ኣብ ሰለስተ ከተማታት ትግራይ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ- ሰብ መዚ ገሊጾም

ብ25 ነሓሰ ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ጉድኣት ዝበጽሖ መውዓሊ ህጻናት

ምንጪ ስእሊ, DW

መግለጺ ስእሊ, ብ25 ነሓሰ ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ጉድኣት ዝበጽሖ መውዓሊ ህጻናት

ንመቐለ ከተማ ሓዊሱ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ትግራይ፡ ደብዳብ ድሮን ከምዝተፈጸመ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይ ዝኾነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት ገሊጹ።

ንሱ፡ ኣብ ትዊተሩ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ 7 መስከረም፡ ቅድሚ ቀትሪ፡ ኣብ ከተማ መቐለን ውቕሮን ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ደብዳብ ድሮን ኣካይዱ ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ሆስፒታላት መቐለን ካትሪን ሆስፒታል [ፊስቱላ ሆስፒታል]ን ከምዝተኻየደን ሰለማውያን ሰባት ግዳይ ከምዝኾኑን ሓቢሩ።

“ሰባት ተቐቲሎም፣ ቆሲሎምን ርዒዶምን ኣለዉ” ኢሉ።

ፕሮፌሰር ክንደያ፡ ኣብ ከተማ ሽረን’ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ ኣሎ።

ዳግማይ ኲናት ትግራይ ነሓሰ 18 ካብ ዝደግሶ ንደሓር፡ እዚ ናይ ሎሚ መጥቃዕቲ ንሳልሳይ ግዜኡ ዝተፈጸመ እንትኸውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ክሲ እዞም መጥቃዕታ ኣመልኪቱ ዝበሎ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን፡ ነበርቲ ንነፍሶም "ካብ ዝኾኑ ወተሃደራዊ ዒላማታት ከልግሱ" ኣጠንቂቁ ነይሩ።

ቴሌቪዥን ትግራይ፡ እቲ ደብዳብ ኣብ መንበሪ ሰላማውያን ሰባት ዝተኻየደ ምዃኑ ዝጸብጸበት ዀይና፡ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ሃምሊን መቐለን ጥቓ 'እንዳ ራእሲ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓቢ መዘናግዕን ከምዝተፈጸመ ሓቢራ።

በቶም መጥቃዕትታት፡ ኣብ ህይወትን ንብረትን ዝበጽሐ ጉድኣት ብዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተገልጸን።

ኣብቲ ክልል፡ ኩሎም መራኸቢ መገድታት ዕጽው ብምዃኖም፡ ቢቢሲ ነቲ መጥቃዕቲ ብባዕሉ ወይ ድማ ብነጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ኣብ ከተማ ሽረ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ናብ ትማሊ ዘጽብሕ ሰዓት 6፡00 ፍርቂ ለይቲ ከምዝተፈጸመ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦ መሰኸሳኽር ዓይኒ ሓቢሩ።

እቲ ደብዳብ ድሮን፡ ብፍሉይ ናብ እንዳባጉና ኣብ ዘውፅእ፡ ከባቢ ንግዲ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝተፈፀመን ጉድኣት ከምዝወረደን ተሓቢሩ።

በቲ መጥቃዕቲ ነበርቲ ግዳይ ከምዝኾኑ እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር እንተገለጸ'ኳ፡ ዝርዝር ዝበጽሐ ሞትን መጉዳእትን ዝምልከት ምፍላጥ ኣይተኽኣለን።

ነቲ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት ስዒቡ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይን ካልኦት ከባብታትን ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ልዕሊ 600 ሽሕ ተመዛበልቲ፡ ኣብ ከተማ ሽረ፡ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ኣጽሊሎም ይርከቡ።

እቲ ዝተፈፀመ ደብዳብ ስዒቡ፡ ህዝቢ ኣብ ስምባደን ሻቕሎትን ከም ዝጠሓለ እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ ገሊፁ።

ካልኦት መጥቃዕታት ድሮን

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ክልተ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ከም ዝፈፀመ ሰብ መዚ እቲ ክልልን ሓካይምን ምግላጾም ዝዝከር እዩ።

በቲ ኣብታ ከተማ ኣብ ከባቢ ዳግም ኣምሳል ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን፡ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ንቢቢሲ ሓቢሩ’ዩ።

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቅን ድምፂ ወያነ ትግራይን’ውን፡ ግዳይ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ምዃኖም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ዝተፈፀሙ መጥቃዕታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን]፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምፃእ ዘሎ ተስፋ ዳግም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ብረስለስ ዝርከብ፡ ኢምባሲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ መግለጺ ነጺግዎ ኣሎ።

ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ቀፂሉ ዝነበረ ምቁራፅ ተፃብኦ ፈሪሱ፡ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ካብ ዝኣትዉ ኣስታት ሰለስተ ሰሙናት ተቖፂሮም ኣለዉ፡፡

እቲ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ብዝምልከት፡ ካብ መንግስታት ኢትዮጵያ ኾነ ኤርትራ ዝተውሃበ ሓበሬታ እንተዘየለ'ኳ፡ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ግን፡ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ካብ ክልቲኦም መንግስታት ዝተኸፍቶም ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ይከላኸሉ ከምዘለዉ ይገልጹ።

እቲ ኲናት፡ ዳግም መን ጀሚርዎ ንዝብል፡ ነንሕድሕዶም ዝካሰሱ ዀይኖም፡ መንግስቲ ካብ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመሉ እዩ ዝኸስስ።