እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘገርም ፈላሚ ክስተት፡ ናብ ጥርሙስ ተቐዪሩ ዝጸንሐ ሓንጎል ሰብ
ቅድሚ 2000 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር፡ ሓደ መንእሰይ ብሰንኪ ነትጒ እሳተጎመራ ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ተቖጽየ።
ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ወዲ 20 ዓመት ኣብ ዓመተ 79 (71 ዓ.ም) እዩ ኣብ ከባቢ ኢጣልያዊት ከተማ ናፖሊ (ኔፕልስ) ግዳይ ናይቲ ባህርያዊ ሓደጋ ኰይኑ።
ሎሚ ድሕሪ ክልተ መዋእል ዜና ክኸውን ዘኽኣሎ ግን፡ እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ህይወቱ ዘይኰነስ ድሕሪ ሞቱ ዝዀኖ'ዩ።
ስጋኡ 'ሓመድ ኢኻ'ሞ ናብ ሓመድ ክትምለስ ኢኻ' ንዝብል መንፈሳዊን ግብራውን ሕጊ ንምብዳህ ይመስል፡ 'ኣይፋሉን ኣነስ ጥርሙስ'የ ዝኸውን' ከም ዝበለ'ዮም ተመራመርቲ ስነጥንቲ (ኣርኪኦሎጂስትስ) ዝገልጹ ዘለዉ።
ኣብ 2020 ኣብ ስንጭሮታት ናይቲ ግርማን ሓደጋን ከተማ ናፖሊ ዝዀነ እምባ ቨሱቪዮስ ንምርምሮም ዝኸውን ሓድጊታት ንምርካብ ዳህሳስ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ ዋን ሓደ ሽክና ሰብ ይረኽቡ።
ኣብ ውሽጢ'ቲ ሽክና ሃሰስ እንተበሉ ድማ ንእሽቶ ጸሊም ጥርሙስ ይጸንሖም።
ወዮ ተመራመርቲ እንታይነት ናይቲ ዝጸንሖም ጥርሙስ ንምፍላጥ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ኣደዪቦምን ኣውሪዶምን።
ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ እቲ ክንዲ ዓተር ዝኸውን ጥርሙስ ንጣር ሓንጎል ሰብ ክኸውን ይኽእል'ዩ ናብ ዝብል ሓሳብ ርዒሞም።
ብኸመይ ናብ ጥርሙስ ክቕየር ከምዝኸኣለ ንምፍላጥ ግን ካልእ ግድል'ዩ ዝነበረ።
እንሆ ድማ ሎምቅነ ድሕሪ ክንደይ ምርምር ነቲ ግድል ከምዝፈትሕዎ እቶም ሊቃውንቲ ገሊጾም ኣለዉ።
እቶም ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ፡ እቲ መንእሰይ ኣብ ዝሞተሉ፡ ሓንጐሉ በቲ ክሳብ 510 ዲግሪ ዝበጽሕ ዋዒ ዝነበሮ ሓምዂሽቲ ተዓብሊዂ ቀልጢፉ ምስ ዝሓለ'ዩ ናብ ጥርሙስ ክቕየር ክኢሉ።
ንፈለማ ዋን'ዩ ዝዀነ ኣካል ሰብ ወይ እንስሳ ወይ ካልእ ህይወታዊ ብባህርያዊ መስርሕ ሓሊፉ ናብ ጥርሙስ ተቐዪሩ ዝብሃል ዘሎ።
"ብመሰረት ዘካየድናዮ ፈተነ፡ እቲ ኩነታት [መጠን ዋዒ] እቲ እንኮ መገዲ ናብ ጥርሙስ ክቕየር ዘኽእሎ ብምዃኑ፡ ተመሳሳሊ ሓድጊ ክርከብ ኣጸጋሚ'ዩ፡ ዋላ'ኳ ዘይክኣል እንተዘይኰነ፡" ይብል ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ፕሮፌሰር ጒዶ ጂዮርዳኖ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሮማ ትረ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።
