ትግራይ: 'ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኻ ዝኸፍአ ወራር ኣንበጣ ኣጋጢምዋ ኣሎ'

ምንጪ ስእሊ, getty images
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ “ትግራይ ከቢድ ወራር ኣንበጣ በረኻ ኣጋጢምዋ ኣሎ” ክብል ንምሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ገለ ወረዳታት ዞባ ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየ ንቢሮ ሕርሻን ተፈጥሮን ትግራይ ጠቒሱ ጸብጺቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እቲ ካብ የመንን ሶማልያን ከምዝተበገሰ ዝግመት ኣንበጣ በረኻ፡ ብቐንዱ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተጫጭሐ ከምዝዀነ መረዳእታት ይሕብሩ።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ትማሊ ብትዊተሩ ዝዝርገሖ ሓበሬታ፡ “ህዝቢ ትግራይ፣ ፈተውቲ፣ መንግስቲ ፌደራልን ማሕበረሰብ ዓለምን እቲ ገዚፍ መጠን ዘለዎ ሓደጋ ንምምካት ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ ፃውዒት የቕርብ” ክብል ገሊጹ።
ኣብ ቢሮ ሕርሻን ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሓላፊ ርክብ ርክብ ህዝቢ ሚኪኤለ ምሩጽ ፡ ኣብ ሰለስተ ዞባታት፡ ማlት'ውን ኣብ ዞባ ምብራቕ፣ ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ጉድኣት ከምዘብጸሐ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።
ካብ ሓምለ 20 ጀሚሩ ብፍላይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ከምዝተራእየ ዝሓበረ እቲ በዓል ሞያ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣብ 9 ወረዳታት፣ ኣብተን ካልኦት ዞባታት ድማ ኣብ ነፍሲወከፈን ኣብ ሰሰለስተ ወረዳታት ከምዝኣተወ ሓቢሩ።
ሐዚ ኣብ ሰፋሕቲ ወረዳታት ዘራእቲ ከጥቅዕ ጀሚሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ በዓል ሞያ፡ ዛጊድ ዝበጽሐ ጉድኣት ንምግላጽ መጻናዕቲ ከምዘድሊ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ዕስለ፡ ቀዲሙ ኣብ ወረዳታት ኣጽቢ ወንበርታ፣ ክልተ-ኣውላዕሎ፣ ሰውሓ-ሳዕሲዕን እንደርታን ብብዝሒ ከምዝተራእየ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ መግለፂኡ፡ እቲ ኣንበጣ በረኻ "ትግራይ ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ሓደጋ’ ክብል ከቢድ ምዃኑ ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ እቲ ፕረዚደንት እቲ ዕስለ ኣንበጣ ዛጊድ እንታይ ዝኣክል ጉድኣት ከምዘብጸሐ ኣይጠቐሰን።
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 22 ሓምለ 2015 ዓ/ም [ኣግ] ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ እቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ተራእዩ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ከውርዶ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ውሳነታትን ኣንፈታትን ኣሕሊፉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ብፍላይ ኣብ ወሰናስን ክልል ዓፋር ዝርከባ ወረዳታት ዕስለ ኣንበጣ ከም ዝተራእየ ዝገምገመ እቲ ካቢነ፡ ሓይሊ ዕማም ከቕውም ወሲኑ ኣሎ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ናብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ኣትዩ ዝነበረ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዘራእትን ተፈጥሮን ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እቲ ኣንበጣ በረኻ ናብቲ ክልል ብኽልተ ኣንፈት፡ ማለት’ውን ብምብራቕን ደቡብን ኣንፈታት ክኣቱ እዩ ዝረአ።
ስግኣታት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት፡ ከሚካልን ብባህላውን መገዲ ንምክልኻል ምድልዋት ተገይሩ ከምዘሎ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ይገልፅ።
ምስ ፌዴራል መንግስትን ክልል ዓፋርን ገለ ምትሕብባራት ከምዝተጀመረን ፡ ገለ ሓለፍቲ መንግስቲ ናብ መቐለ ኣትዮም ይመኻኸሩ ከምዝነበሩን ተሓቢሩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ካብ መንግስቲ ፈደራል ዛጊድ ዝተገብረሎም ሓገዝ ከምዘየለን፡ ብፍላይ ኣብቲ ብበዝሒ ዝጭጨሐሉ ኣብ ከባብታት ክልል ዓፋር ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝደልዩ ሚኪኤለ ተዛሪቡ።
ሕዚ ዋላ እቲ ዘራእቲ ፍረ እንተዘይኣፍረየ'ኳ፡ ንመጻኢ ግን ከቢድ ስግኣት ከምዘንጸላለወ ተዛሪቡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ዝዘነበ ውሱን መጠን ዝናብ ንምርባሕ ኣንበጣ በረኻ ምቹእ ኵነታት ከም ዝፈጠረ ብምምልካት፡ ኵሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብፍላይ ድማ ሓረስቶትን ዝተዋደደ ምክትታል ከካይዱ ብ 25 ሓምለ ጸዊዑ።
ብተወሳኺ ምምሕዳራት፡ ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፡ ምስ ክኢላታት ብምውህሃድ፡ ስሩዕ ዳህሳስን ምክትታልን ከካይዱ እቲ ሚኒስትሪ ጸዊዑ።
እቲ ኣብ ውሱን ከባቢታት ዝርአ ኣንበጣ በረኻ፡ ናይ ምርባሕ ዓቕሙ ከማዕብልን በብቕሩብ ናብ ከበሳታትን ምብራቓዊ ኣጻድፍን ክዝርጋሕን ዕድል ክረክብ ከምዝኽእል ብምግንዛብ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ንምእታው ዝተዋደደን ኣድማዒን ጻዕሪ ከምዘድሊ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







