እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈረንሳ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ዘለዎም ሕሉፋት የማናውያን ድምጺ ስኢኖም
ፈረንሳውያን፡ ሕሉፍ-የመናዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሕሳብ ዝኽተል ሰልፊ ስልጣን ክሕዝ ከምዘይደልዩ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።
ኣብ መረጻ ኣውሮጳ ዓብይ ዓወት ክረኽቡ ኣኽኢሎሞም ነይሮም፤ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ናይዚ ባይቶኣዊ ምርጫ’ውን ኣዐዊቶሞም ነይሮም።
እቲ ወሳኒ ምሃብ ድምጺ ምስ መጸአ ግን ልክዕ ከምቲ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻታት ዝነበረ፡ ገጽ ኣይሃብዎምን።
እዚ ንሰልፊ ናሽናል ራሊ (RN) ናብ ሳልሳይ ደረጃ ዘውረዶ ዘገርም ለውጢ ዝተረኣየ፡ ኮነ ኢሎም ደው ንኸብልዎም ዝተሓነዩ ዜጋታት ድምጺ ክህቡ ብብዝሒ ብምውጽኦም እዩ።
ሰልፊ ሕሉፍ-የመናዊ (ኣር ኤን) ግን እዚ ክኸውን ዝኸኣለ እቶም ካልኦት ውድባት ስለዝተኣኻኸቡ ጥራይ እዩ ክብል ይምጕት።
እቶም ሓደ ዘይነበሩ ሰልፍታት ጸጋም ኵሎም ሃንደበት ፍልልያቶም ረሲዖም ሓድሽ ጸረ-ኣርኤን ጥምረት ከም ዝመስረቱ ፖለቲከኛታት ሕሉፍ-የማናዊ ኣስተብሂሎምሉ ኣለዉ። ማክሮናውያንን ጸጋማውያንን እውን ፍልልያቶም ረሲዖም ኣለዉ።
ብዘይካ’ቲ ንሰልፊ ናሽናል ራሊ (ኣር ኤን) ዘለዎም ተቓውሞ ካልእ ናብ ሓደ ክጥርንፎም ዝኽእል ምኽንያት ከምዘይህሉ ካብ ምስትብሃል ብተወሳኺ እዚ ዘይምርድዳእ ንመጻኢ ሕማቕ ምልክት ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ።
ዝዀነ ኰይኑ ግን ንሓሳባቶም ስለዝቃወሙ ድዩ ወይ ድማ ናብ ስልጣን ብምምጽኦም ክህሉ ንዝኽእል ናዕቢ ስለዝፈርሑ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንሕሉፋት የማናውያን ከምዘይደልይዎም ግሁድ ሓቂ ኰይኑ’ሎ።
ስለዚ ጆርዳን ባርዴላ ቀጻሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣይክኸውንን’ዩ፤ እሞ ደኣ መን’ዩ ክኸውን?
እዚ ዝፍለጥ ጉዳይ ኣይኮነን። ነዚ ዝኸውን መልሲ ምርካብ ከኣ ሰሙናት ክወስድ ይኽእል’ዩ።
ገዲም ጋዜጠኛን ተንታኒ ፖለቲካን ኣላን ዱሃመል “ሎሚ ዝዀነ ዓብላሊ ዝበሃል ሰልፊ የለን። ማክሮን ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ፖለቲካዊ ሓይልታትና ኣብ ዝበታተናሉ እዋን ኢና ዘለና። ምናልባት ሕጂ ናይ ዳግመ ህንጸት እዋን ንጅምር ንኸውን” ይብል።
ኣብዚ እዋን ሰለስተ ዓበይቲ ቀጽሪታት ፖለቲካ (ጸጋም፡ ሕሉፍ የማንን ማእከልን) ተወሳኺ ድማ ማእከላይ-የማን ብዝብል ዝግለጹ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ እዚኦም ድማ ተፈኻኸርቲ ዝንባለታትን ውድባትን ኣለዉ።
ኣብዚ ካብ ማእከል የማን ክሳብ ጸጋም ሓድሽ ጥምረት ንምቛም ዝዓለመ ነዊሕ ዝወስድ ምውጋይ ዘይተርፍ ኰይኑ ኣሎ።
ብኸመይ ክቐውም ከምዝኽእል ምግንዛብ ዘጸግም’ዩ።
ፕረዚደንት ማክሮን ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝነበረ ወጥሪ፡ ንዝተወሰነ እዋን ዝጸንሕ ናይ ምሕረት ዕርቂ ክእውጅ ምዃኑ ብርግጸኛነት ምዝራብ ንኽእል ኢና።
እዚ ከኣ ክሳብ ኦሎምፒክን ሓጋይ በዓላትን ዝጸንሕ ኰይኑ ፈረንሳውያን መንፈሶም ክመልሱ ዘኽእሎም ክኸውን’ዩ።
ክሳብ ሽዑ ግን ነቲ ዝርርብ ዝመርሕን ምስ ዝተፈላለያ ውድባት ዝራኸብን ሰብ ክምድብ እዩ።
ካብ ጸጋም ዝመጸአ ሰብ ድዩ? ካብ ማእከል ድዩ ክኸውን? ግዳማዊ ድዩ ክኸውን? ዝብል ግን ዝፍለጥ ኣይኰነን።
ርጉጽ ዝመስል ግን ፈረንሳ ናብ ዝያዳ ባይቶኣዊ ስርዓት ክትኣቱ ምዃና እዩ።
ስልጣን ፕረዚደንት ማክሮን እናማሕመሐ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ናብ ዝመርሕ ዝዀነ ይዅን ኣካል ዝእከብ ይኸውን።
ዋላ’ውን ኣብ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ማእከላይ መርገጺ ፖለቲካ ዘለዎ ሰብ ከቐምጥ እንተኽኢሉ፡ እቲ ሰብ ብናቱ መንገዲ ከምኡ’ውን ብመሰረት ደገፍ ባይቶ እዩ ንስልጣኑ ክጥቀም።
ኣብ 2027 ዳግማይ ክወዳደር ትጽቢት ዘይግበረሉ ማክሮን ብዙሕ ቦታ ዝህልዎ ፖለቲከኛ ኣይክኸውንን።
ስለዚ እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ ውድድር ተሳዒሩ ድዩ? መረጻ ንምጽዋዕ ብምህዋኹ ይጣዓስ’ዶ ይኸውን? ንድሕሪት ዝምለስ ስጕምቲ ክወስድ ድሉው ድዩ?
ማክሮን ከምኡ ከምዘይርእዮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ዅነታት ዘይጽኑዕ ብምንባሩ ነቲ መረጻ ከምዝጸውዐ እዩ ክገልጽ ዝኽእል።
ስልጣን ማክሮን እናነከየ ክኸይድ ይኽእል’ዩ። ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኤሊዚ እዩ ዘሎ። ምስ ጋንታኡ ይመክር፤ ንፖለቲከኛታት ይተዃቱኽ፤ ክሳብ ሕጂ መራሒ መዘውር ፖለቲካ እዩ ዘሎ።