ወልደየሱስ ዓማር፡ ብዛዕባ መጽሓፉ 'ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ' እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, DM
ኣሸራ ኣብ እትበሃል ኣብ ጥቓ ሓጋዝ እትርከብ ዓዲ ተወሊዱ ዝዓበየ ወልደየሱስ ዓማር ዝነውሐ ክፋል ህይወቱ ኣብ ቃልሲ’ዩ ኣሕሊፉዎ። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ላዕላይ ጽፍሒ ኣገልጊሉ።
ወልደየሱስ ዓማር ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደቂቕ ክትንትን ዝኽእል ልዑል ዓቕሚ ዘለዎ፡ ሃዲኡን ብኣኽብሮትን ዝዛረብ ምሁር ነባር ተጋዳላይ እዩ። ተጋዳላይ ጥራይ እውን ኣይኰነን፡ ጸሓፍን ተመራማርን እውን’ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ‘ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ’ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፉ ኣሕቲሙ ንንባብ ዘርጊሑ ኣሎ። እታ መጽሓፍ ድሮ ንኣንበብቲ ተዛርብ ኣላ።
ብዛዕባኣ ብዝምልከት ምስ ደራሲ እታ መጽሓፍ ወልደየሱስ ብስልኪ ተዘራሪብና። ብዛዕባ’ታ ዘዕበየቶን ፖለቲካዊ ኣፋፍኖት ዝፈጠረትሉን ከተማ ከረን እውን ኣዕሊልና።
ብ1974 ጋዜጠኛ ‘ኢትዮፕያን ሄራልድ’ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብስራሕ ንኣቑርደት ተላኢኹ ነይሩ። ሽዑ ብከረን ይሓልፍ ስለ ዝነበረ ኣብታ ከተማ ንኽልተ ለይቲ ከምዝሓደረ ይዝክር ዓማር።
“ንከረን ንመጠረስታ እዋን ዝበጻሕኩሉ’ዩ ነይሩ። ሽዑ ወለደይ ብህይወቶም ነይሮም ... ድሓን ኵኑ ክንበሃል ከለና ኣደይ ከም ዘይንራኸብ ግዲ ተረዲኡዋ ዀይኑ፡ መሪቓ ኣፋንያትኒ” ይብል።
ብምቕጻል፡ “እዚ ናይ ከረን ተዘክሮታተይ፡ 48 ዓመታት ዝገበረ’ዩ፡ ግን ኣይበለየን” ክብል ንዘረባኡ ለቀበሉ።
ወሲኹ፡ “እቲ ዘገርም ግን፡ ከረን ካብ ሓሳበይ ተፈልያ ኣይትፈልጥን። ንከረን ተመሊሰ ነቶም ተኸናኺኖም ዘዕበዩኒ - ኣቦይን ኣደይን፡ ሓወይን ሓብተይን፡ ገለ-ገለ መቕርበይን - ብኣካል ክረኽቦም ከም ዘይክእል’ኳ እንተፈለጥኩ፡ መን ይፈልጥ ምስ ተመለስኩ ኣብኡ ብመንፈስ እረኽቦም ግዲ እኸውን” እናበለ ብኣስተንትኖ ይዛረብ።
ክምለስ ዘይክምለስ ጕዳይ ፈጣሪ'ኳ እንተኾነ፡ ጽባሕ እንታይ ከም ዘጓንፎ ኣይፈልጥን’ዩ። እቶም ንከረን ክንምለስ ኢና ኢሎም ብተስፋ ዝነብሩ ሰባት ዉዒሎም ሓዲሮም ናይ ግድን ከምዝምለሱ ይዛረብ።
ንሱ ግን ብዕድመ ይደፍእ ስለ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ’ቶም ተመለስቲ ብኣካል ክህሉ ድየ ኣይክህሉን ኣርጊጹ ከምዘይፈልጥ፡ ግን ከኣ ብመንፈስ ናይ ግድን ምስኦም ከምዝህሉ ይኣምን።
