ኢትዮጵያ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮንን ካብ መሪሕነት ብልጽግና ተሰናቢቱ

ኣቶ ደመቀ መኮንን ካብ ሓላፍነት ውድቡ ይሰናበት

ምንጪ ስእሊ, AMICO

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን ካብ ሓላፍነት እቲ ውድብ ከምዝተሰናበተ ተገሊጹ።

ማእከላይ ኮሚተ እቲ ሰልፊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ዝኾነ ኣቶ ደመቀ “ንውጥን ምትኽኻእ መሪሕነትን ንስርዓት ኣሰራርሓን ብምኽታል” ከምዝተፋነወ እዩ ገሊጹ።

ንኣቶ ደመቀ መኮንን ብምትካእ ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ኢትዮጵያን ኣባል ፈጻሚ ኣካል እቲ ሰልፍን ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ምክትል ፕረዚደንት ብልጽግና ኮይኑ ተመሪጹ'ሎ።

ኣቶ ደመቀ ካብ መሪሕነት እቲ ሰልፊ ምስንባቱ፡ ኣብ መንግስቲ እታ ሃገር ሒዝዎ ካብ ዝርከብ መዝነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ክወርድ ከምዝኽእል ዘመላኽት ምዃኑ ይግለጽ።

ንነዊሕ ዓመታት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለ ኣቶ ደመቀ ንኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ብምትካእ እዩ ድርብ መዝነት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ተረኪቡ።

ኣብ እዋን ስርዓት ኢህወደግን ምስዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ብልጽግናን ኣገዳሲ ስልጣን ሒዙ ዝጸንሐ ኣቶ ደመቀ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ቀጺሉ ኣብቲ ሰልፊ ካብ ዝርከቡ ክልተ ምክትል ፕረዚደንታት ሓደ እዩ ኔሩ።

ኣቶ ደመቀ መኮንን መን እዩ?

ኣብ 1980 ኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብስነህይወት ቀዳማይ ዲግሪ ዝረኸበ ኣቶ ደመቀ፡ ካልኣይ ዲግሪኡ ብኣፈታትሓ ግርጭት እዩ ሰሪሑ።

ንሱ ኣብ ፈለማ 1980ታት እዩ ናብ ኢህወደግ ተጸንቢሩ፤ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ከኣ ኣባል ቤትምኽሪ ክልል ኣምሓራ ኮይኑ ኔሩ።

ኣብ 1997 ኣቈጻጽራ ግእዝ ርእሰ ምምሕር ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ኣባል ፈጻሚት ኮሚተ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራ (ብኣዴን) ኮይኑ ተመሪጹ።

ኣቶ ደመቀ ኣቦ መንበር ብኣዴን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሕዳር 2005 ምክትል ኣቦ መንበር ኢህወደግ ኮይኑ ካብ ዝተመረጸሉ ግዜ ጀሚሩ ከም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር የገልግል ኣሎ።

እቲ መምህር ነበር ናብዚ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኮይኑ'ውን ኣገልጊሉ ነይሩ'ዩ።

ኣብዚ እዋን ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኾነ ኣቶ ደመቀ፡ ካብ መዝነት ሰልፊ ብልጽግና'ኳ እንተወረደ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ኮይኑ የገልግል ኣሎ።