መቓብር ፍሒርካ...፡ 'መስቀል ጓለይን ኣደይን ተሰሪቑ'

መካነ መቓብር፡ ንደቂ ሰብ ብዙሕ ነገራት ስለዘዘኻኽሮም ጥራይ ዘይኰነ፡ ሬሳ መዋትያን ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ዝረኽበሉ መካን ስለዝዀነ፡ ብንቡር ክትበጽሖ'ውን ዝድፈር ኣይኰነን። በዚ ድማ እዩ ካብ መቓብር ዝግበር ስርቂ ብዙሕ ግዜ ዘዛርብን፡ ሕሉፍ ነውሪ ዝቝጸርን።

እዚ ይዅን ግን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት መካነ መቓብር ኣቲኻ ምስራቕ ይርአ እዩ። ገሊኡ ነቲ ኣብ ዝባን መቓብር ዝጸንሕ ይዅን መካለሊ ሓጺን መጺን፡ እምነ-በረድ ወዘተ ቀንጢጥካ ምውሳድ ክኸውን እንከሎ፣ ገሊኡ ነቲ መቓብር ብቐንዱ ፍሒርካ ዝግበር ስርቂ ምዃኑ'ውን ይንገር። እዚ ዛንታ ድማ ዝነግረና ኣለዎ፤

ኣብ ምብራቓዊ ታንዛንያ ከተማ ሞሮጎሮ እዩ።

ኣብ ሓደ ንእሽቶ ክፋል መካነ መቓብር ጥራይ፡ ልዕሊ 250 መቓብራት ዒላማ ከምዝዀኑ መረዳእታታት ይሕብሩ።

እቲ ስርቂ መብዛሕትኡ ግዜ ሓለውቲ መቓብርን ጸጥታን ኣብ ዘይህልወሉ እዋን እዩ ዝፍጸም።

ፑደንስያና ቹምቢ፡ ንዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት፡ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ናብ መካነ መቓብር ብምኻድ መቓብር ጓላን ኣደኣን ትበጽሕ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ግን፡ እቲ መቓብር ተዃዒቱ ተራኺሱ ረኺባቶ።

እቲ መጀመርታ ዒላማ ዝተገበረ፡ መቓብር ናይታ ኣብ 2000 ዝሞተት ኣደኣ እዩ።

እታ ስድራቤት ኣብ መወዳእታ 2021 ነቲ ዝተሰርቀ መስቀል ንምትካእ ገንዘብ ኣዋጺኣ ኣብ እትንቀሳቐሰሉ እዋን፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ፡ መቓብር ጓላ ተፋሒሩ።

ጓላ ኣብ 1997 ኣብ መበል 15 ዓመት ዕድመኣ እያ ሞይታ።

መስቀል ጓላ ክትትክእ ኣብ ዝመፀትሉ እዋን፡ ሓጺን ምትካል ኣማራጺ ከምዘይኮነ ተሰሚዑዋ።

"እዚ መቓብር ጓለይ እዩ - ራብዓይቲ ውላደይ" ትብል ናብቲ ብኮንክሪት ዝተሰርሐ መስቀል እናመልከተት።

ስርቂ መስቀላትን ምልክታትን ካብ መቓብር ኣብዚ ከባቢ፡ ብሰንኪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጠለብ ሓጺነ መጺን ዘሰክፍ ዝንባለ ኰይኑ ኣሎ።

ሚስ ቹምቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "እቶም ነዚ ዝገብሩ ሰባት ርጉማት እዮም፣ ምኽንያቱ ኵሉ ሰብ በቲ ዝኸይድ ዘሎ ይሓዝን" ኢላ።

"ሕጂ ገለ መንእሰያት ኣለዉ፡ ነቲ መቓብራት ንሓደ ለይቲ ንምሕላው ክፍሊት ዝጠልቡ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ስርሓት ካይላ ዘለዎም።"

ምኽንያቱ፡ ስርሓት ካይላ ሰባት ኣብ ገዛኦም ከም መመልክዒ ንኽጥቀምሉ እውን ክሽየጥ ይኽእል እዩ።

ሓው ወ/ሮ ቹምቢ ዝዀነ ኣውጉስቲን ረሚ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ዘሕርቕ ምዃኑ ይዛረብ።