ንመንፈስ ዕላልና ብምልዋጥ፡ “እቶም ጸበብቲ ጽርግያታት ከረን ብሓሳበይ እበጽሖም’የ፣ እንኮላይ ነቶም እንዳ ሻሂታት። ብንኣሽቱና መውዓሊና ... ቤት-ጽሕፈትና’ዶ ክብለካ ... እዮም ነይሮም፣ ፖለቲካ ንለማመደሉ ዝነበርና ቦታታት ብምንባሮም ክርስዖም ከቶ ኣይክእልን።
"ክደግመልካ፡ ናይ ሓምሳታት ከረን’የ ዝዝክረልክካ ዘለኹ” እናበለ ፍሽኽታዊ መልሲ የቕርብ።
ሓሳቡ ናብ ካልእ ከየንቀደ፡ “ኣተዓባብያኻ ከመይ ይመስል ነይሩ?” ኢልና ተወከስናዮ። ኣቓልቦኡ ናባና ንኽመልስ ከኣ ግዜ ኣይወሰደሉን።
“ክቡራት ተዘክሮታት ከይሃሰሱ ኣብ ውሽጥና ኰይኖም’ዮም ንሓዋሩ ዘዕገንግኑ ... ንሩሕና ድማ የዕለቕልቑዎ’ዮም” ድሕሪ ምባል፡ “ብመን’ሞ ክጅምረልካ? በታ ዝፈትዋ ዓባይ ሓብተይ ...መምህር ምንያ ክጅምረልካ።
"ምንያ ጓል 15-16 ኸላ ኣብ ከረን ክትምህር እዝከረኒ። ብሳላኣ’የ ተሳሒበ ንከረን ወሪደ” ድሕሪ ምባል ንኸስተንፍስ ካልኢታት ሰረቐ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወልደየሱስ ዓማር፡ ኣብ ሰብዓታት ኣብ በይሩት

ምንጪ ስእሊ, DM
“ጴጥሮስ ሓወይ ኣብ ማሕረስ’ዩ ነይሩ ... ፉል ዘሪኡ ይሓፍስ ነይሩ። ትምህርቲ ነፊዐ ንኣስመራ ንልኡል መኰነን ክሰግር ከለኹ፡ ብ1961 ምዃኑ’ዩ፡ ዳያንቱስ እትበሃል ናይ ኢድ ሰዓት ብዓሰርተ ብር ተሻዪጡ ገዚኡለይ ... ዘይርስዓ ህያብ ... ብሓቂ ክቡር ተዘክሮ” ይብል።
“ኣዕሩኽትኻ በዓል መን’ዮም ነይሮም? ኢልና ምስተወከስናዮ፣ “ኣብ ኣሸራ ከለኹ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ዑመር ... ሕጂ ኣብ ኒውጀርሲ (ኣሜሪካ) ኣሎ። ከምኡ’ውን ብርሃነ፡ ኢብራሂም ... ሕጂ ኣብ ጀርመን ከም ድያቈን ኰይኑ የገልግል ኣሎ።
“ከም ኵሎም ቈልዑ ዓድና ቤትክርስትያን እናገልገልና ኢና ዓቢና። ብ1953፡ ካብ ኣሸራ ንከረን ምስ ገዓዝኩ ግን ኵሉ ተሪፉ። ኣብ ከረን ቀንዲ ኣዕሩኽተይ ስዉኣት ሚኪኤል ጋብርን ማሕሙድ ጀንጀርን ‘ዮም ነይሮም።
ዮውሃንስ ጆኬር ድማ ወዲ ክፍለይ ስለ ዝነበረ፡ ሓቢርና ኵዕሶ ንጻወት ነይርና - እኳደኣ ብኻልሲ ዝተጠቕለለት ኵዕሶ” ኢሉ ደጊሙ ስሓቕ መሎቘ። “ጥዑም ግዜ’ዩ ነይሩ” ኢሉ ኸኣ ወሰኸሉ።
“ብወለድኻ ግን ኣየዕለልካናን ... እስከ ገለ ወስ በለና” ንዝብል ሕቶ፡ ተሓጕሱ መልሲ ሃበና።
“ብ1896 ኵሎም ኣጕባዝ ተወጢጦም ንዓድዋ ክዋግኡ ምስ ከዱ፡ ኣብ ዓድና ጥምየት ኣተወ ይበሃል፣ ዝሓርስን ዝጽህን ዝዓጽድን ሰብ ስለ ዝተሳእነ። እቶም ብሓይሊ ተኸቲቦም ኣብ ዓድዋ ዝኸተቱ ደቂ ዓድና ድሕሪ’ቲ ዉግእ ንዓዲ ምስ ተመልሱ መሬቶም ከልምዑ ምስ ጀመሩ ዓድና ህይወት መለሰት።
"ሽዑ’ዩ ኣቦይ ተወሊዱ፣ ዓማር ኢሎም ከኣ ስም ኣውጽእሉ ... ብቋንቋ ትግረ ጸጋ ማለት’ዩ። ኣቦይ ኣብ ዓድና ህርኩት ሓረስታይ’ዩ ነይሩ፡ ብዛላታቱ ድማ ፍሉጥ’ዩ ዝነበረ።
