ሑቲ ዝመዘዞ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከቦም ሰብ መዚ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሎም

ምንቅስቓስ ዓመጽቲ ሑቲ የመን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ገይሮም ዝሸሙዎ ኣሕመድ ጋሌብ ናስር ኣል ራሃዊ ብሓሙስ እስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝተቐትለ ተገሊጹ።

እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብዚ ሰሙን ንርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ዒላማ ብምግባር ካልኦት ሓያሎ ላዕለዎት ሰበስልጣን ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ራሃዊን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ሑቲን፡ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ከባቢ ሰንዓ ብዝፈጸማኦ መጥቃዕቲ "ተኣልዮም" ኢሉ ነይሩ።

ሑቲ፡ ካብ 2014 [ኣ.ኤ] ጀሚሩ፡ ነቲ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ካብ ሰንዓ ድሕሪ ምእላዮም ስስዓበ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ስዒቡ ንመብዛሕትኡ ክፋል ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ተቖጻጺሮምዎ ይርከቡ።

ዕጡቓት ሑቲ፡ ራሃዊ በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐተለ'ኳ እንተኣረጋገጹ፡ መነንት ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሓያሎ ሚኒስተራት ሑቲ ግን ከይጠቐሱ ምሟቶም ጥራይ ኣረጋጊጾም።

መርበብ ሓበሬታ ስዑዲ ዓረብ ኣል-ሓዳት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሑቲ፡ ሚኒስተራት ፍትሒ፡ መንእሰያትን ስፖርትን፡ ማሕበራዊ ጉዳያትን ዕዮን ከም ዝተቐትሉ ይሕብር።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሑቲ ማህዲ አል ማሻት፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሓያሎ ካልኦት ሚኒስተራት "ማእከላይን ከቢድን መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞም" ገሊጹ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሑቲ መሓመድ ኣሕመድ ሚፍታሕ፡ ስልጣን ራሃዊ ተረኪቡ ከም ዝሰርሕ ተሓቢሩ።

ራሃዊ ካብ ነሓሰ 2024 ጀሚሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ ኣብ ስልጣኑ ዝጸንሐ እዩ፤ ብዓቢኡ ዓበይቲ ውሳነታት እታ ሃገር ከም ዘሕልፍ ዓብዪ ኣካል ወይ ኣካል ናይቲ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝውጥን ላዕለዋይ ዓንኬል ዘይኰነ፡ ትእምርቲ ምንቅስቓስ ተገይሩ'ዩ ዝረአ ነይሩ።

መራሒ ናይቲ ምንቅስቓስ ዓብዱል-ማሊክ ኣል-ሑቲን ሚኒስተር ምክልኻል ናይቲ ጉጅለን፡ ካብቶም ኣብቲ ብሓሙስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል ዝሞቱ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ኣይተገልጸን ዘሎ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ቀዳም 30 ነሓሰ 2025] ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ናይ ሓለፍቲ ምትእኽኻብ ዝምልከት ስለያዊ ሓበሬታ ምስ በጽሖ "ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት" መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣፍሊጡ።

ውጽኢት ናይቲ ስርሒት ብምልኣት ይግምግሞ ከም ዘሎ ድማ ሓቢሩ።

ኲናት እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ሑቲ ብቐጻሊ ናብ እስራኤል ሚሳይላት ብምውንጫፍ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ንዝርከባ ንግዳዊ መራኽብ ዒላማ ብምግባር፡ ኣብ ጎኒ ፍልስጤማውያን ከም ዝተሰለፈ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

እስራኤል ብግዲኣ፡ መጥቃዕቲ ሑቲ ንምንካይ ብዝብል ዕላማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሑቲ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ክፋላት የመን መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዳ።