እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣዝማደይ ከዛርቦም ብዘይምኽኣለይ ተጨኒቐ'- ስነ ጥበባዊ ሮፍናን
ብቕዲ ኤሌክትሮኒክስ ሙዚቓ ዝፍለጥ ኢትዮጵያዊ ስነ ጥበባዊ ሮፍናን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንዝተሃሰዩ ሰባት ካብ ጭንቆም ንኽናገፉ ሙዚቃ ከምዝሰርሕ ንናይ ቢቢሲ ዲጄ ኤዱ ገሊጹ።
ድምጻውን ገጣምን ሮፍናን “ወለዶይ ከም መፈወሲ ከምዝጥቀመሉ’የ ዝኣምን” ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ምኽንያት ኣብታ ሃገር ሓድሓድዊ ኵናት ቀጺሉ’ሎ።
ሮፍናን፡ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ “ኣብ [ትግራይ] ዘለዉ ኣዝማደይን ኣዕርኹተይን ክረኽቦም ብዘይምኽኣለይ ጭንቀት ፈጢሩለይ” ኢሉ።
ካብ ወዲ 16 ዓመት ዕድሚኡ ጀሚሩ ኣብ ክለባት ኣዲስ ኣበባ ሙዚቃ ክጻወት ዝጀመረ ሮፍናን፡ ባህላዊ ናይ ሙዚቃ መሳርሕታት ተጠቒሙ ቅዲ ኤሌክትሮኒክስ ሙዚቃ ብምጽዋት’ዩ ዝፍለጥ።
‘ስድስት’ VI ኢሉ ዝሰመዮ ካልኣይ ኣልበሙ ጽቡቕ ቅብሉነት ከምዝረኸበን ኣብ ኩሉ ክፋል እታ ሃገር ይስማዕ ከምዘሎን ሮፍናን ተዛሪቡ።
“ወዲ 17 ዓመት እንከለኹ እየ ጊታር ሒዘ ምጽዋት ጀሚረ። እንተኾነ ግን እቶም ዘፍርዮም ዝነበርኩ ሙዚቃታት ኣብ ቀጥታዊ መድረኻት ክጻወቶም ከምዘይብለይ ተረዲኤ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ ሰባት ንዲጄታት ከም ሙዚቀኛታት ኣይኮኑን ዝርእይዎም ዝነበሩ”
ሮፍናን ኣብ ግዜ ከይዲ ዲጄታት፡ ናይ ገዛእ ርእሶም መድረኻትን ድምጽን ክህልዎም ከምዝኽእልን ንሳቶም እቶም ሓደሽቲ ሙዚቀኛታት ከምዝኾኑን ተረዲኡ።
“ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መድረኻት ሙዚቃ ሰብ ሞያ ፒያኖን ጊታርን ኢና” ዝበለ ስነ ጥበባዊ ሮፍናን፡ ናይ ሙዚቃ ስርሓቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክለባት ክስምዑ ከምዝጀመሩን ኣብ ሓደ መደበር ራድዮ ድማ ብሞይኡ ንሰለስተ ዓመት ከምዝሰርሐ ሓቢሩ።
ሮፍናን - ኣብ ዩኒቨርሳል ሙዚቃ ዝፈረመ ፈለማይ ኢትዮጵያዊ እዩ።
“ንኣደይ ዝነበረኒ ፍቕሪ ንምግላጽን ካብ ጥቓይ ንኸይተርሕቕን ኢለ ወዲ 10 ዓመት ቆልዓ እንከለኹ ንኣደይ ብምቕዳሕ እየ ሙዚቃ ጀሚረ” ዝብል ሮፍናን ኣብቲ ሓድሽ ናይ ሙዚቃ ኣልበሙ "ወጋሕታ" ዝሰመያ ንጽል ዜማ ንፍቕሪ ስድርኡ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ብፍቕሪ ኣዲኡ ምኽንያት ናብ ሙዚቃ ዓለም ከምዝኣተወ ዝገልጽ ሮፍናን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብቕዲ ኤሌክትሮኒክስ ሙዚቃ ልዑል ናእዳ ዝረኸበ መንእሰይ ስነ ጥበባዊ’ዩ።
"ኣደይ እንተዘይ ትሕግዘኒ ነይራ፡ ኣብ'ዚ ዓውዲ ስራሕ ኣይምነበርኩን"- ድማ ኢሉ።