ጋዜጠኛ ተመስገን ብፖሊስ ከምዝተወቕዐ ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, TARIKU DESALEGN FB
ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ብፖሊስ መውቃውቲ ከምዝተፈጸሞ ጠበቕኡን ሓዉን ተዛሪቦም።
ንእሽቶ ሓዉ፡ ታሪኩ ደሳለኝ ኣብ ልዕሊ ተመስገን ማህረምቲ ዝተፈጸመ ኣብቲ ተኣሲሩ ዝርከበሉ 'ሶስተኛ' ዝተብሃለ መደበ ፖሊስ፡ ብሓሙስ 25 ግንቦት 2014 (ኣቆፃፅራ ግእዝ) ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ታሪኩ ንጋዜጠኛ ተመስገን ክበጽሖ ናብቲ መደበር ፖሊስ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣብ ሞንጎኦም ርሕቐት ብምንባሩ ክሰማምዑ ስለዘይከኣሉ፡ ተመስገን ክጽጋዕ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ምስ ኣባላት ፖሊስ ዘይምርድዳእ ስለዝተፈጠረ ማህረምቲ ከምዝተፈጸሞ ኣረዲኡ።
"ኣብ ሞንጎ እሱርን በጻሕን ዘሎ ርሕቐት ሰፊሕ'ዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ጊዜ ልዕሊ 10 ሰብ እዩ ዝዛረብ። ዓውዓውታ ኣሎ። ቅድሚ ሎሚ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ እዝኑ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎ እዩ። በዚ ኩነታት ክሰምዕ የጸግሞ እዩ" ዝብል ታሪኩ፡ ፅግዕ ኢሉ ክዘራረብ ሕቶ ምስኣቕረበ ማሕረምቲ ከምዝተፈጸሞ ገሊፁ።
"ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብእግሮምን ብጉስጢትን ወቒዖምዎ። ብድሕሪኡ ናብቲ ናይ እሱራት ክፍሊ ዘይኮነስ ናብ ካልእ ወሲዶምዎ። 'ክንሪኦ' ኢልና ምስሃወኽናዮም ድሕሪ 40 ደቓይቕ ኣውፂኦም ንኽልተ ደቓይቕ ክንሪኦም ጌሮም። ኣብ ትሕቲ ፀጋማይ ዓይኑ ሓቢጡ ነይሩ። ተኸዲንዎ ዝነበረ ክዳን እውን ተቐዲዱ። ክንገብሮ ንኽእል ዋላ ሓደ ነገር ኣይነበረን። ንጠበቕኡ ነጊርናዮ ወፂእና" ይብል ነቲ ኹነታት ከብርህ ከሎ።
ጠበቓ እንታይ ይብል?
ጠበቓ ጋዜጠኛ ተመስገን ዝኾነ ኣይተ ሄኖክ ኣክሊሉ እቲ ጋዜጠኛ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ማህረምቲ ከምዝተፈጸሞ ካብ ኣባላት ቤተሰቡ ከምዝሰምዐ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንእሽቶ ሓዉ ክሓቶ ከይዱ ግን ክደማመፁ ስለዘይከኣሉ ክፅጋዕ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እቲ ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጠረ ብምሕባር "ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ኣባላት ፀጥታ ንተመስገን ጎቲቶም ናብ ውሽጢ ብምእታው ወቒዖምዎ። ብድሕሪኡ ቤተሰቡ ክርእይዎ ከለዉ ክዳኑ ተቐዳዲዱን ጉድኣት በጺሕዎን ነይሩ" ኢሉ።
"ተመስገን ብኣካላት ፀጥታ ማህረምቲ እንተተፈጸሞ'ኳ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ኮነ ናብ ካልእ ዝምልከቶ ኣካል ጥርዓን ከቕርብ ስለዘይደለየ ናይ ቅረታ መመልከቲ ኣየእተናን ዘለና" ክብል እቲ ጠበቓ ሓቢሩ።
ክሲ ተመስገን
ቅድሚ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ፡ "ናዕቢን ዕግርግርን ብምጉህሃር" ተጠርጢሩ 19 ግንቦት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ።
ፖሊስ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ተመስገን እናተኸፈሎ ኣብ ዝተፈላለያ ሚድያታት ብምቕራብ "ናዕብን ዕግርግርን ብምጉህሃር" ከምዝተጠርጠረ ኣረዲኡ።
ጠበቓ ሄኖክ ኣክሊሉ፡ ጋዜጠኛ ተመስገን ምስ ኣብቲ ቅነ ዝተኣሰረት መስከረም ኣበራ ዝተብሃለት መስራቲት ሓደ ናይ ዩ ቱዩብ ቻነል፡ ነቲ ጉዳዮም ዝቐረበሉ ቤት ፍርዲ ሓደ ሕቶ ከምዘቕረቡ ይገልፅ።
እቲ ሕቶ ድማ "ክስና ክረኣይ ዘለዎ ብኣዋጅ መራኸቢ ብዙሃን እምበር ብሕጊ መቕፅዒ ገበን ክኸውን የብሉን" ዝብል ኮይኑ፡ ቤት ፍረዲ ግን ንቕርትኦም ኣይተቐበሎን። በዚ ምኽንያት ከኣ ትማሊ ይግባይ ሓቲቶም ኣለዉ።
ማኔጂንግ ዳይሬክተር መፅሄት ፍትህ ጋዜጠኛ ተመስገን ብ19 ግንቦት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ካብ ዝሰርሓሉ ቦታ ብኣካላት ፀጥታ ናብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ አበባ ከምዝተወሰደ ይዝከር።
ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ድማ ኣብ ቤት ፅሕፈቱን መንበሪ ገዝኡን ፈተሻ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተሓተመት መፅሄት ፍትህ፣ 'ሃርድ ዲስክታት' ን ካልኦት ሰነዳትን ከምዝተወሰዱ እቲ ጠበቓ ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







