ኣብ ዓለም፡ ብዙሕ ዘይተነግረለን 11 ጸለውቲ ጸለምቲ ደቀንስትዮ

ጸለምቲ ህዝቢ ኣብ ታሪኽ ዓለም ንሕብረተሰብ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።

ኣብ ዓውድታት ስነ-ጥበብ፡ ሙዚቃ፡ ሳይንስ፡ ስነ-ጽሑፍን ካልኦት ብዙሓት መዳያትን ምዕባለን ለውጢን ከም ዘወፈዩ ኣየካትዕን።

እዞም ኣበርክቶታት እዚኦም ግን መብዛሕትኡ ግዜ ዕሽሽ ክበሃሉ እዮም ጸኒሖም፤ ሕጂ'ውን እንተዀነ ቅኑዕ ቦታ ዘይረኸቡ ኣለዉ።

ናይ'ዚ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ ሕብሪ ቈርበቶም ከም ካልኦት ሰባት ማዕረ ስለዘይረኣዩ እዩ።

ንሎሚ ንምእማኑ ዘጸግም ኣበርክቶ ዝገበራ 11 ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ክነላልየኩም።

ፊሊስ ዊትሊ (1753 - 1784)

ፊሊስ ዊትሊ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እያ ተወሊዳ።

ንእሽቶ እንከላ፡ ብመርከብ ናብ ኣመሪካ ተወሲዳ ዊትሊ ንእትበሃል ስድራ-ቤት ከም ባርያ ክተገልግል ተሸይጣ።

ሽም ናይታ ዝተሳፈረትላ መርከብ ፊሊስ እዩ።

ካብዚ ብምብጋስ ድማ ፊሊስ ተባሂላ። ዊትሊ ድማ ካብ ሽም እታ ዝዓደገታ ስድራቤት ወሲዳ።

ፊሊስ ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂራ፤ እዚ ኣብቲ እዋን'ቲ ከምኣ ንዝኣመሰሉ ሰባት ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ።

ኣብ መበል 14 ዓመት ዕድሚኣ ናይ መጀመርታ ግጥማ ጽሒፋ።

ኣብ 20 ዓመት ዕድሚኣ ምስ ወዳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምኻድ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ናይ መጀመርታ መጽሓፋ ኣሕቲማ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታውን ሞራላውን ዛዕባታት ዝደረሰቶም ግጥምታት፡ ኣብ 1773 ብጥራዝ መልክዕ ተሓቲሞም።

እዛ መጽሓፍ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ፡ ብዝዀነ ጊላ ኰይኑ ከገልግል ዝተፈርዶ ሰብ ዝተሓትመት ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ግጥሚ ምዃና ይእመን።

ብመሰረት'ዚ ድማ ፊሊስ ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ገጣሚት ኰይና'ያ።

እቲ ንኡድ ኣጸሓሕፋኣ፡ ሰባት ይከኣል'ዩ ኢሎም ኣብ ዘይኣምኑሉ እዋን፡ ባሮት ደቂ ኣንስትዮ ዘገርም ብልሒ ክህልወን ከም ዝኽእል ዘረጋገጸ ነይሩ።

እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ንምንቅስቓስ ጸረ-ባርነት ኣበርክቶ ዝገበሩ ረቛሒታት ክኸውን ክኢሉ።

ሜሪ ሲኮል (1805 - 1881)

ሜሪ ሲኮል ኣብ ጃማይካ ተወሊዳ ዝዓበየት ኰይና፡ ብ1854 ግን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ግዒዛ።

ኲናት ክሪሚያ ካብ 1853-1856 ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ውጕኣት ወተሃደራት ንምሕጋዝ ካብ ቤት ጽሕፈት ፍቓድ ሓቲታ።

ይኹን'ምበር ስለ ዘይተፈቐደላ፡ እቲ ድሌታ ክትፍጽም ኣይከኣለትን።

ስለዚ፡ እቲ ዘድሊ ገንዘብ ኣዋህሊላ ናብ ባላክላቫ፡ ዩክረይን ተጓዒዛ። ኣብኡ ድማ፡ ንዝተጎድኡ ወተሃደራት እንግሊዝ ትከናኸን ነይራ።