“ኣደይ ሕያወይቲ’ያ ነይራ፣ ኣደ ክልተ ኣዋልድን ሓሙሽተ ኣወዳትን። ብ1983 ኣብ ኣስመራ ዓሪፋ፣ ኣብ ዓድና ጥቓ መቓብር ኣቦይ ክትቅበር’ዩ ነይሩ ድልየታ። ኣይኰነላን ግን ... ሽዑ ውግእ’ዩ ነይሩ” ኢሉ ብኣደኡ የዕልል። “ጥዑም ግዜ ምስ መጸ ድልየታ ከነርውየላ ተስፋ እገብር” ኢሉ ንተወሳኺ ሕቶና ክቕበል ኣዕረፈ።
ሒዝናዮ ዝነበርና ዛዕባ ዘሊልና ንምንታይ ንኤርትራ ኣብዚ ዕድመ’ዚ ከም ዘይተመለሰ ንኸብርሃልና ተወከስናዮ።
“ከም ሰበይ ትጽቢት ነይሩኒ፣ ዓቢ ትጽቢት እኳ ደኣ። ካብ ዓደይ ርሒቐ ንኽነብር ምርጫይ ኣይኰነን። ኣብ ከረን ኰይነ ናይ ወጋሕታ ዜማ ኣዕዋፍ እናሰማዕኩ፡ ዕራርቦ ጸሓይ እናሓለኹ ክነብር ምመረጽኩ” እናበለ ብትካዜ ኣዕለለና።
“እሞ ድኣ ...” ኢልና ተደራቢ ሕቶ ንኽንሓቶ ወስ ከነብል ... “ንዓ ግደፍ፡ ቍስለይ ኣይትጕድኣኒ” ኢሉ ዘረባኡ ተዀልፈ።
ነቲ ሕቶ ተንጠልጢሉ ብምግዳፍ ናብታ ሓዳስ መጽሓፉ ሰገርና።
ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ (1955-1975)

ምንጪ ስእሊ, DM
“ንምንታይ መጽሓፍካ ንመም. ስዩም ነጋሲ ወፊኻያ?” ኢልና ሓዲሽ ጥማር ሕቶታት ሒዝና ቀረብናዮ።
“መም. ስዩም ነጋሲ ካብ ሻድሻይ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ ዝመሃሩኒ ዘኽብሮም መምህር’ዮም ነይሮም። ብዕለት 24 ታሕሳስ 1958 ኣብ ኤርትራ ዘይርስዖ ፍጻመ ምስ ተፈጸመ፡ ሽዑ መምህር ኣብ ክፍሊ ብሓዘን ኵምትር ኢሎም ክኣትዉ ረአናዮም። ‘ሎሚ ባንዴራ ኤርትራ ወሪዳ ... ብባንዴራ ኢትዮጵያ ኸኣ ተተኪኣ’ ኢሎም ምስ ነገሩና ቀዚዝና ክንተርፍ እዝከረኒ” ኢሉ ነቲ ህሞት ገለጾ።
ርግጽ’ዩ ሽዑ፡ ባንዴራ ኤርትራ ክትወርድ፡ ሓራካ፡ እቲ ብስቱር ዝንቀሳቐስ (ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ) ዝነበረ ማሕበር ድማ ድሮ ተመስሪቱ ነበረ፣ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ብኣርብዓታት ዝተዘርአ ሃገራውነት ውጽኢት ከርኢ ዝጀመረሉ እዋን ነበረ።
እቲ ማሕበር ብመሓመድ ስዒድ ናውድ፡ ሳልሕ ኣሕመድ እያይ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ሰራሕተኛታት እዩ ተመስሪቱ።
ካብ ሽዑ፡ ማለት ካብ መፋርቕ 50ታት ጀሚሩ፡ ኤርትራውያን፡ ምናዳ ተመሃሮ፡ ናብ ካልእ ዓለም ተሰጋገሩ ክበሃል ይከኣል።
እምበኣርከስ ሓው ወልደሱስ በቲ ተመሃሮ ካብ መፋርቕ 50ታት ጀሚሮም ክሳብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ዝበጽሓሉ እዋን እንታይ ከም ዘበርከቱ ንምግላጽ’ዩ ነዛ ሓዳስ መጽሓፉ ንህዝቢ ዘቕረባ።
እቲ ኣቕሪብዎ ዘሎ ዛዕባ - ብፍላይ ተሞኵሮ ተመሃሮ ጠቀስ - መሳጥን መሃርን ኰይኑ፡ ተወሳኺ ምርምር ንኽካየድ ዝዕድም’ዩ። ብዘይ ተመሃሮ ቃልሲ ኤርትራ ኣይምጠጠዐን ዘስምዕ መጐተ’ያ ሒዛ ቀሪባ ዘላ።
