ሽፍትነት-ባሕሪ ሶማልያ፡ ዳግም ይበራበር'ዶ ይህሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ቀረባ እዋን እናወሰኸ ዝመጽአ፡ ሽፍትነት ባሕሪ - ቅርሰና - ዳግማይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ንዝርከባ መራኽብ ዒላማ ምግባር፡ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝነበረ ተዘክሮታት የለዓዕል ኣሎ።
ሽዑ ዕጡቓት ሸፋቱ-ባሕሪ ሶማልያ ኣብቲ ማያት እናሓምበቡ፡ ኣብ መራኽብ ተሰቒሎም፡ መበጆ ብምሕታት ሚልዮናት ዶላራት ይእከቡ ነይሮም።
ሰፊሕ ስጕምትታት ጸጥታ ምስ ተወስደ ግን ዳርጋ ተረሲዑ ነይሩ። እንተዀነ ካብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ዘጋጠመ ፍጻመታት ምሉእ ብምሉእ ዳግማይ ትንሳኤ ሽፍትነት ዝብል ሕቶታት ኣልዒሉ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን እንታይ ኣጋጢሙ?
ብመሰረት ጸብጻብ EUNavfor Atalanta ዝተባህለ ትካል ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንጸጥታ ባሕሪ ዝምልከት ሓላፍነት ዝስከም፡ ካብ መወዳእታ ሕዳር ጀሚሩ ብውሕዱ 14 መራኽብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ተጨውየን ኣለዋ።
ኣብዚ ወርሒ ባንዴራ ኢራን ዘንበልበለት ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ መጥቃዕቲ ክፍጸመላ እንከሎ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ባንዴራ ላይበሪያ ዘለዋ መርከብ ‘ሰንትራል ፓርክ’ ዒላማ ኰይና።
ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ድሒኖም እዮም።
ሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ምድሓን ‘ሰንትራል ፓርክ’ ከምዝተሳተፉን ድሒሮም ድማ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሶማልያውያን ክዀኑ ከምዝኽእሉን "ምስ ሽፍትነት ዝተኣሳሰር ፍጻመ ምዃኑ ብንጹር" ገሊጾም።
ኣብ ታሕሳስ ባንዴራ ማልታ ዝሓዘት መርከብ ኤምቪ ሩን ተጨውያ። እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ክሳብ ሕጂ ነታ መርከብ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከምዘለዉን 17 ኣባላት እታ መርከብ ኣብታ መርከብ ተዓጽዮም ከምዘለዉን ተፈሊጡ።
እዚ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ንፈለማ እዋን ዕዉት ጭውያ ሶማልያ ምዃኑ፡ ገበናት ባሕሪ ንምምካት ዝዓለመ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኣህጉራዊ ቢሮ ባሕሪ (IMB) ይሕብር።
ኣብ ጥሪ መጥቃዕቲ ቀጺሉ፡ ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ነቶም ባሕረኛታት ንምሕጋዝ ተንቀሳቒሳ። - ብዓርቢ፡ "ብቐርሰንቲ ሶማልያ ተጨውዮም ዝነበሩ" 19 ኣባላት እታ መርከብ - 11 ኢራናውያንን ሸሞንተ ፓኪስታናውያንን- ነጻ ከምዘውጽአ ገሊጹ።
ነዚ ጭውያታት እንታይ እዩ ኣበጊስዎ?
ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንህሉው ኵነታት እቲ ከባቢ ዝመዝመዘ ይመስል።
ቀርሰንቲ ነቲ ሃጓፍ ጸጥታ ክጥቀሙሉ ከምዝኽእሉ ኣብ ሮያል ዴንማርክ ዲፈንስ ኮሌጅ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ትሮልስ ቡርቻል ሄኒንግሰን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣህጉራዊ ሓይልታት ኣብዚ ማያት እዚ ኣብ መንጐ 2005ን 2012ን ሽፍትነት ኣብ ዝዓበየሉ እዋን ምክትታል ዝጀመሩ እኳ እንተዀኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን እቲ ትዅረት ናብቲ መራኽብ ከጥቅዕ ዝጸንሐ ጕጅለ ሑቲ ዝርከበሉ ገማግም የመን ቀይሕ ባሕሪ ከምዝበለ ገሊጹ።
"ብወተሃደራዊ ኣዘራርባ፡ ካብ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን [ሑቲ] ምክልኻል ሰፊሕ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። ስለዚ ንጸረ ሽፍትነት ምግጣም፣ ከምኡ'ውን ንሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ምምቕቓል ክህሉ" ከም ዝኸኣለ ዶክተር ሄኒንግሰን ገሊጹ።
እዚ ርእይቶ’ዚ ብኮሚሽን ህንዳዊ ውቅያኖስ (IOC) ተቓሊሑ’ሎ- እዚ ከም ሲሸልስን ኮሞሮስን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝሓቘፈ ማያት ዞባዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ እዩ።
ኮሚሽን ህንዳዊ ውቅያኖስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ወሰኽ ጭውያ ካልእ ምኽንያታት ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ኣብቲ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝነበረ ናይ መጀመርታ ማዕበል መጥቃዕቲ፡ ገለ ገፈፍቲ ዓሳ ገማግም ባሕሪ፡ ብሰንኪ መራኽብ ወጻኢ ዘካይዳኦ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ፡ መነባብሮኦም ምስ ጸልመተ ‘ዮም ናብ ሽፍትነት ተቐይሮም።
ወሲኹ፡ ሕጂ ዘሎ ፖሊሲ ምግፋፍ ዓሳ ሶማልያ ድማ ካልእ ወሰኽ ገፈፍቲ ዓሳ መራኽብ ወጻኢ ከምዘስዓበን እዚ ድማ መሊሱ ንሶማላውያን ገማግም ባሕሪ ናብ ሽፍትነት ክደፍኦም ከምዝኽእልን ገሊጹ።
ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ሶማልያ ዝመደበሩ እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ፡ ነቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ሓለዋ ንምሃብ፡ ካብ በጃ ዝረኽብዎ ኣታዊ ብጽሒት ከምዝረኽቡ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, INDIAN NAVY
ቀርሰንቲ እንታይ እዮም ዝደልዩ?
ኣብ መንጐ 2005ን 2012ን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ቀርሰንቲ፡ ንኣባላትን ሰራሕተኛታትን መራኽብ ጅሆ ብምሓዝን መበጆ ብምሕታትን ካብ 339 ሚልዮን ዶላር ክሳብ 413 ሚልዮን ዶላር ከምዝረኸቡ ባንክ ዓለም ገሚቱ።
ነዚ ታሪኽ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ፈደራላዊ ዩኒቨርሲቲ ናይጀርያ ኣብ ጉዳይ ቅርሰና ምብራቕ ኣፍሪቃ ፍልጠት ዘለዎ መምህር ሳሙኤል ኦየዎለ፡ እቶም ዳሕረዎት ጕጅለ ቀርሰንቲ መበጆ ዝሓቱ ክዀኑ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብዚ ደረጃ እዚ ግን ብርግጸኝነት ምፍላጥ ኣይከኣልን ይብል።
"ኣብ መብዛሕትኡ እዋን... ጻዕሪ ናይቲ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ብዙሓት ሃገራት ዝሓቘፈ ሓይሊ ባሕሪ ብጭቡጥ ነቲ ስርሒታት ተቘጻጺርዎ ኣሎ።"
"ስለዚ ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዕላማ ምሉእ ብምሉእ ዘይክንፈልጦ ንኽእል ኢና" ክብል ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