"ፍሉይ ክስተት'ዩ፡" ክብል'ውን ይገልጾ።
እቲ ሓንጎል ናይ ሓደ ኣብ ቀንዲ ጐደና ናይታ ብትፋእ እሳተ-ጐመራ ጎቦ ቨሱቪዮስ ዝተደብየት ጥንታዊት ከተማ ሄርኩላንየም ዝነብር ዝነበረን ኣብ ዓራቱ እንከሎ ዝሞተን ሰብ'ዩ።
እቲ ድርቅምቃም ጥርሙስ ካብ 1- 2 ሰንቲ ሜትሮ ዝበጽሕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ ብሚሊ ሜተራት ዝዕቀንን'ዩ።
ኣብቲ እዋን እሳት ዝተፍእ ኣፍ-ጥርዚ እምባ ቨሱቪዮስ ምስ ተኸፍተ፡ እተን ኣስታት 20,000 ነበርቲ ዝነበርወን ከተማታት ሄርኩላንየምን ፖምፐይን ብረመጽን ሓምዂሽትን ተጎልቢበን እየን።
ዛጊት ገለ ኣካላት ሬሳ ናይ 1500 ሰባት ክርከብ ከም ዝተኸኣለ ይንገር።
እዞም ተመራመርቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ከም ዝበጽሕዎ፡ ፈላማ ሓምዂሽቲ ናብተን ከተማታት ምስ ወረደ ዝበዝሐ ሞት ኣስዒቡ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ብድሕሪኡ ድማ ጋዝን 'ፒሮክላስቲክ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ባእታ ዝርከቦ ዝፈስስ ሓዊን ምስ ወሓዘ ነቲ ከባቢ ደብይዎ።
እቲ 'ፒሮክላስቲክ' ዝተባህለ ባእታ ናብ ጥርሙስ ክቕየር ተኽእሎ'ኳ እንተለዎ፡ ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ ግን፡ ክሳብ ክንድኡ ክውዒን ቀልጢፉ ክዝሕልን ስለ ዘይክእል ነቲ ሓንጐል ናብ ጥርሙስ ክቕይሮ ኣይክእልን'ዩ።
ጥርሙስ ክፍጠር እንተዀይኑ ፍሉጥ መጠን ዋዒ ዘድልዮ ኰይኑ፡ ብባህርያዊ መስርሕ ክፍጠር ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ትሑት'ዩ።
ዝዀነ ነገር ናብ ጥርሙስ ክቕየር እንተዀይኑ፡ ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጐ ከባቢኡን ዘሎ መጠን ዋዒ ኣዝዩ ዓቢ ክኸውን ኣለዎ።
እቲ ፈሳሲ ናይቲ ነገር ድማ ናብ ዓረ ከይተቐየረ ቀልጢፉ ክዝሕል ኣለዎ።
ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ኤክስረይን ማይክሮስኮፕን መሳርሒታት ተጠቒሙ'ዩ መጠን ናይቲ ናብ ከምኡ ደረጃ ዘብጽሐ ኩነታት ዋዒ ብውሕዱ 510 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ምንባሩ ክድምድም ክኢሉ።
ዝተረፈ ኣካላት ናይቲ ምስ ሰቡ መዓት ዘጋጠሞ መንእሰይ ግን ናብ ሓመዱ ከም ዝተመለሰ'ዩ ዝእመን።
እዚ ድማ ናብ ጥርሙስ ክቕየር ዝኽእል ገለ ፈሳሲ ጥራይ ስለ ዝዀነ'ዩ። ንኣብነት ዓጽሚ ቀልጢፉ ነዲዱ ናብ ሓምዂሽቲ ጥራይ'ዩ ክቕየር ዝኽእል።
ካልእ ናብ ጥርሙስ ክቕየር ተኽእሎ ዘለዎ ኣካላት ድማ ቀልጢፉ ክዝሕል ዕድል ከይረኸበ ብሓዊ ተሃሚዂ ይኸውን።
እቲ ሓንጐል ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ሽክና ብምንባሩ ቀልጢፉ ዝሒሉ ክቕየር ዕድል ረኺቡ ብሃልቲ'ዮም እቶም ሊቃውንቲ።
ውጽኢት ናይቲ ምርምር ኣብቲ ፍሉጥ መጽሄት ስነፍልጠት 'ኔቸር' (ተፈጥሮ) ተሓቲሙ'ሎ።