እዛ 317 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ፡ ትምህርቲ ብግዜ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ከመይ ኢሉ ሰለይ ይብል ከም ዝነበረ፡ ብግዜ እንግሊዝ ከመይ ኢሉ ከም ዝማዕበለ፡ ብግዜ ንጉስ ሃይለስላሴ ከመይ ኢሉ ምስ ኣምሓርኛ ከም ዝተቈራቘሰ፣ ምስኡ ድማ ሃገራዊ ስምዒት ኣብ መናእሰይ ተመሃሮ ከምዝሰረተ እተዘንቱ መጽሓፍ’ያ።
ሓው ወልደየሱስ እቲ ቃልሲ ተመሃሮ ምስቲ ብ40’ታት ኰነ 50’ታት ዝተኻየዱ ቃልስታት ብምትእስሳር፡ ሽግ ሃገራውነት ምስ ተወልዐ ድማ ኣበየ ቦታኡ - ከረን፡ ኣስመራ፡ ባህርዳር፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ግብጽን ማእከላይ ምብራቕን ክንዮኡን - ከመይ ኢሉ ከም ዝለሓመ ዘርዚሩ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።
እዛ መጽሓፍ፡ ንብርክት ዝበሉ ሓደስቲ መኣዝናት ታሪኽ እትፍትሽ ኰይና፡ ብዙሓት ኣስማትን ዝተጻወትዎ ተራን ስለ እትጠቅስ ንኣንባቢ ናይ ባዕሉ ፍርዲ ክህበሉ እትዕድም መጽሓፍ’ያ ክበሃል ይከኣል።
መብዛሕትኡ'ቲ ክሳዕ ሕጂ ክቐርብ ዝጸንሐ ታሪኽ፡ ነቲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰርሐ ታሪኽ ዝጐሲ ምዃኑ ርእይቶታት ይወሃብ እዩ። ነዚ ኣብ ምምእዛን ተራ እዛ መጽሓፍ ዕዙዝ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
ንኣብነት እቲ ኣብ 60’ታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት፡ ምጥልላም፡ ባእስታት፡ ምስሳን ማርክሰ-ለኒንነትን፡ ብዛዕባ እቶም ንሜዳ ዝወርዱ ዝነበሩ፡ እቶም ኢዶም ዝህቡ ዝነበሩ፡ ኣብ ጃንሆይ ኣትዮም ምሕረት ዝሓተቱ፡ ኣብ መንጎ ተመሃሮ ዝዓሰለ ሌላን ጕሌላን፡ ጽልዋ ‘ንሕናን ዕላማናን’፡ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ዓለም’ያ ትሸምም።
ብዛዕባ ድፍረት ተመሃሮ፡ ምስ መራሕቲ ዀነ ፖሊስ ከመይ ኢሎም ይራጸሙ ከም ዝነበሩ፣ ዝስዕብ ዝነበረ መግረፍትን ማእሰርትን ምንባብ፡ ልቢ ኣንባቢ ዝቘሉ’ዩ ኢልካ ክግለጽ ይከኣል።
እቲ ዘሕዝን ከኣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከመይ ኢሉ ብፕሮፓጋንዳ ተጐዛዝዩ ከም ዝነበረ ንድሕሪት ተመልሲካ ምንባብ ዘገርም’ዩ።
ኣብ ምዕራፍ 12፡ ሓው ወልደየሱስ ሓደ ግሩም ዝዀነ ምስክርነት ናይቶም ሽዑ ዝተበጀዉ ተመሃሮ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ካብቲ ብተደጋጋሚ እንሰምዖ ዝርዝር ኣስማት ፍልይ ዝበለ ዀይኑ፡ እቲ ንሱ ባዕሉ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ከም ድሕረ ባይታ ተጠቒሙ ምስኡ ናይ ቀረባ ርክብ ዝነበሮም ብጾቱ ተመሃሮ ኣስማቶም ዘርዚሩ ኣሎ።