እዚ ኵሉ ገይራ ግን፡ ኣብ ዝሞተትሉ እዋን ብዙሓት ሰባት መንነታ ይኹን ዝሰርሓቶ ዘደንቕ ስራሕ ኣይፈለጡን ነይሮም።

ይኹን እምበር ኣብዚ ቀረባ እዋን ደገፍቲ ሰባት ንዅሉ ሜሪ ሲኮል ዝገበረቶ ክዝክርዎ ጐስጓስ ኣካይዶም።

ብድሕሪ'ዚ ኣብ 2016 ኣብ ለንደን ኣብ ኣፍ ደገ ሆስፒታል ቅዱስ ቶማስ ሓወልቲ ተሃኒጹላ።

እዚ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንሓንቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ንምኽባር ዝተሰርሐ ፈላማይ ሓወልቲ እዩ።

"ሓወልቲ ዝግብኦ ሰብ እንተሃልዩ፡ ሜሪ ሲኮል እያ፡" ክትብል ደራሲት ማሎሪ ብላክማን ንቢቢሲ ገሊጻ ነይራ።

ፋኒ ኤተን (1835 - ኣይተፈልጠን)

ኣብ ቅድሚ መፋርቕ 1880ታት ዝጀመረ ዘመነ ስነ-ጥበብ፡ ፋኒ ኢተን ብዙሕ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ትለዓል።

ፋኒ፡ ንሓያሎ ፍሉጣት ስነ-ጥበባውያን ሞዴል ኰይና ሰሪሓ'ያ።

ካብ ጃማይካ ናብ ለንደን ድሕሪ ምግዓዛ፡ ኣብ ሮያል ኣካዳሚ ትሰርሕ ነይራ።

ኣብ 1768 ኣብ ለንደን ዝተመስረተ ሮያል ኣካዳሚ፡ ብፍላይ ብስእሊ፡ ቅርጻ-ቅርጽን ስነ ህንጻን ኣዝዩ ዝፍለጥ ቤት ትምህርቲ ስነ-ጥበብ እዩ።

ሓደ ካብቶም ፋኒ ሞዴል ዝዀነትሎም ስነ-ጥበባውያን ድማ ዳንተ ጋብሪኤል ሮዘቲ እዩ።

ሮዘቲ፡ ፋኒ ክሳብ ክንደይ ጽብቕቲ ምዃና ይንእድ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዙሓት ሰባት ንጸለምቲ ከም ጽቡቓት ዘይርእይወን ስለ ዝነበሩ፡ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስነ-ጥበብ ምዕራባውያን ብዙሕ ኣይተራእያን።

ስለዚ ኣብቲ እዋን ሮዘቲ ዝሃቦ ርእይቶ ዘገርም እዩ።

ነዚ ምዕራባዊ ኣምር ጽባቐ ብድሆ ክትከውን ዝኸኣለት ፋኒ ኢተን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ታሪኽ ስነ-ጥበብ ኣገዳሲት ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ኤቨሊን ዶቭ (1902 - 1987)

ኤቨሊን፡ ኣቦኣ ካብ ሴራሊዮን ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሰደደ ጠበቓ እዩ።

ንሱ፡ ምስ ሓንቲ ጓል ዓዲ ኢንግሊዝ ሓዳር ድሕሪ ምምስራቱ ኤቪሊን ተወሊዳ።

ኤቨሊን ትምህርታ ኣብ ሮያል ኣካዳሚ ሙዚቃ እያ ተኸታቲላ።

ኣብኡ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ገለ ካብቶም ብሉጻት ጸለምቲ ኣዘናጋዕቲ ምርኢት ኣቕሪባ ነይራ።

ቀጺላ ድማ ኣብ 1920ታት ኮኸብ ሙዚቃብ ተዋስኦን ኰይና።

ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ተዋሳእቲ ብሰንኪ ዓሌታዊ ጽልኢ ከም ጸለምቲ ኣዘናጋዕቲ ተመሳሳሊ ኣፍልጦ ንምርካብ ኣብ ዝቃለሳሉ እዋን፡ ኤቪሊን ዘጋጠምዎ ብድሆታት ተጻዊራ ኣብ መላእ ዓለም ፍልጥቲ ክትከውን ክኢላ እያ።

ሊልያን ባደር (1918 - 2015)

ኣብ 1918 ኣብ ሊቨርፑል ዝተወልደት ሊልያን ባደር፡ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ናብ ዕጡቕ ሓይሊ እንግሊዝ ዝተጸንብራ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ እያ።

