምግባር፡ኣብ ልዕሊ ክእለታ ኣሉታዊ ጽልዋ ከየሕድር ትሰግእ።
ምስ ቤተሰብን መሓዙትን እተሕልፎ ግዜ'ውን ይናፍቓ።
ኣብ ስደት ምስራሕን ምንባርን፡ ዳርጋ ፍርቂ ህይወት'ዩ ትብል ፋርናዝ።