ንኣብነት ሓደ ካብቶም ኣብቲ ሊስታ ሰፊሮም ዘለዉ ሰባት፡ ኣደም መሓመድ ዓሊ ኣክተ እዩ። [ኣደም መሓመድ እንታይ እዩ ገይሩ ብሓንቲ ምሉእ ሓሳብ ክግለጽ ጽቡቕ ምኾነ] ዛንታኡ ምንባብ ንሕልና ዝትንክፍ ጽዋ’ዩ ክበሃል ይከኣል።
እቲ ዘተሓሳስብ ጕዳይ፡ ‘ንኣደም ግዜ ወሲዱን ተገዲሱን የቐንየልና ዝበሎ ሰብ ይህሉ’ዶ?’ ዝብል ሓሳብ የኸትል። በዚ ኸኣ ሓው ወልደየሱስ ንኣደም ፈልዩ ምስ ህዝቢ ከፋልጦ ብምኽኣሉ ሓንቲ መዳልያ ሸሊሙዎ ኣሎ ክበሃል ይከኣል።
ኣብ መደምደምታ መጽሓፍ ሓው ወልደየሱስ ምስ ሕልናኡ እናተጓሰጠ ዘስፈሮ፡ ክንበብ ዘለዎ ዓምዲ ኣሎ። ‘እቲ መጻኢ እንታይ ሒዙ ከም ዝመጽእ ኣይንፈልጥን፣ እንተ ግዜ’ሞ ይሓልፍ ኣሎ’ ዘስምዕ ጥቕሲ የዘኻክር።
ኣብ ደምዳም ዕላልና ...

ምንጪ ስእሊ, ወልደየሱስ
ኣብ ምድምዳም ዕላልና ሓው ወልደየሱስ ብኻልእ ሸነኽ ህይወቱ ዕድለኛ ምዃኑ ከየስመረ ክፋነወና ኣይደለየን።
ብኤርትራ ዝነበሮ ሕልምታት’ኳ ኣይስለጥ፡ ብሓዳሩን ደቁን ዕዉት ህይወት ስለ ዝተዓደለ ከም ዘመስግን ሓበረና።
እተን ሰለስተ ደቁ ብሕግን ብሳይክያትሪን (ናይ ኣእምሮ ሕክምና) ብምምህርናን ዝሰልጠና ኰይነን በብመንገደን ምስ ማሕበረሰባት ኤርትራ ዝተኣሳሰር ሓገዛት ብምብርካተን ሕጕስ ምዃኑ ይነግር።
ከምኡ’ውን በዓልቲ ቤቱ ለተኣብ፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝውዕል ሓገዛት ኣብ ምብርካት ድሕር ዘይትብል ሰብ ምዃና ሓው ወልደየሱስ ብሓበን መስከረላ።
ኣብ መጠረስታ ዕላልና ሓው ወልደየሱስ፡ “ኣብ ኵሉ መኣዝናት ዓለም ከማዕዱ ከለኹ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን እርኢ። እወ፡ እቶም ሕጂ ካብ ሃገሮም ርሒቘም ዝነብሩ ዘሎዉ ዜጋታት ካብ ዘመናት ሃይለስላሴን ደርግን ከም ዝተዓጻጸፉ እፈልጥ’የ። እዚ ድማ ዘጕሂ ጕዳይ’ዩ። ብውሑዱ፡ ብናተይ ሃለዋት ጥራይ ክርእዮ’ውን የተሓሳስበኒ - ኣነን በዓልቲ ቤተይን ከምኡ’ውን ደቀይን ደቂ-ደቀይን ንሃገርና ተመሊስና ኔርና እንተ ንኸውን፡ ነታ ሃገር ገጸበረኸት ምዀንና ኢለ እኣምን፣ ኣይተኻእለን ግን።
“እታ ሃገርና ንእሽቶ፡ በብሸነኽና ገለ ሒዝና እንተንምለሳ - ትምህርቲ፡ ገንዘብ፡ ክእለትን ዓቕምን፡ ተወፋይነት - ብመዳያት ልምዓት ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ምዀነት። ኣይኰነንዶ እቶም ዓገብ እንብል ሰባት፡ እቶም ብስም ህግደፍ ዝንቀሳቐሱ ዜጋታት’ውን ኣብ ግዳም ተሓጺሮም ተሪፎም - ዓለምና ቀባሕባሕ ኰይኑ ተሪፉ፡” ብምባል ብቝስሉ ተዛሪቡ ተፋነወና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