ኣብ ዮርክሻየር ኣብ ዝርከብ መደበር ሰራዊት ከም ተሓጋጋዚት ቤት መግቢ ኰይና እያ ስራሕ ጀሚራ።

ኣብ መወዳእታ ግን ከም ጽገና መሳርሒታት ሰልጢና፤ ብድሕሪኡ ድማ መራሒት ነፈርቲ ጓል ኣንስተይቲ ኰይና።

ነዊሕ ከይጸንሐት ድማ መዓርግ ኮርፖራል ተሰሊማ።

ሰለስተ ወለዶታት ስድራቤታ ኣብ ዕጡቕ ሓይሊ ዓባይ ብሪጣንያ ኣገልጊሎም እዮም።

ቆልዑ ክትወልድ ካብ ሰራዊት ድሕሪ ምፍናዋ፡ ዳግማይ ትምህርታ ቀጺላ ካብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ዲግሪ ብምርካብ መምህር ክትከውን ክኢላ እያ።

ጆኣን ኣርማትሬዲንግ (1950 - ክሳዕ ሎሚ)

ብሉዝ ሙዚቃ ዝፈትው ሰብ ንጆኣን ኣርማትሬዲንግን ጓና ኣይኰነን።

ጆኣን፡ ኣብ ምድብ ብሉዝ ንሽልማት ግራሚ ዝተሓጽየት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ስነጥበባዊት እያ።

ካብኡ ንደሓር እውን ሰለስተ ግዜ ተሓጽያ ነይራ።

ጓል 7 ዓመት ከላ ካብ ካሪብያን ደሴት ሴንት ኪትስ እያ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ግዒዛ።

ካብ 14 ዓመት ዕድሚኣ ጀሚራ ድማ ደርፍታት ትጽሕፍ ነይራ፤ ንገዛእ ርእሳ'ውን ጊታር ምጽዋት ምሂራ እያ።

ኣብ ሰብዓታት ኣብ መላእ ዓለም ዓቢ ዓወት ዘመዝገበት ፈላመይቲ ጸላም እንግሊዛዊት ደራፊት ኰይና።

ብድሕሪኡ ኣብ 2007 ኣብ ቢልቦርድስ ብሉዝ ቻርት ንፈለማ እዋን ኣብ ቁጽሪ 1 ክትስራዕ ዝኸኣለት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ክትከውን ክኢላ።

ኦሊቭ ሞሪስ (1952 - 1979)

ብመንጽር ሲቪላዊ መሰላት፡ ኦሊቭ ሞሪስ ኣገዳሲት ሰብ እያ።

ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቶም ጥራይ ጸለምቲ ከም ካልኦት ሰባት ማዕረ መሰል ኣብ ዘይነበሮም እዋን፡ ኦሊቭ ሓንቲ ካብቶም ብዙሓት ነዚ ንምቕያር ከይተሓለሉ ዝተቓለሱ ሰባት እያ ነይራ።

ንመሰል ጸለምቲ ካብ ምቅላስ ሓሊፋ እውን፡ ከም ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን መበቆል ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ጉጅለ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ብሪክስተንን ዝኣመሰሉ ጉጅለታት መስራቲት እያ።

ዋላ'ኳ ኣብ መበል 27 ዓመት ዕድሚኣ ካብዛ ዓለም እንተተፈለየት፡ ኣብተን ዝነበራ ግዜያት ጥራይ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ጸለምቲ ማሕበረሰባት ዓቢ ኣበርክቶ ክትገብር ክኢላ'ያ።

ማርጋሬት በዝቢ (1944 - ክሳዕ ሎሚ)

ማርጋሬት ኣብ ዓለም ሕትመት ኣዝያ ጽልዋ ዘሕደረት ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ኣብ 1967 ምስ ክላይቭ ኣሊሰን ኰይና፡ ኣሊሰን ኤንድ በዝቢ ዝበሃል ትካል ሕትመት ብሓባር ምስ መስረተት፡ ኣብ ብሪጣንያ እታ ዝነኣሰትን ፈላመይቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ኣሕታሚት መጽሓፍ ክትከውን ክኢላ።