"እዚ ኣዝዩ ሕማቕ ግብሪ'ዩ... እዞም ክብሪ ዝግብኦም ከባቢታት ከምዚ ዓይነት ሕማቕ ተግባራት ክፍፀሞም ምርኣይ፡ ብሓቂ ብዙሕ የሕዝን" ክብል ንቢቢሲ ይዛረብ።

እዚ ተግባራት ስርቂ፡ ኣብ ልዕሊ ገለ መናእሰያት ተስፋ ምቝራጽ ዘንጸባርቕ ኰይኑ፡ ነቲ ቅዱሳት ቦታታት ዝምልከት ስነ-ምግባራዊ ክብሪታት ዝጻረር እዩ።

እቶም ገበነኛታት ንሓደ ኪሎ ካብ 700 ክሳብ 870 ሽልን ታንዛንያ [0.27-0.34 ዶላር] ክረኽቡ ይኽእሉ።

ዓቢ ገንዘብ ኣይኮነን፤ ግን ድማ ንሓንቲ መግቢ ወይ ገለ ኣብቲ ከባቢ ዝተዳለወ ኣልኮላዊ መስተ ከግዝኦም ይኽእል።

"ነጋዶ ሓጺን መብዛሕትኡ ግዜ ሕቶ ከይሓተቱ እዮም ዝገዝኡ" ይብል ሓደ ካብ መካነ መቓብር መስቀል ሰሪቑ ከምዝሸጠ ንቢቢሲ ዝኣመነ ሰብኣይ።

እቲ ስሙ ከይገለጸ ዝዛረብ ውልቀሰብ፡ እቶም ሰረቕቲ መጀመርያ ነቶም መስቀላት ቅድሚ ናብ ነጋዶ ምውሳዶም ቈራሪጾም ከም ዘዳልውዎምይገልጽ።

እቶም ነጋዶ ዝተሰርቀ ኣቑሑ ክገዝኡ ብሕጊ ይሕተቱ እዮም።

ኣብ ማእከል ከተማ ሞሮጎሮ ዝነብር ነጋዳይ ኢዚረ ራማዳኒ፡ ኣብ 2023 ምስ ገለ ካልኦት ነጋዶ፡ ዝተሰርቀ መስቀል ክሸይጥ ዝፈተነ ሰብ ሒዙ ናብ ፖሊስ ከምዝሓበረ ይዝክር።

"ቀደም መስቀል የምጽኡልና ነይሮም። ድሕሪኡ ግን ንሓደ ካብኣቶም ናብ ፖሊስ ወሲድናዮ፣ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ማእሰርቲ ተፈሪዱ ድሕሪኡ እቲ ስርቂ ነክዩ፤ ሕጂ ግን ተመሊሱ'ሎ" ይብል ሚስተር ራማዳኒ ንቢቢሲ።

ዝተሰርቀ ኣቑሑት ከምዘይገዝእ ድማ ይዛረብ።

"መስቀል ናብዚ እንተመጺኡ፡ እቲ ክሸጠልና ዝመጽእ ሰብ ናብ ፖሊስ ስለ እንወስዶ ኣብ ጸገም ክወድቕ'ዩ።"

ሓላፊ ጥዕና ሞሮጎሮ ዶክተር ንዲሚለ ኪላቱ፡ ሰበስልጣን እታ ከተማ ሓጹርን ሓለውትን ብምትእትታው ጸጥታ መቓብር ንምምሕያሽ መደብ ከምዘለዎም እኳ እንተገለጹ፡ "ግዜ ዝሓትት እዩ" ይብል።

ነዚ ገበናት ንምምላስ መንግስቲ ታንዛንያ እውን ንኢንዱስትሪ ሓጺን ንምቁጽጻር ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ዶቶ ቢተኮ፡ ፍቓድ ዘለዎም ትካላት ንግዲ ሕግን ስርዓታትን ክኽተሉ ከምዘለዎም ኣስሚሮምሉ።

መራሕቲ ሃይማኖት እውን ማሕበረሰቦም ኣብዞም ገበናት ዝተሳተፉ ሰባት ንኽግስጹ ጻውዒት የቕርቡ ኣለው።