እቲ ትካል ናይ ጸለምቲ ጸሓፍቲ ስራሕቲ ኣሕቲሙን ኣስማት ብዙሓት ጸለምቲ ጸሓፍቲ እውን ዝያዳ ንኽፍለጥ ሓጊዙን እዩ።

ማርጋሬት ሎሚ ብዛዕባ ድርሰት ክትዛረብ ከላ፡ "ቴክኖሎጂ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣሕታሚን ኣሰናዳኢትን ክትከውን ፈቒዱ'ዩ፡ እዚ ድማ ንብዙሓትና - ብፍላይ መንእሰያት - ክንጽሕፍን ሓሳባና ክንገልጽን ከተባብዓና ይግባእ" ትብል።

"ብሓቂ ስለ ተስተማቕርዎ ጽሓፉ፡ ንፉዓት ኣንበብቲ ኵኑ ምኽንያቱ ብሉጻት ጸሓፍቲ ብሃንቀውታ እዮም ዘንብቡ። ብዛዕባ ብሉጻት መጻሕፍቲ ዝያዳ ክትፈልጡ ኣለኩም።"

ማሎሪ ብላክማን (1962 - ክሳዕ ሎሚ)

ካልእ ስማ ዝያዳ ዝፍለጥ ደራሲት ማሎሪ ብላክማን እያ፤ ንሳ፡ ናይታ ዝበለጸት መሸጣ ዘለዋ 'ኖውትስ ኤንድ ክሮስስ' ዘርእስታ ተኸታታሊት ፊልም ደራሲት እያ።

ሻሙናይ ተዓዋቲት ሎሬት ህጻናት እያ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ነዚ ሽልማት ዝረኸበት ፈላመይቲ ጸላም ሰብ ክትከውን ክኢላ።

ማሎሪ፡ ንህጻናት ካብ ሓጸርቲ ዛንታታት ክሳብ ስእላዊ ልብ-ወለድ ዝተፈላለዩ ስነ-ጽሑፋት ክድህስሱ ብምትብባዕ፡ "ንባብ መሳጢ ንክኸውን" ክትገብር ከም እትደሊ ትዛረብ።

ማርቲን ስለምንታይ ናብ ስነ-ጽሑፍ ከም ዝኣተወት ንምፍላጥ ኣብቲ እዋን'ቲ ረኺብዋ።

ዶክተር ሸርሊ ቶምፕሰን (1958 -ክሳዕ ሎሚ)

ዶክተር ሸርሊ ቶምፕሰን፡ ሜትሮ ብዝተባህለ ጋዜጣ፡ "ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ኣነቓቓሒት ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ" ተባሂላ ተሰይማ እያ።

ኣብ 2004 ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ሲምፎኒ ዝመርሐትን ዝደረፈትን ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ክትከውን ከም ዝኸኣለት ይፍለጥ።

ኣብ 2002 ወርቃዊ ኢዮቤል ንግስቲ ንምዝካር ዝተዳለወ ሙዚቃኣ ንታሪኽ ለንደን ዘኽብር እዩ።

ኣብ ፊልምታት፡ ኣብ ተለቪዥን፡ ብሳዕሳዕትን ኣብ መድረኽን ዝዕጅቡ ሙዚቃታት እውን ኣዳልያ።

ብሰንኪ ስርሓ፡ ኣብ 2010፣ 2011፣ 2012፣ 2013፣ 2014፣ 2015ን 2016ን ኣብ ዝርዝር 100 ብሉጻት ጸለምቲ ሰባት ብሪጣንያ ተባሂላ ብኢቨኒንግ ስታንዳርድ ክትስየም ክኢላ።

ዛዲ ስሚዝ (1975 - ክሳዕ ሎሚ)

መጽሓፍ እተንብቡን ናብ ቤተ-መጽሓፍቲ ምኻድ እተዘውትሩን እንተዀንኵም፡ ብዉሑድ ሓንቲ ካብ መጽሓፍቲ ዛዲ ስሚዝ ኣይትስእኑን።

ዛዲ ስሚዝ ኣዝያ ዕውትቲ ደራሲት እያ፤ ናይ መጀመርታ መጽሓፋ ክተሕትም እንከላ ጓል 24 ዓመት ጥራይ እያ ነይራ።

ካብ ኣብ ዙርያ ዓሌትን ሕብረተሰብ ዝምልከት ዘለዋ ተመኩሮ ዝብገስ መጻሕፍታ ብዙሕ ሽልማት ክትረክብ ክኢላ እያ።

ድርሰታትን ሓጸርቲ ዛንታታትን እውን ዝጸሓፈት ኰይና፡ ሕጂ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ ፈጠራዊ ጽሑፍ ተማሂራ።